ሠናይ ምድላይን ፍቕሪ ምዝራእን ናይ ማኅበራዊ ሥርዓት ዝዓበየ ትእዛዝ ኢዩ።
ፍትሒ ማለት ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ተሰሪቱ፡ ንኻልእ ዚሓፍር መሰላት ካልኦት ዘኽብርን ኢዩ።
ንኃባራዊ ረብሓ ሕብረተሰብ ሰላም መሰረታዊን ኣድላይን ኢዪ። እዚ ማለት ርትዒ ንርግኣትን ጸጥታን ተጎዝጒዙ ሰላም የፍርን የውሕስን።
ሓወይ ረኺበዮ ኣብ ግዳም
ኣቶ ተስፋልደት ሚካኤል`
ሕመኣ
04/27/2024
ሓወይ ረኺበዮ ኣብ ግዜ ሕማሙ
ዶ/ር ክብሮም ጸጋይ
ካናዳ
05/11/2024
ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ክትወርሱ ንዑ። ምኽንያቱ ሓሚመ በጺሕኩምኒ ኢኹም። ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን ምክንኻን ንኹሉ ዝተጸገመ፡ንዘይምልከተካ ( ብዓሌት፡ ብሃይማኖት፡ ብዝምድና) ኣብነታዊ ምዃን ንሓውኻ ክትረኽቦ ምስ ከድካ ንሱውን ይረኽበካሞ እሞ እቲ ርክብ ናብ ሓባራዊ ረብሓ ይቕየር።
ሓወይ ረኺበዮ ኣብ ግራቱ
ኣባ ቪቶርዮ ቦርያን
ኣቶ ኣእምሮ ኢያሱ
ኢጣልያ
06/02/2024
ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ዚሓተተናን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ድኅሪ'ቲ ናይ ጥቅምቲ 03, 2013 ምጥሓል ጃልባ ስደተይናታት ኣብ ደሴት ላምፔዱዛ ዝዓበየ ተልእኾኦም ገይሮም ዝወሰድዎን፡ ኣቡናት ኤርትራ ደጊሞም ዜቃልሑዎምን ሕቶታት፡ "ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ፧" "ኃውኻ'ኸ ኣበይ ኣሎ፧" ምላሽና ክንህብ፡ ኃው ኣእምሮ ኢያሱ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን፡ ኣነ፡ ኣባ ቪቶርዮ ቦርያ ካብ ሕቡራት መንግሥታትን፡ ንሓረግ (haareg.org) ብምውካል፡ ናይ ጸሎትን ዝኽርን ንግደት ንገብር ኣሎና። ነቲ ቀዳማይ ሕቶ፡ ስለምንታይ ኢና (ከም ኣዳም) ካብ ኣምላኽ ተሓቢእና ቢልና ንርእስና ክንሓትት እሞ ብትብዓት ኅልናና ክንምርምር፡ ነቲ ካልኣይ ሕቶ ከኣ፡ ካብዚ ንግደት'ዚ ኣብ እንምለሰሉ መልሲ ኪህልወና ንትስፎ። ነዚ ብዚምልከት "ንኃወይ ረኺበዮ ኣብ ግራቱ" ኣብ ትሕቲ ዚብል ሓሳብ፡ ምስ ኣኅዋተይ ኣብ ስደት ብኸመይ ከም ዝተራኸብና፡ ሕጽር ዝበለ ምስክርነት ክንህብ ኢና።
ኃወይ ረኺበዮ / ኃብተይ ረኺበያ ኣብ ግሪኽ
ኣቶ ዳኒኤል ተኽለ
ብሪጣንያ
06/15/2024
ግሪኻዊት ሰበይቲ፡ ዝሓመመት ጓላ ኢየሱስ ንኽፍውሰላ ዘርኣየቶ ዓብይ እምነትን ጽንዓትን ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ኃውና ንምርዳእ ክነልዕሎ እንኽእል ኃላፍነትን መገድታትን፡ ከምኡ'ውን ክንገብሮ እንኽእል ተራኽቦን (encounter)።
ሓወይ ረኺበዮ ኣብ ግብሪ ፍትሒ
ኣቶ ጆርጆ ገብረስላሰ
ሕመኣ
06/29/2024
ካብ ስደትን መከራን ኣዕሪፍና ብሰላም ምንባር ንኽንጅምር፣ ንስደተይናታትና ዚግበር ዘሎ ጻዕርታት፡ ንብዓት ናይቶም ዚሳቐዩ ዘለው ኣኅዋትናን ኣኃትናን ምሕባስ፡ ምቕባል ስደተኛታት፡ መሰልን ግቡእን ምፍላጥ፡ ዕድላት ስራሕ፡ ምጽሓፍ ደገፍ ንሓተትቲ ዑቕባ፡ ምብጻሕ እስሪ ቤታት፡ ምጥባቕ፡ መዕቆብን ጥዕናን ምትካል-እግርን ምጥያስን፡ ኲነታቶም ምስናድን።
ሚያዝያ 10 ናብ ቢንቃዚ ተሼጥና መጻእና። ናብቶም ናብ ዋና ከተማ ዚወስዱ
ደላሎ ኣረከቡና።
ግንቦት 1 ወጋሕታ ተንሢአ ሽምዓ ወሊዐ ውዳሰ ማርያም ክደግም እናተቐረብኩ
"ናብ ካልእ ቦታ ክትከዱ ኢኹም!" ተባሂለ ወጻእኩ፡ ምስ ናይ ካልኦት ጉጅለ ከኣ
ተጸንበርኩ።
ግንቦት 17 ናብ ትሪፖሊ ንክኸይድ ስለ ዝተኣዘዝኩ፡ እቶም ፈለማ ምስኦም
ዝነበርኩ ሓምሳ ዚኾኑ ሰባት ሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ገለ
ቊሩብ መዓልታት ኣጽኒሖም ከኣ ፡ ኣብ በረኻ ዶብ ሊብያ እትርከብ፡ ኩፍራ
ናብ ዝተባህለት ከተማ ወሰድዎም።
ግንቦት 29 ከኣ፡ ንሕና ዝነበርናዮ ገዛ ብፖሊስ ተኸብበ። እቲ ብጣዕሚ ዜደንቕ፡
ድንግል ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ካብዚ ኣውጽኡኒ። ወጋሕታ ተንሢአ፡ ሰነ
ጎልጎታ ደጊመ፡ "ኦ' እግዚኣብሔር፡ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናን ኲሉ ስለ
እትፈልጥ፡ ምእንቲ ኣደኻ፡ ምእንቲ ቅዱስ ሚካኤል ቢልካ፡ ካብዚ ዘይፈልጦ
መከራ ኣድሕነኒ፡ ካብ ማእሰርቲ ሰውረኒ!" ቢለ ድሕሪ ምጽላይ፡ ካብ ብራኩስ
ማይ ሰተኹ። ዳንኤል ዝተባህለ ወዲ ጨርቆስ፡ "ጸበል እንተኾይኑ ሀበኒ" በለኒ፡
ሃብክዎ'ሞ ሰተየ፡ ኣብ ጸጒሩ'ውን ኣፍሰሰ። ካልኦት ክልተ'ውን ሰተዩ።
ብድኅር'ዚ ሓንሳእ ኮፍ በልና።
ብኣቆጻጽራ ሊብያ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ናብ ዘሎ ሓወይ
ክድውል ወጻእኩ። ምስ ወጻእኩ ኣብ ውሽጢ ዓሠርተ ደቓይቕ፡ እቲ ገዛ
ተኸብበ። ድኅሪ ፍርቂ ሰዓት እንክምለስ፡ መሳርያኦም ኣቀባቢሎም፡ ናብታ
ዝቖመት ናይ ፖሊስ ናይ ዓፋን መኪና ክጽዕንዎም ጸንሑኒ። ካባይ ሓሙሽተ
ስጒሚ ዘይኣክል ርሕቀት ቆይሞም ነበሩ። ንድኅሪት ገጸይ ብምምላስ ክጎዪይ
ጀመርኩ። መሳርያኦም ዝለጎሙ 4-5 ዝኾኑ ፖሊሳት ተኸተሉኒ።
እናጎየኹን እናላህላህኩን፡ እግዚኣብሔር ኃይሉ ኣንቢሩለይ፡ ድንግል ማርያም
ብቕድመይ እናመርሐት፡ ቅዱስ ሚካኤል ብድኅረይ እናተኸተለኒ
ኣምለጥኩ። ነኣይ እናጓየዩ ከለው ዕግርግር ምስ ተፈጥረ ከኣ፡ ካብቶም ጸበል
ዝሰተዩ ክልተ፡ ካልኦት ከኣ ክልተ ኣምለጡ። ድኅሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ነቶም
ካልኦት፡ ናብ በረኻ ዶብ ሊብያ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኩፍራ ወሰድዎም፡
መሕደሪ ስለዘይነበረኒ፡ ኣብኡ ዝነብር ሱዳናዊ፡ ንሾብዓተ መዓልቲ ምስኡ
የሕድረኒ ነበረ። ብድኅር'ዚ ሓደ ዲናር እናኸፈልካ ኣብ ዝሕደሮ ቦታ ንኽልተ
ለይቲ ጸናሕኩ።
እቲ ቦታ ጨናዊ፡ ፍርናሽ ከኣ ረሳሕ ብምንባሩ ክጽመሞ ኣይከኣልኩን። ናብቲ
ሱዳናዊ ተመሊሰ ኣብቲ ዚውንኖ እንዳ ሻሂ ክሓድር ሓተትክዎ ንሱ ከኣ
ፈቐደለይ። ክልተ ኮይንና፡ ብደገ እናተዓጽወና ወጋሕታ ሰዓት 4 ከኣ
እናተኸፍተልና፡ ኣብኡ ምሕዳር ጀመርና። ጸኒሖም እቶም ምሳይ ዜምለጡ
ኣርባዕተ ሰባት ከኣ ተወሰኹና'ሞ ሽዱሽተ ኮይንና ኣብኡ እናሓደርና ቀነና። ቀትሪ
እንውዕለሉ ወይ እነዕርፈሉ ኣይነበረናን።
ምሸት ምሸት ውዳሰ ማርያም እደግም፡ እቲ ማዕጾ ፍርቂ ለይቲ እዩ ዚዕጾ፡ ወጋሕታ ተንሢአ፡ ሰነ ጎልጎታን ናይ ሕልና ጸሎትን ኣብጺሐ ምስ ተመለስኩ፡ ነቲ ክፍሊ ኮስቲርናን ወልዊልናን ንጸንሕ። እቲ ክፍሊ ሰፊሕ ኣደራሽ እዩ። ኣብኡ ብቐትሪ፡ ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም፡ ምስ መሰየ ከኣ፡ ነቲ ብትምህርቲ ጥራሕ ንፈልጦ ዝነበርና ነቲ ሰፊሕ ባሕሪ መዲተራንያን፡ ኮፍ ኢልና ጸሓይ ክትዓርብ ከላ እናረኣና ነሕልፎ ነበርና። ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ሻሂ ይወሃበና፡ ካብ ጁባና ከኣ፡ ካብ ደገ ብሾብዓተን ሕርካምን ዓሠርተ ባኒ እናገዛእና፡
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብዛ ጫውጫውታን ሸበድበድን ዝመልኣ ሀገር 'ኣይፋል ንመግዛእቲ' ቢልካ ዘልዓልካዮ ፍትሓዊ ሕቶን ዝሰዓበ ገድልን፡ ዝተላዕለ ዕላማን ዝተኣትወ መብጽዓን፡ ዛጊት ዝተረኽበ ውጽኢትን ርግእ ኢልካ ኣስተንትን። ኣብዚ ዚመጽእ ወቕቲ'ውን፡ ከመይ ዝበለ ዝተሠርዐ ወይ ዝተዘርገ፡ ቅሳነት ወይ ህውከት ክትርከብ ከም እትኽእል ኣይትረስዕ። ብዚከኣል መጠን ሕልናኻ ከየዕረብካ ንሓድሕድካ ተላዘብ። ብህድኣትን ብግልጽን ንዂነታትካ ተረዳእ።
ሓው ኣእምሮ ኢያሱ፡ ሓው ተስፋልደት ጎንጨ
ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2013: መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 366 ስደተይናታት: ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱ ኢጣልያ ጥሒሎም ሕይወቶም ኃሊፉ፡ ነዚ ዕለት'ዚ ንምዝካርን ጸሎተ ፍትሓት ንምብጻሕን፡ ብሓምለ 2020 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ቦታ ተጓዒዞም፡ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ንዘሎ ሸለልትነት ከኣ ኮኒኖም። እግዚኣብሔር ፈለማ ንኣዳም፡ ጸኒሑ ከኣ ንወዱ ቃኤል፡ “ኣበይ ኣሎኻ?”፥ “ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ከም ዚሓተቶም፥ ብተመሳሳሊ፥ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኤርትራ፡ ኣብ መበል 23 ዓመት ናጽነት ሃገርና፡ ብግንቦት 2014፡ "ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?" ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ናብ ኩላቶም ኣመንትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ጽሒፎም።
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
(1) ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ? ኃውኻ’ኸ ኣበይ ኣሎ?
