ኣብዛ ጫውጫውታን ሸበድበድን ዝመልኣ ሀገር 'ኣይፋል ንመግዛእቲ' ቢልካ ዘልዓልካዮ ፍትሓዊ ሕቶን ዝሰዓበ ገድልን፡ ዝተላዕለ ዕላማን ዝተኣትወ መብጽዓን፡ ዛጊት ዝተረኽበ ውጽኢትን ርግእ ኢልካ ኣስተንትን። ኣብዚ ዚመጽእ ወቕቲ'ውን፡ ከመይ ዝበለ ዝተሠርዐ ወይ ዝተዘርገ፡ ቅሳነት ወይ ህውከት ክትርከብ ከም እትኽእል ኣይትረስዕ። ብዚከኣል መጠን ሕልናኻ ከየዕረብካ ንሓድሕድካ ተላዘብ። ብህድኣትን ብግልጽን ንዂነታትካ ተረዳእ።
ኣባሓጎታትካ ናብ ትሩብሊ ባሕርን ምድረበዳን ሰጊሮም ናጽነት ኣኅዋቶም ኪምንዝዑ'ሞ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዛኢ ንባርነት ኪጽመዱ ምስ ኃያላት ዘራያት ብምሽራኽ ወፊሮም። ዘመን ምስ ተገልበጠ ከኣ፡ ጎረባብትኻ ምስ ርእሲ-ኃያላት ዘራያቶም ብምሽራኽ ናጽነትካ ኪምንዝዑ ተመላሊሶም። ብኣካልን ብመንፈስን ከኣ ተጐዲእካ።
ካብዚ ብዝገደደ፡ ኣብ መስርሕ ነዊሕ ገድሊ ናጽነት፡ ከም መቐስ ኣብ ሞንጎ ክልተ ስሕለት ባዕዳዊ ዓመጽን ውሽጣዊ ሓድሕዳዊ በለጽን ተቐርቂሮም፡ ብዙኃት ተባዓት፡ ቅኑዓትን በላሕትን ጠፊኦም። ኣንጻር'ዚ ኩሉ መሰናኽላት ግን ነታ መሠረት ሓበንካ ዝኾነት ናጻ ምድሪ ኣረኪቦምኻ ኃሊፎም።
ኣብ ውሽጢ እዚ ንፍትሒ ኪብል ሕይወቱ ዕድሚኡን ዕድላቱን ብምኽፋል ዝተበጀወ ምንቅስቓስ ጅግንነት፡ ዝተናውሐ ረጽሚ ዚወለዶ፡ ምፍሳስ ደም ዝተወለፈ ሥርዓት ኃይሊ ጸልማት ሰሪሩ። ንኹሉ ጉዳያትን ጸገማትን ከኣ ካልእ መፍትሒ ክሳዕ ዘይረኣዮ ዓዊሩ። ኩሉ ጸጋታትካን ዕድላት ምዕብልናኻን ብምብኻን፡ ንቡር ሰላማዊ ሕይወትካ ብምውንዛፍ፡ በታ ሓንቲ ዚተለማመዳ ኣደብ ዕስክርና ንርእሱ ደኺሙ ነኣኻ'ውን ኣድኪሙካ።
ካብዚ ክትገላገል፡ ኣስኣሰር ኣባሓጎታትካ ባሕርን ምድረበዳን ኣብ እትሰግረሉ፡ ምሳኻ መከራ ኪጸግብ ዚጸንሐ ሓውኻ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ደቓይቕ ሕቡእ መንነቱ ኣግሂዱልካ። ካብቲ ዚሃደምካሉ ኃይሊ ጸልማት ዘይነኣኣስ እከይን ተቖጻጻርን ባሕርያት ለቢሱ፡ ንስኻ ብጽምኢ ተዋሊእካ፡ ሕይወትካ ክተትርፍ ንመዓጎ ጨው ጫፍ ሩሕ እንክትመናጠል፡ እቲ ዘይርኅሩኅ ጨውዩ ንሸፋቱ መጢዩካ። ዝደኸመ ዝባንካ ብስቓይ ዝጸምአ ክፍልታት ኣካልካ ከኣ ብስሕለት ናብ ዕዳጋ ሸፋቱ ኣውሪዱ ተዋጊዩልካን ሸይጡካን። መን ይፈልጥ ጽባሕ ንግሆ መልክዑ ቀይሩ ነቲ ንምብጃውካ ዝተኸፍለ ሓላል ገንዘብ ኣብ ሓራም ቁጻሩ ተሓንጊጡ፡ ኣብ ዕዳጋኻ ኣውፋሪ፣ ኣብ ኃይልታትካ ፊተውራሪ፣ ኣብ ከተማታትካ ኣመሓዳሪ ኪኸውን ለይትን ቀትርን ይቀራረብ ይህሉ።
