መኣዲ ሓልዮት ሕሙማት
“ሓሚመ በጻሕኩምኒ፣” ማቴ 25: 36
“ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ ኲሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ።” 1 ቆረ. 12፡ 26
“ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤተክርስቲያን ይጸውዕ፣ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ኬተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ኪኅደገሉ እዩ። ያዕ. 5፡ 14-15
ጥዕና ምስኣን
ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይውስኾ፡ ንዝተሓለለ ከዓ ብርታዔ ይህቦ (ኢሳ 40:29)
ጥዕና ምስኣን ብፍላይ ነቶም መጀመሪኦም ዝሓሙ ዘለው፡ እዚ ዘይበሃል ስንባደ፡ ተስፋቁርጸት፡ ጽምዋ፡ ፍርሒ፡ ሓንሳብ ሓንሳብሲ ሕርቃን ከስዕብ ምርኣይ ንቡር ተርእዮ ኢዩ።
ሓንሳብ ሓንሳብ ከዓ ኣሕዋትና "ስለምንታይ እግዚኣብሔር እዚ ሕማም ከወርደኒ ኣፍቂዱ?" "ደቀይ እንታይ ክኾኑ እዮም?" "ስድራቤተይ፡ በዓል(ቲ) ኪዳነይ፡ እንታይ ክኾኑ እዮም?" ንዝብሉ ሕቶታት ምስ ዝሓቱና፡ መልሲ ስለዘለና ዘይኮነስ ነቲ "ለምኑ ክወሃበኩም ኢዩ" ዝበልና ብጸሎት ሕቶታት ኣሕዋትና ንእግዚኣብሔር ነቅርብ። "ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብ እፈልጦ ኢየ። መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር ሓሳብ ክፉእ የብለይን፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣለኹ" (ኤር 29:11) ኢሉ ዝምልስ ኣብ ቃሉ እሙን ዝኾነ (1ቆሮ 10:13) ኣቦ ከምዘለና ስለእንርዳእን ስለንኣምንን።
ነቲ ጥዕና ስኢኑ ዘሎ ሓው/ሓፍቲ እቲ ቀዳማይ ስጉምትና እግዚኣብሔር ከምዝሰርሖምን ከነዘኻኽሮም "ኣዕንትኻ ድቒ ከለኹ ረኣያኒ፡ እቲ ምዱብ ዕድመይ ገና ከይጀመረ ከሎ ኣብ መጽሓፍካ ጸሓፍካኒ"(መዝ 139:16) ከምኡውን እግዚኣብሔር ከምዝርድኦምን "ንኹልንትናይ ንስኻ ፈጠርካዮ ኣብ ማሕጸን ወላዲተይ ኣለምካኒ፡ ድንቂ ገርካ ፈጢርካኒ ኢኻሞ ከመስግነካ ኢየ።" (መዝ 139:13)
ንሕና ምሉእ ጥዕና ስለዘለና ውይውን ጥዕና ምስኣን ስለዘይንፈልጦ ዘይኮነስ እቲ ኣብ 2ቆሮ 1:3-4 ዝተባሃልናዮ " እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኩሉ ምጽንናዕ ዝኾነ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለው፡ ንኹላቶም ከነጸናንዕ ዜኽእለና ንሱ ኢዩ።"
ገለ ኣሕዋት ኣብ ጊዜ ሕማም ንነብሶምን ንኻልኦትን ምምሓር ሰለዘጽግሞም እቲ ኣብ 1ዮሓ 1:9 "ሓጢኣትና እንተተናዚዝና ኣምላኽ እሙንን ጻድቅን ስለዝኾነ ንሓጢኣትና ይቅረ ክብላልናን ካብ ኩሉ በደልናን ከንጽሓናን ኢዩ" ዝበለና ተገንዚብና ነሕዋትና ናብ እግዚኣብሔር ነቅርቦም።