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኃላፍነት ጒስነቶም ምስ ተቐበሉ፡ ንፈለማ እዋን ናይ ዝገበርዎ ምብጻሕ 10ይ ዓመት ብምዝካር፡ ንሊቀጳጳስ ኣለሳንድሮ ዳምያኖ በዓል ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ ሰላምታኦም፣ ፍቕሮም፣ ጸሎቶምን ምትብባዖምን ድኅሪ ምግላጽ፡ “ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዚደጋገምን ዘይእወየሉን ሕልቀት እናተዓዘብና ንስንብድን ንጭነቕን። ካብ ውግእን ዓመጽን ርኂቖም ሩፍታ ንኪረኽቡ ኪብሉ ዚሞቱ ዘለው ንጹሓን ብፍላይ ሕጻናት፡ ብሸለልትነት ዘይንኃልፎ፡ ንኅልናና ዜጽምም ኣውያትን ሥቓይን ኮይኑ ኣሎ። ንኻልኦት ብዐይኒ ድንጋጸ ምርኣይን ምሕዛንን ዝተሳእኖ ዜኅፍር ውድቀት ኅብረተሰብ የመልክት” ኪብሉ ጽሒፎም።
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ሓረግ ንኽተስፋሕፍሕ ኣብ ቀዋሚ ድጋፍ ምጥንጣን፡ ንኽትፈሪ እናተደጋገፈት ምትንሣእን የድልያ። ቅድሚ አማኢት ዓመታት፡ ጠቢባን ዝደረስዎም ቅኒታት ሰሚዕና ተሃኒንና፣ ዝወቐርዎም ሓወልትታትን ዝሰኣልዎም ምስልታትን ርኢና ከኣ ብአድናቘት ኣስተንኪርና። እዞም ጠቢባን፡ ምድራዊ ሕይወቶም ፈጺሞም’ውን እንተኾነ፡ ብጽልዋታቶምን፡ ዝኽርታቶምን፡ ከም ምዑዝ ሽታ አብ ሞንጎና ተዘርጊሖም ብሰላም የዕርፉን የዕርፉናን ኣለው።
ከም ሓረግ ንምጥንጣን፣ ይትረፍ’ዶ እቶም ብሕይወት ዘሎና፣ ኣብ ዝኃለፉ ለባማት’ኳ ንድገፍ። ናይ ሓሳባት ሞት የልቦን፡ ብፍላይ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ። እዞም አብ ዚአምኑሉ ሓሳብ ጸኒዖም፡ ንምግባሩ እናተቓለሱ ዚኃለፉ ሰባት ወትሩ ምሳና ኣለው። ሓሳባቶም ከም ብሓድሽ ንኺቃላሕን ፍረ ኪፈርን፡ ሕጂ’ውን የበርክቱ ኣለው። እቶም ብሕይወት ዘሎና ካብዚኣቶም ንመሀር። በዚ ድማ ብዛዕባ ዕድላትና ምንጽርጻር ገዲፍና ነቲ ተስፋ ብምቚራጽ ዚደነነ ሰብአውነትና፡ ብዝተሓደሰ ፍናን፡ ቀኒዑ ከም ዜንቃዕርር ንግበር፡ ንሕይወትና ንጽባሕ ብኸመይ ከም እንነብራ፡ ብጥንቃቐን ብንጹርነትን ንሕሰብ፣ ብልቢ ከኣ ንግበሮ።
ሓደ ካብ ዓበይቲ ግድላት ዘመንና፡ ውልቃውን ኃባራውን ስእነት ሰላም ኢዩ። ምስጢር ስእነት ሰላምና ንምፍላጥ ሃሰው አብ እንብለሉ፡ ነቲ ብዙኅ እንመሀረሉ ጌጋታትና ዘይኮነስ፣ ነቲ ብዘይ ስኽፍታ እነዘውትሮ ሓሶትን ምትላልን ንግደፍ። ነቲ ኪንዮ ጸቢብን ጊዚያውን ነገራት ንኸይርኢ ዚድርተና፡ ከንቱን ስሱዕን ሸውሃትና ካብ ምዕጋብ ተቖጢብና፣ ነቲ አብ ውሽጥና ዜሣቕየና፡ ዚጐደለና ግን ከኣ ብልቢ እንደልዮ ቅዱስን ንጹርን ሰላማውን ባህግታት ብናፍቖት ንሕሰብ። ኣብ ሓሳብ ተወሲንና ከይተረፍና፡ ንህልው ኲነታትና ብምጽዋር፡ ንእንትስፈዎን ብዐይኒ ሕልናና እነማዕድዎን ሰላም ግሁድ ንምግባር፡ ብምሉእ ዐቕምና ንጽዐር። ዕላማና፡ ልዕሊ ዓቕምናን ዘይብጻሕን ኮይኑ ክሳዕ ዚስምዓና ዐብይ እንተመሰለና፡ ፍርሃት ኣይጸዓነና። እቲ እንብህጐ ንምጭባጡ በብስጒሚ ምስ ጸዐርና ብዙኅ ጥቕሚ ክንረኽበሉ ኢና። ፈለማ’ውን ዓለም ዝተዋህበትና፡ ንጹር ሓሳባት ብምስትንታን፡ ጠቓሚ ዕማማት ብምውጣን፡ ብትጉህ ጻዕርና ንኽንልውጣ ኢዩ።
እምበአር፡ ኣብ ስራሕ እናተጋገና፣ ካብ ጌጋና ከኣ እናተኣረምና ጉዕዞና ንቐጽል። በቲ ኣብ መዓሙቕ መንፈስና ዚርከብ ጽኑዕን፡ ናብ ማኅበራዊ ምዕባለ ዜብጽሕን ጎደና፡ ናብ ምሉእ ሰላም ገጽና ንጐዓዝ። በዚ ከኣ፡ ምስቶም ሰብ ጽቡቕ ድላይ መጓዕዝትና፣ ናብ ዝበለጸ ደረጃ ዕብየት ክንበጽሕ ኢና። ኣብ ጉዕዞና ብዜጋጥመና ዕንቅፋታት ተሰኒፍና ኣይንንበርከኽ። አብዚ ሓሳብ’ዚ እንተጸኒዕና፡ ነቲ ብዙኅ ዚተሃላለኸና ሥቓያት ሕይወት ሥዒርና፡ ሠናይን ጽኑዕን ኅብረተሰብ ንምሕናጽ ዓቕሚ ክነማዕብል ኢና። በዚ ኣገባብ’ዚ ከኣ፡ ልዕሊ ግዳማዊ፡ ውሽጣዊ ጸገማትና ብምፍታሕ፡ ውልቃዊ፡ ዝያዳ’ኳ ደኣ ንዋታዊ ድኅንነትና ክነረጋግጽ ኢና።
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
በይንኻ ምዃን ድኽነት ኢዩ። ንሕና ደቂ ሰባት፡ ኪንዮ ውልቃዊ ድልየታትና ዚኸይድ፥ ልዑል ግንዛበ ማኅበረሰብኣዊ ክብሪ አሎና። ኣብ ክብሪ ደቂ ሰባት ዘሎና እምነት ንኽነመስክር፡ ብጽፈት ሠሪዕና ንእነቐምጦም ዕላማታት ኣብ ግብሪ ክነውዕሎም ኣሎና። አብዚ ጒዳይ’ዚ ብዘሎና ባህግታት ጥራሕ እንረኽቦ ፍረ የልቦን። ሰብአዊ ክብሪ እናረገጽና ፍትሒ ክነተግብር አይንኽእልን ኢና። ስለ’ዚ፡ ንግብረ-ሠናይን ርትዓዊ ኣካይዳን፡ አብ ዜዝቕልቀላሉ ቦታን፡ በብዚሕዛኦ ቅርጽን መልክዕን፡ ናብቲ ፈጣሪ ዚሠርዖ ሞራላዊ መኣዝን ክንቅልሰን ይግብኣና። ነዚ ንምግባር፡ አብ ውሽጥና ዘሎ ናጻ ሰብኣዊ ባህርይ ነቕልበሉን ንሕልናና ንጸናጸን። ምኽንያቱ ምልአት ክብረት ማኅበረሰብ ዚረጋገጽ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ምስ ዚከባበሩ ኢዩ።
ንሕና ደቂ ሰባት፡ ከምቲ ብጥሜትን ድኻምን ናብ ሞት እንበጽሕ፡ ከምኡ ኸኣ ብተስፋ ምቚራጽን፡ ብስእነት ሕጉስ ናብራን ተሣቒና ናብ ሞት ክንበጽሕ ንኽእል። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ፡ አብ ዐበይቲ ትካላት ተቖጺርና እንተሰራሕና፡ ቀፎታትና’ውን እንተመላእና፡ ንሃንቀውታና ምሉእ ዕጋበት አይንረኽበሉን። ጉዕዞ ማኅበረሰብኣዊ ቁምነገርና እምበኣር፡ ንሕይወትና ብኽብሪ ምንባር ኢዩ። ንሱ ኸኣ፡ ባዕላትና ብባዕላትና ንሕይወትና ክንመርሕ ክንኀልን ዜኽእለና ዕድላት ምጥጣሕ ኢዩ። ሐቂ ኢዩ፡ ናጻ ኮይንና ኢና ዝተፈጠርና፡ በቲ ናጻ ዝኾነ ፍጥረትና ኣቢልና’ውን ናብ ታሕጓስ ዜብጽሓና ጸጋታት ክንጎናጸፍ ንኽእል። እዚ ክቡር ጸጋ’ዚ፡ ብዝኾነ ይኹን ኪዕገት ኣይግብኦን። አብዚ ኣጸቢቕና ክነስተብህለሉ ዘሎና ሐቂ፡ ንሕና ባዕላትና፡ ጐይቶት ዕድላትና ምዃንና ምፍላጥ ኢዩ። ነዚ ቁምነገር ፈሊጥና፡ በአኡ ምዕያይ ግን ቀሊል ነገር አይኮነን፡ ኣብ ስራሕ ንእንፍጽሞም ጌጋታት ከም ኀላፍነትና ንሰከም፡ ብውልቂ ኾነ ብኀባር ንእንኸፍሎም ዋጋታት ነጒድል።
ብርግጽ፡ ደቂ ሰባት ደረስቲ፣ ተዋሳእትን ፈጸምትን ኲሉ ቁጠባውን ማኅበራውን ሕይወት ኢና። እንተኾነ፡ ቁጠባዊ ዕብየትን፡ ሠናይ ሰብአዊ ባህግታትን ንምጭባጥ፡ ብዙኅ ናይ አተሓሳስባ ምትዕርራያትን ለውጥታትን ክነተኣታቱ የድሊየና። ከምቲ ሓደ ሥርዐተ-ቁጠባ፡ ብዚህቦ ማኅበረሰብአዊ ጥቕምታት ዚምዘን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ጥዕና ማኅበረሰብ፡ ብዜፍርዮ ቁጠባዊ ረብሓ ኪምዘን ይከኣል። ስለዚ ከኣ ኢና ንመነባብሮና ኣብ ውዕለትን ሸቕልን ጥራሕ ከይሓጸርና፡ አብ ሕቑፊ ማኅበረሰብን አብ ሞንጎ ሕዝብታትን ክንዝርግሖ ዘሎና። ከም ሓደ ኅብረተሰብ ምዕቡልን ዝተረጋግአን ናብራ ንኽንመርሕ፡ ናጻ ኅልና ብዚውንኑ፡ ጥበበኛታትን መስተውዓልትን ሰባት ዚእለዩ፡ ሕያው ትካላት ክነቕውም ንግደድ። ነዞም ኀላፍነታውያን ሰባት ንኽንረክብ፡ ነዚ እነልዕሎ ዘሎና ሓሳብ ናጻ ኮይንና፡ ብቕንዕና ኽንቅበሎ ይግብአና። ምስዚ፡ ብቕዐት ዘለዎም ትካላት እንተመሥሪትና፡ ምዕሩግን ብሉጽን ማኅበረሰብ ተኺልና ደልዲልና ክንረግጽ ኀይሊ ክንረክብ ኢና።
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
እንቆጻጸሮ ሓዊ፡ ንሞቐሉን ነብስለሉን። ሰጊሩ እንተተላቢዑ ግና የሕርረና። ካብ ቁጽጽርና ከይወጽአ፡ ብእስትንፋስና "ኡፍ" ንብሎ፡ እንተሰፊሑ፡ ኣየር ንኽነግድፎ ንዓብጦ፡ መመሊሱ ምስ ዚዝርጋሕ ግን፣ ርእስና ንምድኃን ንሃድምን ረድኤት ንምርካብ ነእውይን፡ ሰሚዖም ኪረድኡና ዚጎይዩ፡ ምንጭን ዝርጋሐን ባርዕ ንምግታእ ብዚሕግዙ መሳርሒታት ይቃለሱ። ግዳያት ንኼድኅኑ ኸኣ ኩሉ ዚከኣሎም ይገብሩ። ባርዕ ምስ ጠፍአ'ውን፡ በሰላ ስለዚገድፍ፡ ድኅሪ ሓደጋ ባርዕ ምጥፋእን ግዳያት ምድኃንን ዚሥራዕ፡ ሓደጋ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ፡ ንኸይድገም ዚግበሩ ጥንቃቐታትን መምርሒታትን፡ ግቡእ ኃላፍነት ምልዓልን ኢዩ።
ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ ታሪኽ ሕይወት ሓንቲ ብዓልቲ ጽቡቕ ድላይ፡ ኣብ ዕለት ቀብራ ዝተመስከረ ልግሲ፣ ትብዓትን ለዋህነትን ሰሚዕና። እዛ ኃብትና፡ ብዓቕማ ብዝሓሰበቶ፡ ብእትኽእሎ፡ ለይትን ቀትርን እናሰርሐት፡ ብዜደንቕ ጻዕሪ፡ ንዘይትፈልጦም፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ንዝወደቑ መንገደይናታት እሱራት በጃ እናኸፈለት ሓራ ብምውጻእ፡ ንሕልናኣ ዜቕስን ግብረ-ምሕረት እናዓየየት ጉያኣ ፈጺማ ኃሊፋ።