እዚ ድኻም'ዚ ዜስተብሃሉ ኣብ ዙርያ ሀገርካ ዚጓዝሙ ጸላእትኻ ዳግም ኪመናጠሉልካ ይጸናተውኻ ኣለው። ብተወሳኺ ኣብዚ ጫውጫውታ’ዚ፡ በቶም ዚጓዝሙልካን ዚጸናተውኻን ጸላእትኻ ተኸዊሉ፡ ሕልናኡ ዚደንዘዘ ኃውኻ፡ ኣብቲ ብኽልተ ስሕለታት ግዳምን ውሽጥን ዝወደቐ ኣያኻ ብትብዓት ዜንጸፈሉ መሠረት ደው ኢሉ፡ ምስጋናስ ይትረፍ፡ "ግጉይ ቃልሲ፡ ከንቱ ሞት፡" ብምባል የናሽው ኣሎ።
እቲ ብቕንዕናን ብልሕን ዝተረኽበ ፍረ ኪዕቅብ ኪብል ብግጉይ ስጉምቲ ዝኸፍአ መጻኢ ከይህበካ ብምምራጽ፡ ምስ ኃይሉን ኣደቡን፡ ንመጻኢት ቅዋማዊት ሀገር ብልባዊ ትንቢት ዝተማእዘዘ ገንሸል ፍትሒ ኣያኻ ዜመሓላለፎ ረዚን ሕድሪ ብምዝንጋዕ፡ ኣብ ክንዲ ኣላዝቦ ጎነጽ ዚመርጽን፡ ነቲ እትምነዮ ነገር እናስምዐ ብስውር ጥልመት ናብ ጃምላዊ ዕዳጋ ዜውርደካን ዚዋገየልካን ፈሊኻ ንኽትርዳእ ዚሽግረካ’ኳ እንተኾነ፡ ጽን ኢልካ ደኣ ስማዕ።
እዚ ኹሉ መዋእል ከመይ ኢሉ ኢዩ ዞባኻ ከየቋረጸ ሜዳ ጥፍኣት ኮይኑ፧ ንዚመጽእ መዋእልከ ነኣኻን ንደቅደቅኻን ካብዚ እከይ-ዓንኬል እንታይ መዋጽኦ ኣሎካ፧ ባሕርኻ እንተኾነ ዓለም ንምዕብልናኣ ዚኸውን ንብረት ክትጓርየሉ እንከላ ንስኻ ኣብኡ ትጥሕል፡ ምድርኻን ምድሪ ከባቢኻን ከኣ ንመጥፍኢኻ ብዚኸውን መሳርሒታት ሕልቂት ዘጢጡ ይጥሕል ኣሎ። ብመሠረቱኸ ንምንታይ ኢኻ እቶም ንጽልእን ባእስን ዚዓደሙኻን ዚመርሑኻን ኃይልታት ተመሊሶም ብኣጽዋር ጥፍኣቶምን ብጸልማት ቂመኛ ልቦምን እከይ ትልሞምን ሰላም ኬምጽኡልካ እትጽበ፧ ናይ ሰላም ድልየትን ኣጽዋርን ኣብቲ ዚርከባሉ ዘይትደልየን፧
ዓመጽትን ተጀሃርትን ሰባት ናይ መሰልካ ስቓይ ኢዮም። ነቲ ዜሳቕየካ ዓማጺ ብኣራሚ ወረጦ ንቐሎ፡ ብዋልታ ንቕሓት ተኸላኸሎ፡ ብመንፊት ጸብጻብ ግብሪ ኣጻርዮ፡ ኣብ ሚዛን ፍትሒ ኣቚሞ። ነቲ ንርእሱ ምስ ካልኦት እናነጻጸረ፡ “ብሉጽ ኢየ” እናበለ ኬሳቕየካ ዚህንደድ ዘሎ ተጀሃራይ ከኣ፡ ነታ እንኮ ተሪፋትካ ዘላ ናይ ኣደብ ዕጥቅኻ ፈቲሑ፡ ብስም “ድላይካ ግበር” ብዘይ ኣደብን