ምክንኻን ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት
ኣብ ጊዜ እርግናኦም ይፈርዩ፡ ለምለም ይኾኑን ይለምዑን "እግዚኣብሔር ጻድቕ ኢዩ፡ እግዚኣብሔር ከውሐይ ኢዩ፡ኣብኡውን ዓመጻ የልቦን" ድማ ይብሉ። (መዝ 92:14-15)
እዚ ዘለናዮ ግዜን ቦታን ዕድመ ንዝደፍኡ ኣረጋውያን ዘኽብርን ዝሕብሕብን ኣይኮነን። እኳ ድኣ "ዝኣረገ ከልቢ ሓዲሽ ሽጣራ ኣይመሃርን ኢዩ" ብዝብል ዝውቱር ኣዘራርባታት ንኣረጋውያን ዝውግንን ዘዳሉን ኣተሓሳስባትን ተግባራትን ንቡር ተርእዮ ኢዩ።
ሕይወት፡ ዕድመ ደፊእካ ክትነብራ ቀላል ኣይኮነትን። እዞም ሽማግለታትሲ፡ ገሊኣቶም ሰብ ቃልኪዳኖም፡ገሊኣቶም ኣባላት ስድራቤቶም፡ ገሊኣቶም ኣዝማዶም፡ ገሊኣቶም ኣዕሩኽቶም ብሞት ኣፋንዮምሲ፡ ክፋል ሕይወቶም ምስቶም ዝሓለፉ መይቱስ፡ በቲ ተሪፉ ዘሎ ክነብሩ እኳ እንተፈተኑ፡ ገሊኣቶምሲ ኩሉ ሰለዘጥፍኡ፡ ሓዲሽ ዝምድናታት ክይምስርቱ እቲ ምድላው፡ ምውጋን፡ ከምዘይጠቅሙ ገርካ ምርኣይ ስለዘይሕግዝ፡ ኣብ ጽምዋ ኣብ ጭንቀት ኮታስ ተነጺሎም ኣብ ጽልማት ይነብሩ።
ሽማግለታት ብዛዕባ ሕሉፍ ምዕላል ኣዚዮም እኳ እንተፈተው፡ እዚ ህሉው ጊዜን መጻእን ካብኦም ተመንጢሉ ስለዝተወስዶምን ስለዝተወገኑን፡ ባሕርያዊ ነገር እዩ ኣብቲ ኣገደስቲ ዝነበሩሉ ጊዜ ክዕቆቡ።
ኣብ ሓረግ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ሓደሽቲ ዝምድናታት ክምስትርቱ፡ ግድላት ክፈትሑ፡ ኣገዳስነቶምን ሰብኣዊ ክብሮምን ከይጎደለ ከይተነጸሉ ክነብሩ ተቢዕና ንብገስ።
ጭንቀት (ኣእምሮኣዊ ጸቅጢ)
"ጾር ሓድሕድኩም ተጸዋወሩ።" (ገላ 6:2)
ጭንቀት ወይ ውን ኣእምሮኣዊ ጸቅጢ (Depression) ንኹሉ ሰብ ዝትንክፍ ናይ ሕይወት ተርእዮ ኢዩ።
ሓንሳብ ሓንሳብ ጸልማት መዓልታት የጋጥሙና። ሓንሳብ ሓንሳብ ከዓ ኣብ ዝሓለፈ ሕይወትካ ክድካ ከምዚ ወሲነ፡ ከምዚ ጌረ እንተዝኸውን እዚ ኣይመጋጠመንን ኢልካ፡ ካብዚ ሕጂ ዘለኻዪ ዝይኮንካዮ ክትከውን ምፍታን ኣሎ። ሓንሳብ ሓንሳብ ከዓ ሕጂ ስለ ዝለበምካ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ዝተጋገኻዮ ነቲ ሽዑ ዝነበረካ ልቦና ገዲፍካ ብዚ ናይ ሕጂ ልቦናን ተመኹሮን ገምጊምካ ዝስምዓካ ከቢድ ሓዘን ጓኢ ከስዕብ ከሎ፡ ገለ ክዓ ዓመጽ ዝለዝረኣዩን ዝፈተኑን፡ ገለ ከዓ ኣብ ውሽጢ ሕይወቶም ክስበር ዘይግብኦ ስለዝተሰብሮም ኣብ ጭንቀት ወይ ኣእምሮኣዊ ጸቅጢ (Depression) ይኣትዉ። እንተኾነ ግን ደረጃታት ኣለዎ።
ቀሊል ጭንቀት (mild depression) እዚ ዓይነት ጭንቀት ወይ ውን ኣእምሮኣዊ ጸቅጢ ከጋጥመካ ከሎ ትጉሂ፡ ዝኾነ ነገር ክትገብር ይጽልኣካ ወይ ቅጭ ይመጸካ
ማእከላይ ጭንቀት (moderate depression) እዚ ዓይነት ጭንቀት ወይ ውን ኣእምሮኣዊ ጸቅጢ ኣብ ሕይወት ተስፋ ትቆርጽ፡ ካብ ቀሊል ጭንቀት ዝነውሐ ጊዜ ይጸንሕ።
3.ከቢድ ጭንቀት (severe depression) እዚ ዓይነት ጭንቀት ወይ ውን ኣእምሮኣዊ ጸቅጢ ምስ ዘጋጥም ተስፋ ቁርጸት ኣብ ጥርዚ በጺሑስ፡ እንተዝመውት ኢልካ ምትምናይ፡ ነብሰ ቅትለት ምሕሳብ፡ ዋጋ ክምዘይብልካ፡ ምሕሳብ የጠቃልል።