ንምፍታሑ ግድል ኮይኑና ዘሎ ከቢድ ጾር፡ ኣደራዕ ሕዝብናን ጥፍኣት ኣኅዋትናን፡ ከም ሕዝቢ ኃቢርና እንነብረሉ መሣርዕናን መላግቦታትናን ብቐንዱ ምብትታኹ ኢዩ። ኲላትና በብወገንና ንዂነታትና ናብ ንቡር ንኽንመልስ ካብ ምጽዓር ኣይበኾርናን። ንዝወረደና ኣደራዕ በብውልቃዊ ጻዕርና ክንፈትሖ ህርድግ ንብል። ኣብዚ ምድንጋርን ተስፋ ቑርጸትን ጥሒልና ዘለናሉ እዋን፡ ከምዛ ኃብትና ዝበሉ ውሑዳት ዚወስድዎ ተባዕ፣ ለጋስን ለዋህን ስጉምቲ፡ ኣድማዕነቱን ድኻማቱን ምምዝዛን ይጽንሓልና’ሞ፡ ብህድኣት እንተስተውዒልና፡ ንዂነታትና ብሰብኣውነት ክነቕልበሉ እንተተዓዲልና፡ ትብዓት፣ ልግስን ለውሃትን ንመሃር።
ስድራቤትና ንዝኾኑ ግዳያት ጥራሕ ክነድኅን ምፍታን፡ ኣብ እትቃጸል ዘላ ዓዲ፡ ንሓዊ ቤትካ ፈሊኻ ክተጥፍእ ከም ምፍታን ኢዩ። እዛ ኃብትና ንበይና ሀገራዊ ባርዕ ክተጥፍእ ከም ዘይከእላ ኣጸቢቓ ትፈልጥ'ኳ እንተኾነት፡ ብትብዓት ዚወሰደቶ ስጉምቲ ግን፡ ጸግዕኻ ሒዝካ ካብ ምምራርን ኢድ ምውጥዋጥን፡ ንግዳያት ብምድኃን፡ ዝኃሸ ከም ዝሓረየት ርኢና። ካብ ናታ ዚበልጽ ሓሳብ ወይ ኣማራጺ ተግባራት ይረኣየና ይኸውን፡ ብዘይ ትብዓት፣ ልግስን ለውሃትን፡ ሓሳብና ንበይኑ ከንቱ ኢዩ። መን ይፈልጥ፡ ብትዂረትን ጽሞናን እንተስተብሂልና፡ኣብ ከባቢና፡ ዚኃሸ ብእንብሎ ኣገባብ ዚጽዕሩ ንረክብ ንኸውን፡ እንተዘይረኸብና’ውን፡ ንኻልኦት ክንነቅፍ ካብ እንደክም፡ በቲ ዚመስለና ኣገባብ፡ ጀመርቲ ናይቲ እንምነዮ ለውጢ ኽንከውን ንትባዕ። ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ ከም ዝተባህለ፡ ርሕሩሓት ደንገጽቲ ዘበልና፡ ነቶም ገንዘብ ዝኃዎም ስሱዓትን ተበለጽትን ብምግጣም፡ ናይ ደቂ ብርሃንን ደቂ ጸልማትን ውግእ ተዋጊእና ሃብትና ንዝኾነ ኃውና ንመንዝዕ። ሽዑ ናብቲ እንምነዮ ሰላም እናቐረብና ክንቀርብ ኢና።
ሓደጋታት ነገረ-ትምኒት (ጦብያ)
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ፍጥረት ሰብ፡ ጥበበኛ ወሓለ ምዃኑን፡ ንኸባቢኡ ከምኡ'ውን ብትውልድን ብውርሻን ንዝተቐበሎም ጸጋታት ኬመኃይሽ ካብ ምሕሳብ ኣየዕርፍን። ጥቕሚ ጽቡቕ ሓሳብ ንምግምጋም፡ ምስቲ ዜምጽኦ ወድዓውን ክውንነታውን ውጽኢታት ምንጽጻር የድሊ። ነዚ መስርሕ'ዚ ምኽታል እምበኣር፡ ንዝተመርጸ ሥነ-ሓሳብ ብምጥቃም ዚርከብ ውጽኢት፡ ዘይተደልየ ሓደገኛ ተነጽሎ ከየስዕብ ንምክልኻል ይጠቅም።
ዕጫ ወይ ጽቡቕ ዕድል ዚበሃል፡ ንዂነታት ውልቀ-ሰብ ወይ ውሑዳት ሰባት ኬመኃይሽ ዚኽእል ኣገባብ ኢዩ። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ብሃንደበት ጽዒሩ ካብ ዜምጽኦ ወይ ዜዋህልሎ ንላዕሊ ዚጎንዕ ዕጫ ግን ዚከኣል ኣይኮነን። ብዝቐለለ ኣገባብ ዚርከብ፡ "ንመጻኢ ዕድላት ብቕጽበት ዚቕይር " ብዚብል ዕውር ዝኾነ ተስፋ ዚንገረና ትንቢት ሓሶት ክንሥዕሮ ኣሎና። ብተራ ቃላት ምስ እንሰክር፡ ግዳያት ናይ ዝኸፍአ ሕልሚ ንኸውን፡ ክንሳቐየሉ እንኽእል ሓደጋ ከኣ ይገሃድ። ትምኒታዊ ተስፋታት፡ ንኽትሰምዖም ዜሓጒሱን ዚስሕቡን 'ኳ እንተኾኑ፡ ንህድኣት ብታህዋኽ ስለ ዚትክኡን፡ ዕቱብ መስርሕ ስለ ዘይክተሉን፡ ክንጥንቀቐሎም ይግባእ። ትምኒት፡ ክሳዕ ዝተወሰነ መጠን ጠቓምን ዘይተርፍን ኢዩ፡ ትምኒት ግን ብሓላሚኡ፡ ኣንፃር ድሌት ሕዝቢ ናብ ሰባት ብኣስገዳድ ምስ ዚጸዓን ንድኅረት ኢዩ ዜቃልዕ። ኣብ ትምኒት ምምርኳስ፡ ዘርኢ ከይዘራእካ ምህርቲ ክትሓፍስ ከም ምጽባይ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዚዘርኤ ይዝርኣዮ፡ ንዝፈረየ ምህርቲ ንምብላዕ ጥራሕ ምስ እነድህብ፡ ካብ ጭሩ ገበላ እንፍለየሉ ምልክት ኣይህልወናን። መብዛሕኅትኡ፡ ብዕቱብነትን፡ ኃላፍነት ብዝመልኦ ጻዕርን ኣብ መፈጸምታኡ ዝበጽሐ ዘበለ፡ ብመጀመርታኡ ጽቡቕ ዝነበረ ሓሳባት ጥራሕ ኢዩ። ጽቡቕ ሓሳባት፡ ኣብ ኢድ’ቶም ኪትግብርዎ ዘይክእሉ ሰባት ምስ ዚዓርፍ ግን፡ ሓደገኛ መርዚ ኪኸውን ይኽእል። ሕዝቢ'ውን ብብርቱዕ ስምዒት ተዋሒጡ፡ ብኽቱር ህርፋን ንፍትሒ ምጥሓስ፡ ከምኡ'ውን ብትዕቢት “መን ከማይ” ምባልን ዚኣመሰሉ ዓበይቲ ጌጋታት ኪፍጽም ይኽእል። ውዕውዕ መንፈስ ዘለዎም ወገናት ወይ ውልቀ-ሰባት ከም ዘለው ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዚብልዎ፡ ብፍላይ ንናጽነትን ደሞክራስን ዝኣመሰሉ ክብርታት ዚምልከት ምስ ዚኸውን፡ ፈለማ እቶም በሃልቲ ባዕላቶም ነቲ ዚብልዎ ኬኽብሩ ኣድላዪ ኢዩ።
ምስ ዝተበገሰሉ መሠረታዊ መምርሒታት ብዙኅ ዘይመሳሰልን ዘይተጠርነፈን ሓሳባት ሒዝና "ዕድልና ክንርኢ" ብምባል ኣብ ክንዲ ንህውትት፡ ኣብቲ ሓቀይናን ግብራውን ሓሳብ ኣተኲርና ክንጽዕር ይግብኣና። ሰባት፡ ነቲ ኪበጽሕዎ ዚደልዩ ዕላማን፡ ናብኡ ንምብጻሕ ኬልዕልዎ ዘለዎም ኃላፍነትን ንኸለልዩ ምድፍፋእ ኣድላዪ ኢዩ። ባህግታትና ክውን ንምግባርን ግድላትና ንምፍታሕን፡ ብዘይ ምቊራጽ ክንከታተሎም ዚግብኡና ማኅበራዊ ግሉጽነት ምዝያድ፡ ተሳትፎ ምርግጋጽን፡ ውልቃዊ ኃላፍነት ምልዓልን የድልዩና።
ሕንጸት ግብራዊ ሥርዓት
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ሰብ፡ ተመራሚሩን ኣመዛዚኑን፡ ብርትዕን ኣቓልቦን፡ ንጽቡቕ ሓሳብ ዚትግብር ፍጥረት ኢዩ። ኅብረተሰብ ከኣ፡ ዕላማኡ ከይሰሓተ፡ ንዕማሙ ዜሳልጠሉ ግብራውነት ይውንን። ሰባት ኮኑ ኅብረተሰባት፡ ንኺምዕብሉ፡ ብልዑል ባህጊ፡ ውሕልነት፡ ርትዒ፡ ኣደብን ሽርክነትን ጽዒሮም ስራሖም ይፍጽሙ። ሽርክነት፡ ንኹሉ ከካብ መርገጺኡ ገለ ሕድገታት ንኺገብር ብምሕታት፡ ብዝተመጣጠነ መስርሕ ንርእይቶታት ናብ ራእይ፡ ንሕልምታት ናብ እምነት የሰጋግር። ኣብ ሞንጎ ክልተ ሳንቲምን ምልኣት ማዕከንን፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓሳን ምጽጋብ ኣሽሓትን ንዘሎ ጋግ ከኣ ይዓጹ። ብኣንጻሩ፡ ጽንፋውነት፡ ተጻይ ሰብኣውን ማኅበራውን ክብርታት ኢዩ። ብሃታሃታ፡ ዓመጽ፡ ቀይዲ ምብታኽን ኣስገዳድን ይካየድ። "ንህውኽ ብልዒ ሃብ፡ ኣውዒሉ ዜሕድር፡ ንእዱብ ምኽሪ ሃብ፡ ዘመን ዜሣግር!" ኢዩ’ሞ፡ ካብ ኣመና ቅሳነትን ፋሉል ኣብያን ተፈሊና፡ ብጎደና ርትዕን ኣደብን ሽርክነትን ምስ እንጎዓዝ መሠረት ግብራዊ ሥርዓት ሓኒጽና ማለት ኢዩ።
ትዂረትና ኣብ ውሑድ ዕረፍቲ ብዙኅ ስራሕ፡ ውሑድ ዘረባ ብዙኅ ግብሪ፡ ውሑድ ትምኒት ብዙኅ ምኽባር ቃል፡ ውሑድ ሕልሚ ብዙኅ ክውንነት፡ ውሑድ ምውቃዕ ከበሮ ብዙኅ ምሕፋስ ፍረ ይኹን። ብቐሊሉ ንላዕሊ ምስ እነንሳፍፍ፡ ተወጊኡ ከም ዚነፍስ ፍሕኛ ንወድቕ። ክንገብሮ ዚከኣለናን ዘይከኣለናን ብምግንዛብ፡ ብኽውንነት ንሰጒም። ብርግጽ መብዛኅትኦም ሓሳባትን መምርሒታትን ጠቐምቲ ኢዮም። እንተኾነ ንተሞክሮን ክውንነትን ትሑት ግምት ብምሃብ ኣይንንዓቕ።
ሕልማዊ ሓሳብ የድልየና ኢዩ፡ እቲ ዝበለጸ ነገር ግን፡ ንሓሳብን ግብርን ከም የማናይን ጸጋማይን መሓውርና ብምብርራይ እናተጓዓዝና ሕንጸትና ምስላጥ ኢዩ። ብዘይንቕይሮ ነገር ኣይንተዓነድ፡ ኣብቲ ክንልውጦ እንኽእል ነድህብ። በሪኽ እምባ ኣብ እንድይበሉ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓጺር መሕለፊ ደኣ'ምበር መንገድና ብምሉኡ ኣይረኣየናን ኢዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዓበይቲ ግድላት እንፈትሓሉ ብልሃት፡ ንኹሉ ጸገማትና ብሓንሳእ ዘይኮነ፡ በብሓደ ምዃኑ ንዘክር።
ሕይወትና መርበብ ብዙኅ ጸገማት ስለዝኾነት፡ ህላወ ናይ ሓደ ጸገም ጥራሕ ብምእማን ኣይንጋገ። ህላወ ጸገማትና ምግንዛብ ከኣ ንምፍታሖም እንወስዶ ቀዳማይ ስጒምቲ ኢዩ። ንሃለዋትና ከምዘለዎ ደኣ'ምበር ከምቲ ኪኾኖ ዚግባእ ኣይንቀበል። ኣመት ባህግታትና ብጭቡጥ ኣገባብን ብጽኑዕ ኣደብን ንኽነዕግብ፡ ንጸገማትና ብትብዓት ንግጠሞም።
ግብራውያንን ክውንነታውያንን ሕዝቢ ንምዃን፡ ኣእዳውና ኣብቲ ክንፍጽሞ እንኽእል ዕዮ ነዕርፍ። መነባብሮና ዘይመኃየሽ፡ ፍልጠት ዘይኮነስ ግብሪ ስለ ዚጎድለና ኢዩ። ንኽንምዕብል ዜኽእለና ጸጋታት ተዓዲልና ክነብቅዕ፡ ጊዜና ኣብ ዘይውዳእ ዘረባን፡ ዘይዓርፍ መጎትን፡ ዜደናግር ምምቕቓልን ነጥፍእ። ዓበይቲ ስራሓት፡ ብጽንዓት፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ብምንጻፍ ኢዩ ዚስራሕ፡ ናይ ምሕናጽ ዓቕምታትና ኣማዕቢልና፡ ብዘረባ ዘይኮነስ ብግብሪ ንሕነጽ።