ናጽነትን ንፋሉልነት ኣሕሊፉ ከይህበካ ኣስተብህል። ዚመጽእ ወቕቲ፡ ኣብ ሞንጎ ሕሉፍን መጻእን ሥርዓታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ሞንጎ ጸልማትን ብርሃንን ዚግበር ግጥም ኢዩ'ሞ ብዘላቒ ሰላም እተዕርፈሉ ኃባራዊ ቅሳነት ንምውሓስ ዚህቅንን ዚፍጽምን ምስ ረኣኻ ሻቡ ዜሓጒሰካ ትመርጽ።
ንፍትሒ ክተናድያ እንከሎኻ፡ ኣብ ሞንጎ'ዚ ተለዋዋጢ ጊዜን ዕድላትን፡ ዘይልወጥ ቀዋሚ ሀብትኻ ምድሪ፡ ሕዝብን ሕግን ጥራሕ ኢዩ'ሞ ነዚኣተን ብጥምረት ኂዝካ ሥራሕ። ኣብ ሕሉፍ ይኹን ኣብ መጻኢ ሥርዓታትካ፡ ተባዕን ተወላዋልን፡ ቅኑዕን መታለልን፡ በሊሕን ዓሻን፡ እንተመልኡ፡ ብዙኅ ኃይለ-ሠናይ ከኣ ይርከበካ ኢዩ'ሞ ነዚ እናኣስተብሃልካ ኣብ ኩሉ ጒዳይካ ጥንቃቐ ኣዘውትር። እታ ኩላቶም ኣኅዋትካ ካብ ኩሉ ጫፋት ተኣኪቦም ዝተበጀውላ ሥፍራ ጅግንነት ሀገርካ፡ ካብ ጥፍኣት ንምምላሳ ካልእ ጻዕሪ ስለዜድለያ ሕጂ’ውን ተኃባቢርካ ነዚ ልዑል ዝኾነ ዕላማ ክትፍጽም ብሓቦ ጻዕርኻ ቀጽል።
መንነትካ ብፍሕሶታት ኃይሊ ጸልማት ኣይትለውጥ። ብፍላይ ድማ ሀገርካ ናጻን ልኡላዊትን ምዃና ዜረጋገጽካን ዜመስከርካን፡ ንኃባራዊ ርስቲ ደኣምበር ንተለዋዋጢ ንብረት ውልቂ ኣይኮነን'ሞ ግዙእ ገጽ ሰብ ኣይትኹን። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምድርን ሕዝብን ሕግን ዝንቡዕን ደረቕን ርእይቶ ኣይሃሉኻ።
ኃይሊ ጸልማት፡ ከምቲ ኣብ እዋን ምቚጻር ድቂ፡ ካብቶም ናብ እንቋቕሖ ዚሕንብሱ ውንጅራት ሓደ ጥራሕ ቀዲሙ ብምብጻሕ ብሕይወት እንኪቕጽል፡ ምኽንያት ሞት ኣእላፋት ብጾቱ ኮይኑ። ብሕጂ’ውን ኪመርሓካ ኢሉ ዚድይብ ኃይሊ፡ ሀገርካ ተቐዳዲሙ ዝተዓወተላ ሽልማቱ፣ ከም ዝደለዮ ዚሰቕላ ዜውርዳ፡ ዜብርቓ ዜዕርባ ወይ'ውን ዚኸስባ ዚኸስራ እንቋቕሖኡ ክትመስሎ ትኽእል ኢያ። ከም ዚናወጽ ባሕሪ፡ ንምድርኻን ሀገርካን ከይገለባብጠካን ከየጽብበልካን ተቐዳደም። ኩሉ ምስ ጠፍአ ሕቶ ፍትሒ ካብ እተልዕል ብኣጋኡ ቀይድን ልጓምን ፍትሒ ኣዋድድ። ዘላቒ ፍትሒ ኢዩ ንኹሉ ኣብ ሓደ ጽላል ኣኅቢሩ ከም ዘይናወጽ ድልዱል መልሕቕ ዜቕውመካ እምበር ኃላፊ ሰብ ከም ዘይኮነ ዘክር።