ዝተጨነቁ ሰባት ተስፋ የድልዮም፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከዓ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ከምዝኾነ (ሮማ 15:13) ተረዲእና ልክዕ ከምቲ መዘምር ዳዊት ኣብ (መዝ 130:1) " ኦ እግዚኣብሔር ኣብ መዓሙቅ ሓዘን ኮይነ ናባኻ ኣእዊ ኣለኹ" ኢሉ ኣምላኹ ዝጸውዔ፡ ኣብ ሓረግ ከእለት ወይ ፍልጠት ሃልዩና ዘይኮነስ፡ ነሕዋትና ሰሚዕና ነቲ ክፍወስ ዝኽእል እግዚኣብሔር ለሚንና ነሕዋትና ፈውሲ ክንረክብ ንተግህ።
ወልፊ
"በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ ንኹሉ እኽእሎ ኢየ።" (ፍሊጲ 4:23)
ኣብ ከባቢናስ ብወልፊ መስተ (ኣልኮል)፡ ሓሺሽ፡ ካብ ሕክምና ዝወጽእ ክኒናታት፡ ጠላዕ (gambling) ሕይወት ሰባት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑስ፡ ንሕይወት ቤተሰብን ፈተውትን ክጸሉ ይርኤ።
ኣብ ሕይወት ዉሉፋት እቲ ወልፊ ክም ቀንዲ ጸገም ዘይኮነስ እቲ ወልፊ ክሽፍኖ ተደልዩ ዘሎ ከም ቀንዲ ጸገም ምቅራቡ ኣዚዩ ዘሕዝንን መራጎዲ እቲ ግድል ይኸውን። "ኣነ እዚ ወጽዓ ወይ ጸገም ስለዘጋጠመኒ ነዚ ክርስዕ መስተ፡ ሓሺሽ ወይ ክኒና ወይ ካልእ ዘወልፉ ነገራት የድለየኒ" ምስማዕ ንቡር ኢዩ።
ብድሕሪ ብወልፊ ዝተጨውየ ሕይወት ተነጽሎ፡ ጽምዋ፡ ፍርሒ፡ ሰሃሮ ተኸዊሎም ይጸንሑ። ኣብ ዝተናውሔ ግዜ ግን እዚ ንግዚኡ ነቲ ቃንዛ ወጽዓ፡ ጸገም፡ ተነጽሎ፡ ጽምዋ ክዕግስ ዝተሓስበ ወልፊ ነቲ ሕይወት ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ የምርሮ። እቲ ውሉፍ ከዓ እዚ ዘይብሃል ሽቁረራን ኣብ ሕይወቱ ቁጽጽር ከምዘጥፍኤ ምስተረድ ኣብቲ ዘሎ ወጽዓ ዝገደደ ጭንቅትን ሰብነታዊ ሃስያ የሰዕብ።
ወልፊ ነቲ ግዳይ ካብ ምሉእ ሰብ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ነገራት ዝግደስ ናብታ ወልፉ ጥራይ ዝግደስ፡ ነታ ወልፉ ከመይ ጌሩ ከምዝረኽባ ጥራይ ክምዝሓስብ ዝገብር ኣዚዩ ቀያዲ ኣመል እዩ።እቲ ዓማጺ ወይ ዘይፍትሓዊ ነገር ብዛዕባ ወልፊ፡ ወጽዓ ወይ ጽገም ኣጋጢሙካ ክትሓዝን ንቡር እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ወላ ሓንቲ ዘይበደለ ሰውነት ብመስተ ወይ ብሓሽሽ መዓት ከተውርደሉ ፍትሓዊ ኣይኮነን።እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እምበኣርከስ እቲ ወሉፍ ሳዕቤን ተግባራቱ ብሓልፍነት ከምዝቅበሎ ምግባር፡ ምኽንያቱ እቲ ሓላፍነት ዘይምውሳድ ኣብ እንታይ ዓይነት ሕይወት ከምዘውደቆ ስለዝግንዘብ።
ኣብ ሓረግ ምስቶም ወልፊ ኣጻዊዱ ዝሓዞም ኣሕዋትና ኣሓትናን፡ ጸገማቶም ብምስማዕ፡ ኣብ ጎኖም ብምዃን፡ ዝገብኦም ፍቅሪ ብምሃብ ካብዚ መጭወይቲ ከነናግፎም፡ ተጊህና ንብገስ።