ኣብያ ንምልኪ፡ ምድግጋፍ ንምዕባለ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ንሕና ደቅሰባት ብፍጥረትና ክቡራት'ኳ እንተኾንና፡ ብጻዕርን፡ እምነትን ኢና ንኽብርና ነረጋግጾ። ሞራላዊ ጥዕናና ንምዕቃብ ግቡእናን ኃላፍነትናን ክነልዕል ኣሎና። ታሪኽና ከም ዚምስክሮ፡ ክብርታትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምስ ኣተወ፡ ብምሉኡ ኪምለሰልና ምጽባይ ጌጋ ኢዩ። ሓደ ሰብ ንኻልእ ከም መደያየቢኡ ዚቖጽር ኣተሓሳስባ ሓደገኛ ኢዩ። በዚ ዚዕወቱ፡ ኣስሓኮ ዘይብሎም ዓንደርትን መለኽትን ኢያቶም። ሥርዓተ ምልኪ፡ ኲነተ ኣእምሮኦም፡ ብዘይተሳትፎን ምምዝዛንን፡ መላኺኦም ንምድጋፍ፡ ብዘይግሉጽ መገድታት ብዝተጨውዩ ባሮት ይከናወን። በዚ ጭውያ'ዚ መላእ ኅብረተሰብ ከምዚሳቐ ምምስካር ግቡእ ኢዩ። ዘይጭበጥን፡ ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዝሠፈረን፡ መባእታዊ ውዕል ናጽነት ዚነፍግ ይትረፈና። በብውልቅና፡ ኩሉ'ቲ ሕልናና ዚቕበሎ ክንረክብ ስለዘይንኽእል፡ ብኅብረትን ምድግጋፍን፡ ንቐዳምነትን ልዕልናን ሕልናና ንጽዓር።
ብኹሉ መኣዝን፡ መቓልሕ ጎነጽ ዚመጽእ፡ መስርሕ ለውጥታት ኣዕጋቢ ምዕባለ ብዘይምምጻኦም ኢዩ። ምዕባለ ዜደናጒ ንለውጢ፡ ለውጢ ዜተዓናቕፍ ከኣ ንኣብያ ይዕድም። እንተኾነ፡ ጎነጽ ንፍልልያትን ሃጓፋትን መመሊሱ ኬዕምቚ ደኣ'ምበር ኬጠጥሕ ኣይረኣናን። ድኅንነትና ምስ ናጽነት ብዘየሳኒ ጎነጽ ክነረጋግጽ እንተመሪጽና፡ ኣብ ናጽነት ዚህልወና እምነት የንቆልቊል። ንጎነጽ ኣብ ምንጻግን፡ ተተጎሲስና ኣብ ምስታፍን ተቐርቂርና ናብዝን ናብትን ንብል። ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዚካየድ ኣብያ፡ ኣእዳውና ዚጠምር፡ ናጽነት፡ ክብርን ተሳትፎን ዜወንዝፍ መስርሕ ኣይንእመን። ኣብ ሓቀኛ ስራሕ'ምበር ኣብ ሓሶትን ጽውጽዋይን፡ ኣብ ጌጋን ብድዐን ዝተመሥረተ ኣብያ ኣይንኅበር። ነዚ ሓቅ'ዚ ዘይቅበል ኣብያ፡ ፍረ ናብ ዘይብሉ ፍጻሜ ይበጽሕ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣዘዝቲ ናይቶም ምዕባለና ንምስላጥ ዝተማህዙ መሳርሒታት ዚገብረና ጥበብ ዛጊት ስለዘይጨበጥና ምህዞታትና፡ ንኹሉ ክብርታትና ኣዕኒዮም ገዛእትና ይኾኑ ኣለው። ንምህዞታትና ምስ ኩሉ ጒድልነታቱን ሓለፋታቱን እናኣረምናን ንብልጫታቱ እናመዝመዘናን ብብልሃት ንዕየ'ምበር በኣኡ ኣይንተሃመልን ኣይንገዛእን። ኣብ ሓድሕድና ብምትእምማን ንለኣኽ፡ ብዋጋን ዕዳጋን ጋዕገልጠም ንዚመዝነና ዘመነ-ምሕሻሽ፡ ብተራድኦን ምድግጋፍን ዜሳትፈና ኅብረት ብምፍጣር ንከላኸሎ። ቅኑዕ ተራድኦ፡ ናብ ሓቀኛ ማኅበራዊ ሰላም ዜብጽሕ ጎደናን፡ ምልክት ማኅበራዊ ምዕባለን ኢዩ። ብኃላፍነትን ብመሃዝነትን ነታ ዝነኣሰት ኣሃዱ ስራሕ ዝኾነት ሕያው ዋኒነ-ትካል ብምቛም ንበገስ።
እዚ ሓሳብ'ዚ፡ ንሃለዋት ፈጣሪ ዚኽሕድ፡ "እንተጠመኻ፡ እንተዓረቕካ፡ መጽለሊ እንተዘይብልካ፡ ንጎረቤትካ መንዝዕ" ዚብል፡ ንሕጊ ተፈጥሮ ዚጻረር ውዱቕ ፈተነ ኣይኮነን። "እንጌራኻ ምስ ዝጠመየ ተማቐል፡ ንድኻታት መጽለሊ ሃብ፡ ክልተ ነጸላ እንተሎካ ምስ ዝዓረቐ ተማቐል" ካብ ዚብል፡ ምስ ሕጊ ተፈጥሮ ዜሳኒ ትእዛዝ ኢዩ ዚነቅል። በዚ መገዲ'ዚ ንኽብርታትና ዝለዓለ ዋጋ ብምሃብ፡ ንቚጠባና ዜመኃይሽ፡ ኅብረተሰብኣዊ ክብረትና ዜረጋግጽ፡ ማኅበረ ቊጠባዊ ሥርዓት ክነውሕስ ኢና።
ጉዕዞ ብጎደና ርትዒ ናብ ጭቡጥ ምዕባለ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብዚ ዜንጸላልወና እዋን ምስግጋር፡ ኣብ ሓድሽ ማኅደር ብዝሰፈረ ውዱቕን ግጉይን ኣረጊት ሓሳብ ኣይንታለል። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ምድላው ዘይተገብረሉ ሕልሚ ክነተግብር ኣይንድከም፡ "ኣብ ሕይወትና ሓንቲ ጸገም ጥራሕ ኢያ ዘላትና" ብዚብል መርገጺ ኣይንዕወር። ብሓቀይና ጥበብን ፍልጠትን፡ ዕትብ ቢልና ህላወና ምርግጋጽን ናብራና ምምኅያሽን ብዜኽእል ኣገባብ ንስራሕ። ከምቲ ጽርጊያ እናተጓዓዝና እንሓንጾ፡ ዝተሰማማዕናሉ ጽቡቕ ሓሳብ ከኣ፡ ኣብ ሓቂ ብምምርኳስን ንኽውንነት ብጭቡጥ ስጒምትታት ብምግጣምን፡ ብግብሪ ናብ መፈጸምታኡ ነብጽሓዮ። ምስ ውህሉል ሰብኣዊ ንቕሓትና፡ ጽፍሕታትናን መገድታትናን ዚዛመዱ፡ ንምስፋሕ ናጽነትን ፍትሕን ዜተባብዑ ተሞክሮታት ነኽብር። መሠረታዊ ድልየታትና ብግቡእ ዜማልኡ ምዃኖም እናረጋገጽና፡ ጥቕሚ ሕግታት ቁጠባን ተራድኦን ንቀበል። ኲሉ ብተወፋይነት ዝረኸብናዮ ክቡር ውጽኢት ስራሕ፡ ምርድዳእ ብዝሰፈኖ ኣወዳድባ ነመኃይሾ'ምበር ኣይንደርብዮ።
ረርእይቶና ምሃብ ዚከኣለና'ኳ እንተኾነ፡ ሕንጸት ግን በቶም ንራእይ ናብ ግብሪ ዜውዕሉ ኢዩ ዚፍጸም። በብዝተሓልመ ሓሳባት ዕንክሊል ከይበልና ክንገብሮ ዚከኣለናን ዘይከኣለናን ፈላሊና ብምርዳእ ንሰጒም። ውሑድ ዘረባ ብዙኅ ግብሪ፡ ውሑድ ትንቢት ብዙኅ ምኽባር ቃል፡ ውሑድ ሕልሚ ብዙኅ ክውንነት ነዘውትር። ኣእዳውና ኣብቲ በብዕለቱ ክነምጽኦ እንኽእል ለውጢ ብግብርን ብርትዕን ነዕርፍ። ንዝፈጸምናዮም ጌጋታት ብኣስተንትኖን፡ ብገምጋምን ንረዳኣዮም። ንዘመዝገብናዮም ዓወታት ከኣ፡ ብሓቀይና መጠንን ብዘይ ጃህራን ንጸንብሎም።
ሕይወት መርበብ ናይ ብዙኅ ጸገማት ስለዝኾነት፡ ኣብ ሕይወትና ሓንቲ ጸገም ጥራሕ ኣላትና ቢልና ብምእማን ኣይንጋገ። ንዝተሓላለኸ ሕይወትና፡ ከም እንደልዮ ዘይኮነስ ከም ዘለዎ ብምቕባል፡ ኩሉ ዓቕምናን ሃብትናን ብውሕልነት እናተጠቐምና፡ ክነመዓራርዮን ክነመኃይሾን ንጽዓር። "እንታይ ኣእተወኒ" ካብ ዚብል ሸለልትነትን፡ "ነኣይ ጥራሕ ስምዑ" ካብ ዚብል ጎነጻውን ዓብላልን ኣሰራርሓ ጽንፋውነት ንፈለ። ካብ ዕላማታትና ከይረሓቕና፡ ኣብ ትሕቲ ቅቡል ናይ ኣደብ መጽለሊ፡ ንኹሎም ተኽእሎታት ብጽቡቕ ስምዒት፡ ኃባራዊ ኣገዳስነት ንዘለዎም ጒዳያት ከኣ፡ ብኃባራዊ መስርሕ ብዘይ ሕሉፍ ኣረኣእያን ስምዒትን፡ ከካብ መርገጺታትና ሕድገታት ብምግባር፡ ብስምምዕ ንዕድላትና ንጠቐመሎም።
ዓበይቲ ሕንጸታት ዝተኻየዱ፡ ብጽኑዕ ትግሃትን ጻዕርን፡ እምኒ ኣብ ርእሲ እምኒ ብምንባር ኢዩ። ቀቀሊሉ ጥራሕ ምስራሕ፡ ከምቲ ኣየር ዝመልአ ፍሕኛ፡ ድኅሪ ዝተወሰነ ርሕቀት፡ እንተተንከፈ ነፊሱ ይወድቕ። ዓበይቲ ነገራት ንምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምግባር ዜኽእሉ ጸጋታት ስለዝተዓደልና፡ ብዛዕባ ዘይሕግዙና ነገራት ክንካታዕ፡ ቀንዲ ጒዳይና ካብ ምግባር ኣይነስግልን ኣይንመቓቐልን። ምዕባለና ንምርግጋጽ፡ ትዂረትና ኣብ ክንልውጦ ዘይንኽእል ጸገም ካልኦት ዘይኮነስ፡ ንጸገማትና ፊት ንፊት እናገጠምና፡ ኣመት ምዕጋብ ባህግታትና ንግበር።
ዘርኢ ሎሚ ፍረ ጽባሕ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ሓቅን ርትዕን ኣብ ጊዜአን እንተዘይጽዒርናለን ባዕላተን ስለዘይህልዋ፡ ጊዜ እናሃብና፡ ብልቦናን ኣእምሮን፡ ብኣደብን ብቕንዕናን ንትጋሃለን። ህሉው ጊዜና፡ ምስ መጻኢ ዜራኽቦ ሰንሰለት ዚበትኽ፡ ዚወድቀሉ ዕለት ዜረጋግጽ ማኅተም ኣለዎ። እንተኾነ፡ መጻኢና በቲ ብዚርድኣና እንመሳሰሎን ንምምኅያሹ እንጽዕሮን ዚውሰን ደኣምበር፡ ክንድ'ቲ ዘይቅየርን ዘይርጉጽን ዝመስለና ኣይኮነን። እቶም ምዕባለናን ጽቡቕናን ብምብሃግ ብዕቱብ እንጽዕር፡ ህሉው ጊዜና ከይከብድ፡ መጻኢና ከኣ ዘየጨንቕ ምእንቲ ኪኾነልና፡ ስሉጣትን ግብራውያንን ንዂን። ብዕድልና ዝተጸዓነና ዕማም ከቢድን ኣድካምን እንተኾነ፡ እዚ ንባዕሉ ጥራሕ፡ ኩሉ ኃይልና ጸንቂቕና ብተወፋይነት ንኽንቅረብ፡ እዂል ምኽንያት ኢዩ። ፍርድና ንጊዜ፡ ከምኡ'ውን ነቶም ብድኅሪት ኮይኖም ዘይረኣይን ብዙኅ ምሕሳብ ዘየድልዮን፡ ንናጽነትናን ምዕባለናን ግና፡ መተካእታ ዘይብሉ ኣበርክቶ ዘለዎ ስራሕ ዚሰርሑ ብዙኃት ንግደፎ።
ጽቡቕ ምህርቲ ንምሕፋስ፡ ኣቐዲምና ንመሬትና ብምልስላስ ዘርኢ ከም እንዘርእ፡ ከምኡ'ውን ረብሓታትና ንምርግጋጽ፡ ኪግበረልና ጥራሕ ከይተጸበና፡ ኣቐዲምና ብዚከኣለና ንኻልኦት ክንሕግዝን ካብ ዘሎና ክንህብን፡ ኣብ ምድግጋፍ ክንምርኮስን ይግብኣና። ሳዕቤን ደኣምበር ኣጋጣሚ ዚበሃል ከም ዘየልቦ ንዘክር። ጊዜን ምድግጋፍን ከኣ፡ ናይ ሰብኣዊ ምዕባለናን ማኅበራዊ ለውጥናን መሠረታውያን ረቛሕቲ ደኣ'ምበር ብወዝቢ ዜጋጥሙ ኣይኮኑን። "ዓሣ እንተሃብካ ይኣክል ንመኣዲ፡ ምግፋፍ ዓሣ እንተመሃርካ ግን ይሳገር ንትውልዲ" ኢዩ'ሞ፡ ነኣናን ንመጻኢ ወለዶናን ዜቕስን፡ ንመተግበሪ ብሉጻት ውጥናትና ዜድሊ ጸጋታት እናመደብና፡ ከካብ ምንጮም እናኣከብና ንፈጽሞም። ብህድኣትን ብምድግጋፍን ባህግታትና ክንጭብጥ ኮነ ንርእስና ክንቅይር ከም እንኽእል፡ እዚ ዘይቅየር ታሪኽና ኢዩ።