ኃይሊ ጸልማት ንኹሉ ክብርታትካን መሰላትካን ብምንፋግ ዜቐነተካ ምራን ምስትንፋስ ምስ ከልኣካ፡ መጥመር ክትፈትሕ ቅድሚ ምሕሳብካ፡ ናብ ዘይእርነብ መኣዝናት ከይትበታተን ብልዑል ጥንቃቐ ዕማማትካ ሥራዕ። ነቲ ንሀገርን ቅዋማቱን ዋልታ ኪኸውን ዝመሓለ ኃይሊ ኣደብ ብብርሃንካ ኣዘኻኽሮ፡ ናብ ኃይሊ ሕዝባዊ ሰላም ኣርትዓዮ። ንኹሉ ዜሳትፍ መሰጋገሪ እዋን ብምቕዋም ከኣ ትካላት ንቡር ሕይወት መሥርት። ዜወናውን ኣስማት ብምምሃዝ ንዚቐርቡኻ፡ እታ ሓቀኛ ምስሎም ኃዝ፡ ብኣዋድቓ ቃላቶም ኣይትፍዘዝ።
ብፍቓድካ ንመራሕትኻ ቆጽሊ ኣውዲቕካ፡ ካብ ዝተጠለምካዮ ተማሂርካ፡ ምስ ኩሉ ብሕግን ሥርዓትን ተሣኒኻ ንበር። ዳግም ዘይተሓስበ መዓት ከይወርደካ፡ ካብ ግዳምን ካብ ውሽጥን ዚፍጠር ብዙኅ ዓይነት ዜፍርሕ ሓሳብ ስሱዓት ተዳሂልካ ዓቕልኻ ኣይተጽብብ። ሥነ-ሥርዓት ተኸቲልካ፡ ብእርኑብን ብኃልዮትን እናመጐትካ ጐይታ ምርጫ መጻኢኻ ኩን።
ንስኻ እውን ካብ ካልኦት ኅብረተሰባትን ሀገራትን ዘይትንእስ ናይዛ ዓለም ውሉድ ብምዃንካ ብሰላምን መስተርሆትን ክትነብር መሰል ኣሎካ። ነኣኻ ግሉጽ ይኹን ኣይኹን እንድዒ'ምበር፡ ፍሕሶታትን ምህዞታትን ኃይሊ ጸልማት ብዝተረጋገጸን ብዚግባእን መንገዲ ካብ መጋረጃኡ እናተቐልዐ ኢዩ ዚኸይድ ዘሎ።
እምበኣርከስ፡ ኣብዛ ዋዕዋዕታን ምድንጋርን ዝመልኣ እዋን'ዚኣ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዕዮኻን ሃረርታኻን፡ ሽሕ'ኳ ብዛዕባ ፍቕሪ ሕዝብኻ ብሓፈሻ ፍቕሪ ብጾትካ ኸኣ ብፍላይ ዘሎካ ኣተሓሳስባ ካብ ናይ ካልኦት ሕልፍ ዝበለ እንተኾነ፡ እትሓንጾ ሰላም ምእንቲ ከይቋረጽ፡ ምስ ሓድሕድካን ምስ ጎረባብትኻን ብሰላም ንበር።
ኃይሊ ጸልማት፡ ብሓሶትን፡ ጥርዓናትካ ብዘይምስማዕን ሕልምታትካ ብምስባርን እንተታለለካ'ኳ፡ ሀገርካ ክተማዕብል እትብህግን እትኽእልን ምዃንካ ዘይከሓድ ኢዩ'ሞ ነዚ ዕድል'ዚ ዜጣጥሕ ወጋሕታ ብርሃን ደኣምበር፡ ንሽጉርቲ ባርነት ዜናፍቕ መጻኢ ከይትርከብ ብኣጋኡ ኣስተውዕል፡ ንወጽዓኻ ዚድብስ፡ ንበጃ ኃውኻ ዚኽሕስ ሕጉስ ሕይወት ክተውሕስ ከኣ ጸዓር።
እዚ ዘመን ማዕዶ ማዕዶ ኣብቂዑ፡ ከካብቲ ፋሕ ዝበልካዮ ሀገራት፡ ብሉጽ ልምድን ፍቱን ኣብነታትን ኣዋህሊልካ ዓድኻ እትሓንጸሉ እዋን ይቐርብ ኣሎ'ሞ፡ ሃየ ራእይ ሰላማዊት ብርሃን ሀገር ሕለም፡ ንምውናና ከኣ ዕዮኻ ወጥን፡ ውጥንካ ዕየ።