ክውንነት፡ ከም ዘለዎ ተቐቢልና ግብራዊ ስጒምቲ ክንወስደሉ ዚግብኣና ደኣምበር፡ ብባዕሉ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ነገር ኣይኮነን። ነቶም ብዂነታት ተሣዒሮም ኢዶም ዝሃቡ ዘበሉ፡ ኲሉ ጊዜ ነኣኦም ሕማቕ ጊዜ ኢዩ። ብወገንና ሰሎሎ ሕማቕ ጊዜ ከየእቶና፡ ስጒምቲ እንወስደሉ ብልሃትን እዋንን ምፍላጥ የድልየና። ከም ኣእዋም፡ ሱርና ኣዕሚቚና ምስ እንተክል፡ ጽቡቕ ዕብየት ነርኢ። እቲ ብዙኅ መኽሰብ ዜውሕስ ሓቀይና ወፍሪ፡ እቲ ዘይርአ ሱር ኣብ ሽርክነት ዝተመርኮሰ ናይ ስራሕ ማኅበረሰብ ኢዩ። ኩሉ ጊዜን ኣብ ኲሉ ቦታን፡ ኣብ ስራሕ እነሕልፎ ጊዜን ውጽኢቱን፡ ናይ ተራዳእቲ ዝኸበረ እሴታት ሽርክነትና ኢያቶም። እዚ ሓቅ'ዚ፡ ንመምርሒታት ማኅበራት ስራሕና እሙናት ክሳዕ ዝኾንና፡ ዘይቅየር ኢዩ። ንጡፋትን ኃያላትን ኮይንና፡ ብሕያው ምዕባለ ክሳዕ ዝተጎዓዝና፡ ከም ፍጥረትና፡ ምውላድና ዘገምታዊ'ውን እንተኾነ ዘይተርፍ ኢዩ። ምስ ከባቢና ዚመጣጠን ብቚዕ ደረጃ ምዕባለን፡ ኣብ እዋኑ ዜድልየና ዘበለ ኣቕርቦትን ኣጣሚርና እንተርኢና፡ ብዘይ ፍረ ኣይክንተርፍን ኢና።
ሓድሽ ሥርዓተ ተራድኦ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብ እምንቶናን ዕድሎትናን ብምምርኳስ፡ ብሓሳብና፡ ብኃይልናን ጸጋታትናን ንተፈጥሮ ክንመልኽን ክንልውጥን እንተደሊና፡ ንሰብኣውነት ዜቐድም ሥርዓት ንፍጠር። ብዓቐንና ተመጢኑ ዝተሓንጸ ሥርዓት፡ ምስ መደብ ናይቲ ደቅሰባት ንተፈጥሮ ኪመልኩ ዚደኰኖም ፈጣሪ'ውን ኬሳኒ ኢዩ። ኲላትና ንኽንመኃየሽ ዕድል ዘይህብ፡ ሰላምን ርግኣትን ዘይብሉ ሥርዓት፡ ዘይግብራውን ዘይጠቕመናን ሕልሚ ኢዩ። ብዕላማ ንኽንትግብሮም ዝተሰማማዕናሎም ሓሳባት ምስ ዜሕወዝውዙ ሕልምታት ኣይንሓዋውሶም። ሰላምን ምዕባለን ተጻሚዶም ስለ ዚረጋገጹ፡ ሰላም ክነምጽእ ክንብል ኣብ ንሓድሕድና ብድብያን መጥቃዕትን ንዝገደደ ድኅረት ኣይንቃላዕ።
ዓሚቚ ናይ ቅርጺ ለውጢ ብምክያድ፡ ሓድሽን፡ ኣብ ሰብኣውነትን ማዕርነትን ዚተመርኮሰ ሥርዓት ንሕነጽ። ዝማዕበለ ወገንና፡ ምስ ምሕደራኡን ነበርቱን፡ "ነኣይ ጥራሕ ይጥዓመኒ" ካብ ዚብል ኣረኣእያ ናጻ ዝኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ወገናትና፡ ዓብይን ክፉትን ምድግጋፍ ንኺህሉ ነተባብዕ። እቲ እንደልዮ ሓድሽ ሥርዓት፡ ንሓድሕድና ብምድግጋፍ ደኣምበር ብምትዕንናው ኣይንሓንጾን ኢና። ነዚ ዕላማ'ዚ ብጭቡጥ ናብ ፍጻሜ ንምብጻሕ፡ ዘይዕጸፍ ቃልን ዘይስልኪ ተወፋይነትን እንተተቐኒትና፡ ሕጂ'ውን ፀሓይ ኣይዓረበትናን።
ዓመጽን ምልክን ንምክልኻል ናብ ዜኽእል ሓድሽ ናይ ምቅርራብ ምዕራፍ ክሳዕ እንበጽሕ፡ ብዝተኸወለ ኣገባብ ኪዕምጽን ኪመልኽን ዚኽእል ሥርዓትን ትካላዊ ቅርጽን ካብ ምእንጋድ ንቆጠብ። መጻኢ ዕድልን ትምህርትን ደቅና ከም ዋኒን ኲላትና ጌርና ምስ ኣድሃብናሉ፡ ካብ ብዙኅ ወጻኢታት ዜናግፍ፡ ናብ መብዛኅትኡ ክፋል ኅብረተሰብና ዚባጻሕ ፍርያት ናይ ምቕራብ ምርጫ ምስ ኣረጋገጽና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ካብ ጊልያነት ወፂኡ፡ ከከም ዓቕሙ ዚነብረሉን፡ ኣብ ዝባን ካልኦት ተሓዚልካ ምንባር ከቢድ ዚኾነሉን ደረጃ ምስ በጻሕና፡ ጥዑይ ኅብረተሰብኣዊ ሥርዓት ንኺትከል ዘስማዕናዮ እህህታ ሰማዒ ረኺቡ ክንብል ኢና።
ማኅበራዊ ጸገማትና ንምፍታሕ፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ንምውሓስን፡ ቊጠባዊ ተሳትፎ ብኣድማዕነት ንምብርካትን ምሹእ ዝኾነ ኣሰራርሓ ተራድኦ ንቀበል። ተራድኦ፡ ብቚጠባውን ማኅበራውን መስርሕ ኣቢሉ፡ ሓድሽ ኅብረተሰብኣዊ ሥርዓት ናብ ምቕራጽ ዜብጽሕ ቅኑዕ ውህደት ኢዩ። ምንቅስቓስ ተራድኦ ከኣ፡ ብቕሉዕ መስርሕ እናተመገበ፡ ናብቲ ዝለዓለ ዕላማኡ፡ ዚደጋገፍ ሓድሽ ኅብረተሰብኣዊ ሥርዓት ምሕናጽ ኢዩ። ተራድኦ፡ ውልቃዊ ደረጃታት ንኽንድይበሉ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብሸለልትነት ካብ ማኅበረሰብ ዜርሓቐና ሕማም ንኽንድኅነሉ ኪጠቕመና ኢዩ። ምስቶም ንፍትሒ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ኃቢርና፡ ኣብዚ ናይ ዕላማ መደምደምታ ዝኾነ ጉዕዞ ንሰጒም። ማኅበራዊ ፍትሕን ቅኑዕ ሥርዓትን ንኽነውሕስ፡ ገና ኣብ ዓውደ-ውግእ ደኣምበር ኣብ እንቆጻጸሮ እዋን ስለዘየሎና፡ ትካላት ተራድኦና ብወገነን፡ ጩራአን ናብ መላእ ኅብረተሰብ ዚሰዳ ናይ ግስጋሰን ምዕባለን መባእታን ማእከላትን ደኣምበር ኣብ ቀጽርታተን ዚተዓጽዋ ኪኾና ኣይግባእን።
መንፈስ ተራድኦ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ከምቲ ርእሰ-ማላውያን ብዘይ ርእሰ-ማል ነቒሎም ኪስጒሙ ዘይኽእሉ፡ ብተመሳሳሊ፡ ሥነ-ተራድኦ፡ ናይ ምድግጋፍ ድላይ ኮነ ናይ ኅብረት ዕላማ ዘይብሎም ሰባት ኪጸውር ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ካልኦት ኃልዮት ብዘይብሉ ኣገባብ ውልቃዊ ዕብየትና ክነረጋግጽ ደሊና ናብ ተራድኦ ንምጽንባር ክንሓስብ የብልናን። ተራድኦ፡ ዝተነጸሉ ሰባት ከም በራሪት ዑፍ ዚዕቆቡሉ ሰፈር ኣይኮነን። ተራድኦታት መዕቆቢ ዓቃባዊ መንፈስ'ውን ኣይኮናን። ናይቶም ብቐጻሊ እናተመኃየሹን እናማዕበሉን ዚመጹ ዘለው፡ ኣብ ደቂሰባት ምትእምማን፡ ስራሕ፡ ቅንዕናን ተደጋጊፍካ ምንባርን ዜረጋግጻ ኣገልገልቲ ማኅበራዊ ፍትሒ ኢያተን። ቅንዕናና፡ ሥምረትናን ናይ ምምኅያሽ ድልየትናን፡ ንገሊኦም ሕልሚ መሲሉ ዚርኣዮም'ኳ እንተኾነ፡ ነኣና ነቶም ህሉው ማኅበረ-ቊጠባዊ ሓቅታት እነናዲ ግን፡ ሓድሽ ኣረኣእያታት ይኸፍተልና ኣሎ።
ከም ተራዳእቲ ዝለዓለ ዕላማና፡ ፈጣሪ ዚደልዮን፡ ንሕና ከኣ ከም ሰባት ብዂሉ መዳይ እንምዕብለሉን ሓቀኛ ሰብኣዊ ምድግጋፍ ኢዩ። ሰብኣዊ ሥምረት፡ ከም ንጡፍን ኃያልን መባዂዕቲ፡ መዓልቦኡ እናሰፍሐ ብዝኸደ መጠን፡ ኃይሉ እናተራብሐ ይኸይድ። ንሥነ-ተራድኦ ምቕባል እምበኣር ኣብ ሥምረት ምእማን ኢዩ። ኣብዚ ሥምረት'ዚ እንኣምን ከኣ፡ ንዓውድታት ኣጠቓቕማኡ ክንድርቶ ኣይንኽእልን ኢና።
ምእንቲ ኃባራዊ ረብሓ ክንብል፡ ንድልየታትና ብዘይ ተረፍ ካብ ምምላእ፡ ብፍቓድና ንርእስና ደሪትና ብእንፈጥሮ ኅብረት ንደጋገፍ። በዚ ኃባራዊ ምድግጋፍ ኣቢልና፡ ብሓደ ማእሰር ንዚጠምሩናን፡ ውልቃውነት ጥራሕ ንዜቐድሙን ኣተሓሳስባታት ብምንጻግ፡ ነፍሲ ወከፍና ንዘለዎ ፍሉይ ክብሪ ንቀበል። ኣብ ሓድሕድና ብቕርበት ብምትኳር ከኣ ነቲ ብሉጽን ክቡርን ህያባትና ነማዕብል። ደረት ካብ ዘይብሉን፡ ብቐጻሊ ኪሕምሽሸናን ኣብ ሓደጋ ኬእትወናን ካብ ዚኽእል ውልቃዊ ዕብየት ነዕቊብ። ምስታ ክፋላ ዝኾንና ዓለም፡ ብኣካልን ብመንፈስን ናይ ኣፍራይነትን መሃዝነትን ርክብ ንግበር፡ በዚ ኣቢልና ከኣ ናብ ምልኣት መንነትና ንብጻሕ።
ኣብ ጒዕዞ ኃባራዊ ምድግጋፍና፡ ብዝተፈላለየ ድርኺትን ኣጠማምታን ንዚምዕብሉ ሓሳባት'ውን ክንምእዘዝ ይግባእ። ኣብ መንጎ ሕዝብታት ዚግበር ምትሕግጋዝን ምትኅብባርን፡ ንሕግታት ተራድኦ ዜኽብር መግለጽን፡ ናይቲ እናነሃረ ኪኸይድ ዚግብኦ ምዕባለ መዓቀንን ኢዩ። መጻኢ ኅብረተሰብ፡ ንቚጠባ ሓዊስካ ኣብ ኲሉ መዳይ ብዙኅነታዊ ኪኸውን፡ ንሱ ከኣ፡ ሕዝባውን ብሕታውን ቊጠባ፡ ዕዳጋታት፡ ውጥናት፡ ከምኡ'ውን ርእሰ-ማላውን ኅብረተሰብኣውን ዋኒነ-ትካላት ከይተገዳድዑ ኪሥርዑ ዚብል ሓሳብ ኣሎና። ብሓቂ ኣብ ናይ ሕዝብታት መሰል፡ ፍትሕን ደሞክራስን እምነትን ፍቕርን እንተሎና፡ ኲሉ ዕድላትና፡ ባሕርያት ንጥፈታትና፡ ደረጃ ለውጥን ምዕባለን ነፍሲ ወከፍ ማኅበረሰባትና፡ ተመራጺ፡ ግን ከኣ ንኻልኦት፡ ብሰንኪ ዘለዎም ውልቃዊ ጸገማት መነባብሮ ዘየወግድ፡ ብኅብረትን ሥምረትን ደው ንምባል ዜኽእል ኣተኃኅዛ የድልየና።
ምሕደራ ተራድኦ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ናይ ተራድኦ ዋኒነ-ትካላትና፡ ሰብኣዊ ክብሪ ቅድሚ ቁጠባውን ንዋታውን ሃብቲ ስለዝሠርዓ ካብ ምሕደራዊ ስሉጥነትን ጽፈትን ዚርከብ ድማዕ ኪስእና የብለንን። ብኣንጻሩ'ኳ ደኣ፡ ኣብዚኣቶም ብምትኳር ኢና ሰብኣዊ ክብርና ክነረጋግጽ እንኽእል። ኣብ ሓደ ሰንሰለት ካብ ዚተኣስራ ቀለቤታት፡ መሥርዐን ብዘየገድስ፡ ጥቕሚ ናይታ ሓንቲ ካብተን ካልኦት ኣይበልጽን ኢዩ። ብዕምቈት ዚተሓስበሉ ምዕቡል ናይ ሥነ-ተራድኦ ማኅበር ከኣ ከምኡ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣመሓደርቲ ዋኒነ-ትካላት ምስ ሓድሽ ቅርጽን ዕላማን ተለማሚዶም ንኺሰርሑ ክንሕግዞም ከም ዘሎና ብምርዳእ ንጀምር።
ምእንቲ'ቶም እንውፈየሎም ናይ ስራሕን ማኅበረሰብን መባእታውያን ኣሃዱታት ክንብል፡ ምንቅስቓስ ተራድኦታትና ዓሚቚ ናይ ሥምረት፡ ፍትሕን ናጽነትን ሱር ከም ኪህልወን ገቢርና ክንተኽለን ይግባእ። ሠናይ ጉዕዞ ባሕሪ ንምክያድ፡ ልዑል ፍልጠት፡ ንጹር ውጥንን፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ዜድሊ ድፍረትን፡ ዚውንን፡ ብህድኣት ዚመርሕ ኣዛዚ ይሓትት። ብተመሳሳሊ ከኣ፡ ሓደ ዋኒነ-ትካል ተራድኦ፡ ብሕያውን ሓቀይናን ደሞክራስን፡ ሰብኣዊ መምርሒታትን ዝሰረቱ ኅብረተሰብኣውን ቊጠባውን ሥርዓት ዜረጋግጽ ብኅብረተሰብኣዊ ድርኺት ብዚመሓደር ሕዝባዊ መንነቱ ኪልለ ኣለዎ። እንተኾነ፡ ካብዚ መሰረታዊ ድርኺት ቦታና ከይለቐቕና፡ ምስቲ ኣብ ቊጠባዊ፡ ፊናንስያዊ፡ ማኅበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ዚካየድ ለውጥታት ክንጎዓዝ ኣድላዪ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ከምዚ ዓይነት ዋኒነ-ትካል፡ ኣድላዪ ዘበለ ቴክኖሎጂ ኬተኣታቱን ኬወሃህድን፡ ኣብ ሰብ ሞያ ሥነ-ፍልጠትን ካልእ ሞያታትን ዚተኣማመንን ዜካተተን፡ ተዓጻጻፊ ቅርጺ ኪህልዎ ይግባእ።
ብዕሙት ምእማን ዝተመረዘ ህያብ ከም ምቕባል ኢዩ። ሥነ-ተራድኦን ምድግጋፍን፡ ምስ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ሰብኣዊ ጊላነት ስለዘየሣኒ፡ ሰብኣዊ ክብርታትና ካብ ዜጒድሉ ኅልቅነታት ናይ ምቚራን ሓደጋ ክንእለ ኣሎና። ጽቡቕ ኣመራርሓ ዚበሃል፡ ንኣባላቱ በብጸጋታቶም ምልላይን ኣኣብቲ ዝያዳ ዜድምዑሉ ጽፍሒ ምምዳብን የጠቓልል። ኣብ ትሕቲኦም ንዝተኃቘፉ ኣባላት ንምምዕባል ዚውፈዩ መራሕትን፡ ኣብ መራሕቶም እኹል እምነት ዜሕድሩ ኣባላትን ማኅበራትን፡ ኣብ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሽርክነት ኪጻመዱ ይኽእሉ። ከም ኅብረተሰብ፡ ሰብኣዊ ክብርታትና ናብቲ ዚግብኦ ቦታ ንምብራኽ ብዕቱብ ክንጽዕር ኣብ እንውጥነሉ፡ ነዚ ልዑል ኃላፍነት'ዚ ዚበቅዕ ዓቕምን ድልየትን ኣብ ዘለዎም ሰራሕተኛታት እምንቶና ክነንብር ግቡእ ኢዩ። እዚ ንምግባር ዚከኣለሉ እንኮ መገዲ፡ እዞም ሰብ ልዑል ዓቕሚ፡ ደረጃኦም ከም ውልቀሰባት ወይ ስድራቤት፡ ልዕሊ ሰቦም ንምዃን እንተዘይጠለቡ ጥራሕ ኢዩ። ኣብ ዝተሓላለኸ ኢንዱስትርያዊ ፍርያምነት፡ ጸገማትና ንምሥዓር ዚጽዕራ ተራድኦታት፡ ብትኽክል ዓሚቚ ኣገልግሎትን ልግሥን ዝሕላገቶም፡ ኣብ መገዶም ንዜጋጥሞም ዘየቋርጽ ዕንቅፋት ንምሥዓር ዚኽእሉ ንቚሓትን መስለጥትን ሰብ ሞያን መራሕቲ የድልዩና።
ኣማስያኡ፡ ዓቕሚ ዘለዎም ተኣዘዝቲ ዓቕሚ ንዘይብሎም መራሕቲ ንኽእለዩ ኬገድዱ ይኽእሉ ኢዮም። ኃባራዊ ረብሓና፡ ክንሸሞም ወይ ክነውርዶም እንኽእል መራሕቲ ካብ ዚፍጽምዎ ዕዉት ወይ ግጉይ ስራሕ ንላዕሊ፡ ከም ተራዳእቲ ኣብ መንጎና ኣብ ዚፍጠር ሓድሕድ ምትእምማንን ደረጃ ኣደብን ኢዩ ዚምርኰስ። ንትካላት ተራድኦታትና ዚመርሑ ሰብ ሞያን ኣመሓደርትን፡ ምስ ኩላቶም ተራዳእቲ ብኃባር ንዝወጠንዎ ዕላማ፡ ብሥሙር ኣገባብ ኣብ ሓደ ድርኺት ከም ዚዓስል ናይ ምግባር ዝለዓለ ኃላፍነት ኣለዎም። እዚ ከኣ ብጸቕጢ ዘይኮነ፡ እዋናዊ ናይ ስራሕ ዓለም ብዚጠልቦ፡ ብዕላማታት ሥምረትን ብቕቡል ሓሳብ ፍትሓውነትን ኪኸውን ይግባእ።
ብደረጃ ኢንዱስትርያዊ ፍርያምነት ዚዳረግ ርእሰ-ማል ምስሓብን ምውህሃድን ዚኽእል ቅርጽን ዓቕምን ዘይብሉ ሥነ-ተራድኦ ተፈቲኑ ዕምሩ ዜብቅዐ ኣገባብ ኢዩ። ንርእሰ-ማል ከም ናይ መፈጸምታ ዕላማ ዘይገብር ግን ከኣ እናሰሰነ ዚኸይድ ርእሰ-ማል የድልየና። ተራድኦታትና፡ ሚዛኑ ብዝሓለወ ጥበብ፡ ብመዓቀኒታት ፍርያምነትን ጽፈትን፡ ምስተን ብዝተፈልየ ቊጠባዊ ቅርጺ ዚመሓደራ ትካላት ዚወዳደራ፡ ሓቀይናታትን ቅኑዓትን ዋኒነ-ትካላት ኪኾናልና ንጽዓር። ሽዑ ከም ተራዳእቲ፡ ብተወፋይነትና፡ ኣብ እነተግብሮ ደረጃ ራእይን ውጥናትን፡ ሥርዓትን ዕብየትን ጸብለል ክንብል ኢና። ጋሕመጥመጥ ዝበለ ኣወዳድባ፡ ንናጽነት ምስ ዚወሃብ ክብሪ ክነደናግሮን ክንሓዋውሶን የብልናን። ዕዳጋታትና፡ ፍርያትና እንሸጠሉ፡ ዜድልየና ከኣ እንገዝኣሉ ሕያው ዓንዲ ምድግጋፍ ሓድሕድና ስለዝኾነ፡ ስራሕና ብጽፈት ዕዳጋና ከኣ ብውሕልነት ክነካይድ ትሑዛት ኢና። ብሉጽ ፍርያት ብምቕራብን፡ ካልእ ረቛሒታት ዕዳጋ ብምምላእን፡ ምስ መዛኑናን መሓዙትናን ብዝበለጸ ምስ እንደጋገፍ፡ ኃቢርና ደኣ ንትንሥእን ንዓብይን እምበር ተተኃኂዝና ኣይክንወድቕን ኢና።
ንነፍሲ ወከፍ ዋኒነ-ትካል ተራድኦ፡ ዕጽው ብዝበለ ኣገባብ ምኃዝ ሓደገይና ኢዩ። ትካላት ተራድኦና፡ መምስ ኲነታትና ዚኸይድ ግቡእ ቦታ ብምጥጣሕ፡ ንዜጋጥሙና ዝተፈላለዩ ናይ ዕብየትን ብስለትን ጸገማት ንምብዳህ፡ ንሓድሕደን እናተደጋገፋ ዚዓብያ ንግበረን።
ኣብ ሓጽቢ ዝተዋህለለ ማይ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኡ ዝኾነ ባሕሪ ኣይክሕዶን ኢዩ። ካብ ዝተዓቚሮ ሓጽቢ፡ ብዓብይ ድፍኢቱ ጸዓት እናፍረየ፡ ብዘገምታዊ ጉዕዞኡ ሓድሽ ቦታ እናልመዐን እናለስለሰን ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኡ ከይተጎድአን ንመጠን ፈለጋቱ ከየጒደለን ይበጽሕ። ንሕና'ውን፡ ነቲ ካብ ገንዘባዊ ምንጭታትና እንረኽቦ እትዋት ሓንት'ኳ ከይጎደለና እናኣከብና፡ ብተደራቢ፡ ብውህሉል ኣጠቓቕማን ምሕደራን ናይዚ እቶት'ዚ፡ ናብ ዝሰፍሐ ሓድሽ ልምዓት ክንበጽሕ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝበለ ማዕከን ምሕደራን ትምህርታዊ ሥርዓትን፡ ውሒዱ ብምባል ከየስተናዓቕናን፡ ብልዑል ዕዳ ናይ ምኽፋል ኣደብን፡ ኲሎም ዓቕምታትና ነዋህልሎም ንጠቀመሎም ንዕበየሎም።
ነብያት መጻኢ ደኣ'ምበር ኣይናይጊዜናን
ዶር. ናጽነት ተወልደ
ኣባ ኡንተነር፡ ብምኽንያት ንፍትሓት ካህናት፡ ብዕለት 10/25/1979 ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ ንካርዲናል ዲርደን ዝጸሓፍዎ ስብከት ዝተዋጽአ።
ጸጸኒሕካ ንድኅሪት ምልስ ብምባልን ኣርኂቕካ ምጥማትን ኣድላዪ ኢዩ። ከመይ መንግሥተ ሰማይ፡ ኪንዮ ጻዕርና ጥራሕ ዘይኮነትስ ኪንዮ ራእይና' ውን ኢያ። ኣብ ዘመን ሕይወትና እነከናውኖ ስራሕ፡ ኣዝዩ ዝነኣሰ ክፍሊ ናይቲ ዕጹብን ድንቅን ዝኾነ ስራሕ ኣምላኽ ኢዩ። ካብ እንሰርሖ ዘበለ፡ ሓንት'ኳ ብዓቕምና ናብ ፍጻሜ እነብጽሖ የብልናን፡ እዚ ከኣ፡ እታ መንግሥተ ሰማይ ካብ ርድኢትና ንላዕሊ ምዃና የመልክተና።
ብምልኣት፣ ንሓሳብና ዚገልጹ ቃላት፡ ንእምነትና ዚመዓራረ ጸሎት፡ ናብ ፍጽምና ዜብጽሓና ንስሓ፡ ናብ ምልኣት ዜቕርበና ጒስነት፡ ንተልእኾ ቤተክርስትያንና ዜዓውት ኣገልግሎት፡ ኮታ፡ ንዂሉ ዜጠቓልል ራእይን ዕላማን የብልናን።
ሓደ ነገር ግን ኣሎ፡ ሎሚ ዝዘራእናዮ ጽባሕ ከም ዚዓቢ፡ ንናይ ጽባሕ መብጽዓኦም ርኢና ፈልስታትና ከም እነስቲ፡ ተወሳኺ ሕንጸት ዜድልዮ መሰረት ከም እነንጽፍ፡ ዝተዓጻጸፈ ፍረ ዚህብ መባዂዕቲ ከም እነቕርብ ንፈልጥ ኢና።
ኩሉ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ብምፍላጥና ዚስመዓና ናጽነት ኣሎ። እዚ ከኣ፡ ገለ ነገር ክንገብር፡ ነቲ እንገብሮ ግን ብጽቡቕ ክንገብሮ የኽእለና።
ምሉእ ኪኸውን'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ናይ ጒዕዞና ፈላሚ ስጒምቲ ንጅምር። በኣኡ ኣቢሉ ከኣ ጎይታ ንኽኣቱን፡ ነቲ ዝተረፈ ባዕሉ ኪምልኣልናን ዕድል ይኸፍት።
ናብ ፍጻሜ ዝበጽሕ ውጽኢት ኣይንርእን ንኸውን፡ እንተኾነ እዚ ንባዕሉ፡ ኣብ መንጎ ሰብ ውዕለትን ጎይታን ንዘሎ ፍልልያት የርእየና።
ንሕና፡
ዓያዮ ሰብ ውዕለት ደኣ'ምበር ጎይቶት ኣይኮንናን።
ኣገልገልቲ ደኣ'ምበር መሲሓት ኣይኮንናን።
ናይ መጻኢ ደኣ'ምበር ናይ ባዕላትና ክንንበይ ክእለት የብልናን።
ኣሜን!
ሰራሕተኛታትን ፈጠርቲ ስራሕን
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ሰብኣውነትና ዘይነጻጸል ኣካል ኅብረተሰብኣውነትና ኢዩ። እንደልዮ ኅብረተሰብኣዊ ሥርዓት ብኣድማዕነትን ብግብርን ዜውሕስ ከኣ ቊጠባዊ ሰረት ዘለዎ ሓርነት ብምስፋን ኢዩ። ምድግጋፍና ሓቀኛ ሓርነት ምእንቲ ኬምጽኣልና፡ ቊጠባዊ ተሳትፎ ዜሰክሞ ኃላፍነት ንላበስ። ካብ ዝተጻዕነና ኣጸጋምን ጸቓጥን ኲነታት ሓራ ንኽንወጽእ፡ ማዕረ'ቲ ሰራሕተኛታት ዝኾንናዮ ፈጠርቲ ስራሕ'ውን ንኹን። ከም ኅብረተሰብ፡ ዝላ ምዕባለና ብውህለላን ወፍርን እንተዘይኣሰኒናዮ፡ ፍረ ኣይህልዎን። ኣብ ዓቕሚ ሓድነትናን ሥምረትናን ብምትእምማን፡ ኣብ ማኅበረ-ቊጠባዊ ሕይወትና ንእንገብሮ ተሳትፎ፡ ኣድላዪ ዘበለ ጸጋታት ነዋፍር። ኣብ ጽቡቕ ጊዜ ኮነ ኣብ ሕማቕ፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ኣድላይ ርእሰማል ብምቕራብ፡ ስራሕ ብምፍጣርን ብምውናንን እጃምና ነበርክት።
ዛጊት ብዛዕባ ዝተገብረልና ዘይቅኑዕን ዘይቅቡልን እንግዶት ዕዳጋ፡ "ኣበይን ብኸመይን ፈርዩ፡ መን'ከ ዋናኡ?" እናበልና ክነቚረምርም ጸኒሕና። መርገጺና ከይቀየርና፡ ኣዕሚቚና ዝሓሰብናሉ፡ ኣብ ዘዘድልየሉ ዚመዓራረይን ኣብ ጽኑዕ ዚቖመን፡ ዕዮና ንወጥን፡ ውጥንና ንዕየ። ዓማዊልን ዓደግትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብውልቅን ብኃባርን፡ ብሰብኣዊ ኃልዮት ጽዒርና፡ ሸየጥቲ ፍርያትና ኣብ እንኾነሉ ቊጠባዊ ሕይወት ንሳተፍ።
ብዛዕባ ክብርን መሰላትን ኃቢርካ ምስራሕን ካብ ምምጓት ኃሊፍና፡ በቲ ኅልናና ዚፈቕዶ መንገዲ፡ ካብ ዓማዊል ናብ ኣውፈርቲ ተሰጋጊርና ማኅበራት ስራሕና ክንውድብን ብግብሪ ክነርእይን፡ ኣሰር ውጽኢት ስራሕና ኣብ ማኅበረ-ቊጠባውን ፖሊቲካውን ዓውድታት ክንገድፍን ዓብይ ኃላፍነት ኣሎና። ነዚ ዚሕግዙና፤ ቀዳማይ፡ ግቡእ ጻማ ጻዕርና ክንቅበልን ርእስና ብምዕንጋል ኃይልና ከነሓድስን። ካልኣይ፡ ንሥምረትናን መጻኢ ወለዶታትናን ዚውዕል፡ወፍሪ ክንገብር የድልየና። እንምስርተን ትካላት ተራድኦ፡ ነንዘዝወለዳኦ እንቋቕሖ ከም እንመናጠለለን ደራሁ ገቢርና ከይረኣና፡ በኣአን ኣቢልና ኣቕሑትና ነፍሪ። ኣብ ኲሉ ዓውድታት ቊጠባ ከኣ ብብስለትን ብጽኑዕ ኣቃውማን፡ ተጽዕኖ ንምፍጣር ንጠቐመለን። ዝበለጻ ናይ ስራሕና ውህደትን ክብርን ውጽኢቱን ዚምስክራልና መድረኻት ኪኾና ኢየን።
ንሰራሕተኛታት ዜቆናጽብ፡ ንማኅበራዊ ዴሞክራሲ ከም ጎታቲ ቊጠባዊ ምዕባለ ገቢሩ ኬረድእ ዚፍትንን፡ ዕቃበታት ዜርእን ሥነ-መጎት ንስዓሮ። ብኣንጻሩ'ኳ ደኣ፡ ማኅበራዊ ዲሞክራሲ ነቲ እናዓበየ ዚኸይድ ሰብኣዊ ጠለባት፡ ኣኺሉ ብዚተርፍ ኣገባብ ኬቕርብ ዚኽእል ምዃኑ ብግብሪ ነርኢ። ነኣና ንሰራሕተኛታት፡ ከም ሕፃናት ዚቖጽረናን፡ ኣብ ክንዳና ካልኦት ኪውስኑልና ዚገብርን ኣሰራርሓ ንቐይሮ። ምንጪ እቶትና ንዝኾነ እነዋህልሎ ንብረትና ፍሉይ ምምሕዳር ዜድልየሉ ምኽንያት የልቦን። ከምቲ ንኣተኃኅዛ ንብረት ካልኦት ሰባት ዚግበር ከኣ፡ ምምሕዳር ንብረትና ምስናይ ሓደጋታቱን ኃላፍነቱን ዜልዕል ኪኸውን ኣለዎ። ናብ እኩብ ጊላነት ዜውድቐና ሓደጋ ከይኣለና፡ ውልቃዊ ጊላነት ብምውጋድ ጥራሕ ኣይንቕሰን። ካብቶም ዚውሰዱ ፖለቲካዊ ወይ ማኅበራዊ ስጒምትታትን ውሳኔታትን ብዘይነኣኣስ፡ ገንዘብናን ንብረትናን እንዐቚረለን ማዕከናት፡ ንዚቃለሳሉ ሥርዓትን ዕላማታትን ነተባብዕ ኣሎና ማለት ኢዩ። ክንድ'ዚ ዚኣክል ጽልዋ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ካብ ሃለወና ደኣ፡ ባዕላትና ብኃባር እነውፍረሉ ትካል ካብ ምቛም እንታይ ይዓግተና፧
ንምዕባለ ከም ናይ ሰብኣውን ማኅበራውን ድኅንነት "ስጉምቲ" ዘይኮነስ "መፈጸምታ" ገይሩ ዚቖጽር ሥርዓት፡ ምንጪ ናይ ሕንቃቐ፡ ጃህራ፡ ምግያጽን ምዝራውን ኢዩ ዚኸውን። እቲ ዘገርም፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብርን መሰላት ስራሕን ማኅበራዊ ፍትሕን ንምድር፤ ገንዘብ ንምርካብ፡ ነጽንዕ፡ ንጽዕር፡ ንምህዝ። ልክዕ ጁባና ምስ መላእና ከኣ፡ ገንዘብና ቃሕ ኣብ ዘዝበለና ቀንጠመንጢ ነጥፍኦ። ንሥነ-ተራድኦ ካብ ዜንጸላልዎ እቲ ዝዓበየ ፍርሒ እምበኣር፡ ኣብ መስርሕ ምዕባለና፡ ተራዳእቲ ባዕላትና ኣብ ዋኒነ-ትካላትና ክነውፍሮ ካብ ዚግብኣና እናጒደልና ካብ ዜድልየና ንላዕሊ ምህላኽን ምኅሻሽን፡ ብሓፂር መንገዲ ረብሓታት ምንዳይን ኢዩ። ገንዘብና ብምጥፋእ፡ ናይ ምቅላስ ኃይልናን ሥምረትናን እንተኣድኪምና፡ እንፈርሰሉ ሓደጋ ልዑል ኢዩ ዚኸውን።
ብተራድኦታትና ኣቢልና፡ ብዛዕባ ሰብኣውነት እንተፈሊጥናን ርእሰማልና እንተኣኻዕቢትናን፡ ነንዝመጸ ዕድላት ንምጥቃም ቅሩባትን ዕውታትን ክንከውን ኢና። ብሓሳብ ጥራሕ ብዛዕባ ክንጭብጦ ዘይንኽእል ፍትሓዊ ክፍሊት ለውጢ ክነምጽእ ስለዘይንኽእል፡ ትሕቲ ኣታዊታትና ክነውጽእ ክንለማመድ ይግብኣና። ጸጋታትና ቆጢብና ምስ እነዋህልል፡ ምስ ኲነታትና ዜሳኒ ርኡይ ምዕባለ ከም እንጎናጸፍ ፍሉጥ ኢዩ። ርኡይን ዝተወሃሀደን ምዕባለ ንኽነምጽእ፡ ኣብ ቊጠባዊ ኣደብን ውህለላን ልዑል ተገዳስነት ክንገብር ኣሎና፤ ብብዙኅ ካልእ ዓቕምታት ከኣ ክንከብቦን ክነሰንዮን የድልየና።
እነውፍሮ ገንዘብና፡ ብባሕርይ ኣቃውማኡን ኣጠቓቕማኡን ብተሳትፎ ኲላትና ኪኸብሩን ኪትከሉን ካብ ዚግብኦም ብዙኃት መሰላት እቲ ቀንዲ ኢዩ። ጠለብ ዘመናዊ ዋኒነ-ትካል፡ ንመበገሲኡ ዚኸውን ርእሰማል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መመሊሱ ብዚሕደስ ጻዕርን ምጥንናን ብቐዋሚ ምምዋል'ውን ኢዩ። ብርታዐ ምንቅስቓስናን፡ ዕብየት ዕላማታትናን መጠን'ቲ እነውፍሮ ገንዘብና ኢዩ።
ናይ ሎሚ ውልቃዊ ምጽማምና፡ ዋጋ መጻኢ ዝኃሸ ደረጃ ምዕባለና ኢዩ። መኽሰብና ብመጠን'ቲ ንግዚያዊ ዕጋበት ካብ ምብኻን ቆጢብና እነቚሞ ትካል ተራድኦ ልቓሕ ኢዩ ዚረጋገጽ። ዋኒነ-ትካል ተራድኦ ልቓሕ፡ ንምንቅስቓስና ክንድግፈሉ ዜኽእለና ኣገዳሲ ክፍሊ ኢዩ። እዚ ክፍሊ እዚ፡ ንናይ ወፍርታትና መጠን መኽሰብ፡ ምስቲ ኬምጽኦ ዚኽእል ለውጥታት ተደሚሩ፡ ንሥምረትና ኪምስክር ኢዩ።
ቀዋሚ መቃለሲ ዕጥቅናን መጽለሊ ዕርድናን ስራሕ ኢዩ። ስራሕ ንምፍጣርን ንምዕባይን ብእንገብሮ ጻዕሪ፡ ንሃገርናን ምኅደራኣን ኣማዕቢልና፡ ጸገማታን ግድላታን ፈቲሕና፡ ግቡእ ናይ ክብሪ ቦታኣ ክነትሕዛ ኢና። ልዕሊ ኲሉ ከኣ፡ ከም ሰራሕተኛታት ብስለት ከም ዘሎናን ሓርነትና ከኣ ዘይተርፍን ዘይጒዕጸጽን ምዃኑ መርትዖና ክነቐምጥ ኢና።
ተሞክሮታት ንውሑስ ምዕባለ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ጻዕራም ሕዝብና፡ ጽኑዕ ልምድታት ምድግጋፍን ግብራውነትን፡ መለለይን ታሪኹ ኢዩ። ንዚግበረሉ ጻውዒት ምዕባለ፡ ብሃብታማት ማኅበራዊ ትካላቱ፡ ብትኽክል ኪምልሽ ኢዩ። እንተኾነ፡ ዛጊት ካብዚ ዕቑር ሃብቲ እንቐድሓሉ ዕድል ኣይፈጠርናን። ነዚ ሃብቲ'ዚ ብግቡእ ብዘይምርዳእና፡ ተወፊና ናብ እንጽዕረሎም ተቕዋማት ብምፍጣር፡ እንረብሓሉ ጥበብ ኣይመሃዝናን። እናደለናዮም ዕድል ክንህቦም፡ እናሓለምናዮም ክነሰጒሞም ኣይከኣልናን። ዝረሳዕናዮምን ዘባኸንናዮምን ሞያታት'ሞ ነስተብህል፡ ካብኣቶም ከም ብሓድሽ ንመሃር።
ዕላማና፡ ኣብ ሕቚፊ'ቲ ንኽብርታቱ ዐቂቡ ዜጽንሓልና፡ ዐቕሚ ምሕዳስ ዘለዎን፡ ሠሠናዮ ዚግብኦን ሕዝብና ብምዃን፡ ብመንገዲ ተራድኦታትና ንውርሻታትና ክነበራብሮም ኢዩ። ገለ ካብ ዚቐርቡና ሰባትን ጉጅለታትን፡ ንተራድኦታትና ኪነቕፉን፡ ካብ ሓቂ ብዝረሓቐ ኣሉታዊ መልክዕ ኬቕርቡን ክንዕዘብ ኢና። እዚ፡ ምስቲ ብስራሕ እንገብሮ ጻዕሪ ተደሚሩ ተወሳኺ ጾር'ኳ እንተኾነና፡ ብሓናጺ ስራሕን፡ ብቐጥተይና ኣበርክቶ ምዕባለ ሃገርን ንመልሰሉ።
ፈለማ፡ ሥነ-ተራድኦና፡ ብዜዐውትዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዜዕንውዎ ኣባላት'ውን ኢዩ ዚቐውም። እቶም ብውሽጢ ዜዕንዉ፡ ከምቲ ንሕያው ፍጥረት ዜሕምሙን ዚቐትሉን ረቀቕቲ ሕዋሳት ኢያቶም። ኣብዚ ኩነታት፡ ንዚርከብ ትሑት ውጽኢት ጻዕሪ ተራድኦ ብምዕቃን ኣብ ክንዲ ተስፋ ንቖርጽ፡ ዝገበርናዮ ሃቐነ ብምርኣይ፡ ብዝበለጸ ንምምኅያሹ ንሕሰብ። ብኮንደኾን ዚርከብ ውጽኢት የልቦን። ልዑል ግስጋሰ ውልቃውን ኅብረተሰብኣውን ውጥናት ተራድኦ፡ ኣብቶም ንዕላማታቱ ዚኣምኑን ብጽኑዕ መንፈስ ዚውፈዩን ኣባላቱ ኢዩ ዚምርኮስ። ብመሰረቱ፡ ሥነ-ተራድኦ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቊጠባዊ ንጥፈታት፡ ልዕሊ ኩላቶም ረቛሒታት፡ ዝለዓለ ሞራላዊ ክብርታት ዜለማምድ፡ ብልዑል ፍናን ዜገልግል ሕያው መስርሕ ተሞክሮ ኢዩ። ምእንት'ዚ ንዝኾነ ሰብ ዚሰማማዕ ውጥን ኣይኮነን። ብተወላወልቲ ኣባላትን ብድኹም ኣቃውማን ነቒልና ከቢድ ጠለባት ስራሕ ክንቅበልን፡ ልዑል ደረጃ ምዕባለ ክነምጽእን ኣይንኽእልን ኢና።
ሥነ-ተራድኦ ኣብ ናይ ሎሚ ዐለምና ዝተሓደሰ ቦታ ኣለዎ። ምንቅስቓስና፡ ማኅበራዊ ርክባትን ቁጠባዊ ውጽኢታትን ብምውሓስ፡ ጽቡቕ ርድኢት ኣብ ዜስርጸሉ ሃዋህው እንተዘይተደኲኑ ግዝያዊ ክስተት ጥራሕ ይኸውን። ቅድሚ ሎሚ ተጻይ መብጽዓኡ ብዚተገብሩ ውልቃዊ ብልሽውነታትን ውድቀታትን፡ ብፍረ-ኣልቦነቱ ኣይንስመዮ፡ ንተኽእሎታቱ ኣይነጒድሎ። እንታይ ደኣ፡ ብቕኑዕ ሥርዓተ-ትምህርትን ተቕዋማዊ ቅርጽታትን፡ ንሰብኣዊ ሓርነትናን ሥምረትናን ብዜበርትዕ ኣገባብ ዳግም ነኃይሎ። ኣብ ሞንጎና ሓድሽ መንፈስን ምትእምማንን ዐቕምታት ምድግጋፍን ኬማዕብል ንፍቀደሉ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ውልቃዊ ባሕርያትና፡ ባህልናን ተቕዋማትናን ዘላቒ ሓርነትን ርትዕን ኪተክል ኢዩ።
ስሉጥነት ንበይኑ ዋሕስ ኣይኮነናን ኢዩ። ካብ ስሉጥነትና ንላዕሊ፡ ካብ ሥነ-ሓሳብና ከይረሓቕና፡ ንዚቐርቡልና ተኽእሎታት መሚና ብግብራዊ ባሕርያትና ንፈለጥ። ምእንቲ ረብሓ ኲላትና ንርእስና ገቲእና፡ ፍቓድ ሓድሕድና ኣኽቢርና፡ ብዕለታዊ ምሕዳስ፡ ዕድላትና ከየባኸንና ንጠርንፍ።
ሥምረት፡ ኣይብጽምዋን ብጽምዶ!
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብ ዝኃለፉ ዘመናት፡ ብጻዕሪ መፍቀርቲ ጥበብን ሥነ-ፍልጠትን ውልቀሰባት ማእለያ ዘይብሎም ዓበይቲ ምርምራት ተሰላሲሎም ኢዮም። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ኃቢርካ ምስራሕ እቲ ኡንኮ ዜዓውት መንገዲ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ምድግጋፍና ብዘይምብታኽን ኣዘውቲርናን ይኹን። ኔርና ኔርናን በብዝደለናዮ ምርጫን እንተኾይኑ፡ ከም ዝተሰብረ ዘይስጡም ለዓት ትሕዞና ናብ ሓቀይና ኃይልን ሰብኣዊ ክብርን ንምቕያር የጸግመና። ንኃባራዊ መሰል፡ ልዕሊ ውልቃዊ መሰላት'ኳ ደኣ ነኽብሮ። ሓንቲ ቀለበት ንበይና ሠንሰለት ኣይትኸውንን፡ እቲ ዝገደደ፡ እዛ ቀለበት ምስ እትስበር ነቲ ሠንሰለት በቲኻ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ትገብሮ። እቶም ንሥነ-ሓሳብ ሥምረት ተረዲእና ምስ ተራድኦ ውህደት እንገብር፡ ነፍሲ ወከፍና ምእንቲ ጥቕሚ ብዙኃት ገለ ካብ ውልቃዊ ዋኒናትና ብፍቓድና ምስ እነወፊ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ።
ሥምረት ዚበሃል፡ ናይ ተራድኦ ምሥጢር ዚፈትሕ፡ ቅኑዕ፡ ኣርባሕን ቀዋምን ሥነ-ሓሳባውን ግብራውን ባእታ ኢዩ። ንማኅበራዊ ሕይወትና ዚቕይር ኃያል መፍትሕ ምሥጢር ሓቀይና ሰላም'ውን ኢዩ። ሥምረት፡ ንኃቢርካ ናይ ምስራሕ ጸጋን ሓድሕድ ምድግጋፍን፡ ምስ ኲሉ ጒድልነታቱን ድማዓቱን ብምቕባል ኣብ ግብሪ ዚውዕል ደኣ'ምበር ኣዋጅ ሥነ-ሓሳብ ጥራሕ ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ ሥምረት፡ ኣብ ሞንጎ መራሕትን ሕዝብን በብደረጃኡ፡ ብሓሳብን ብመንፈስን ዚግበር ምትኅብባር ኢዩ።
ኣሕሉቕን ኣመሓደርትን ምስ ሰራሕተይናታቶምን ሕዝቦምን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዚሰርሕዎ ጽቡቕ ስራሕ፡ ኣብቶም ዚሓልምዎም ዓበይቲ ለውጥታት'ውን ሓድሕድ ብምትእምማንን ሥምረትን፡ ኃቢሮም ኪሳተፉ ኣገዳሲ ኢዩ። ንዂላትና ዘየካትት ጎደና ምስ እንኽተል፡ እቲ ዜራኽበና መጣምር ይፍታሕ፡ ገርሃዊ ማኅበራዊ ሕይወትና ዘይከኣል ይኸውን፡ ኣብ ሞንጎና ዚህሉ ሰላም ዘይሓቀይናን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዜገርም መገዲ ዚቕላዕን በናንን ይኸውን፡ ዝደኸምና እንተደኸምና ጥዑይ ምዕባለ ንምጒንጻፍ ኣይንበቅዕን ። ስለዚ፡ ኲሉ ጻዕርናን ምጽማምናን ፍረ ምእንቲ ኪህልዎን ክንከብረሉን፡ ኣብ ኲሉ ንጥፈታትና ክንሠምርን ክንተኃባበር ግዲ ኢዩ።
ጥዑይ ምዕባለ ዚበሃል እቲ ንኹሉ ክፍልታት ኅብረተሰብ ብምልኣትን ስኒትን ኣኅቢሩ ዜሳትፍ ኢዩ። ኣእላፋት ሕዝቢ ጠምዮም ኣብ ዚሓድሩሉ፡ መሊኡ ዚፈስስ ውልቃዊ ሃብቲ ኣብ ክንዲ ምዕቋር፡ ኃቢርና እንምዕብለሉ ተራድኦታት ንምቛም ንሕረ። መሰል ምውናን ንብረት ደኣምበር መሰል ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ንብረት የብልናን። ካባና ሓደ'ኳ ንዚውንኖ ንብረት ከም ፈጣሪ ምሉእ ብምሉእ ናይ ኣጠቓቕማኡ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ኪስምዖ ኣይግባእን። ነዚ ንብረት'ዚ ኣብ ምፍራይን ምዝርጋሕን፡ ብዙሓት ጊደኦም ስለ ዘበርከቱ፡ ንኣጠቓቕማኡ ብዚምልከት ከኣ ንኹሉ ኣብ ግምት ብዜእቱ ኣገባብ ኪኸውን ይግባእ። መሰል ምውናን ንብረት፡ ናጽነት ብዓል ንብረት ዚሕለወሉ ጥቕሚ ኣለዎ። ጸገም ዚኸውን፡ መሰል ካልኦት ኪኽልክል ወይ ኪድርት ምስ ዚጅምር ኢዩ። ምእንት'ዚ፡ ብውልቅና ዝበለጸ ዚሰማምዓና እናገበርና፡ እቲ እንገብሮ ዘበለ ኣብ ውሽጢ'ቲ እንነብሮ ኅብረተሰብና ዜኸትሎ ለውጢ እናስተብሃልና ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ብዘይምግባርና ንኻልኦት ክንጎድእ ንኽእል ኢና።
ኣድማዕቲ ዋኒነ-ተራድኦታት ሓኒጽና ንምቛም፡ ንኣንነትና ብልጓምን ቀይድን ንቆጻጸሮ። ንዝተመኮርናዮ ሥምረት ምስክርነት ንሃበሉን ንምምኅያሹ ንጺኣርን። በኣኡ ንዚፍጠር ዓቕምታት ከኣ ዋጋኡ ተረዲእና ብግቡእ ንጠቐመሉ። ካብተን እነቚመን ተራድኦታት፡ ገሊአን ኣድለይቲ ግና ድኹማት ኪኾና ከም ዚኽእላ ዘይሰሓት ኢዩ። እንተኾነ፡ ምእንቲ ኣድላይነተን ክንብል፡ ብዝተፈላለየ መልክዓት ነሥምረን። ኣብ ኅሉፍ ታሪኽና ተስፋ ዝገበርናለን ምንቅስቓሳትና ሰኣን ሥምረት፡ ብውሽጣዊ ምግምማዕን ከፋፊልካ ምግዛእን፡ ካብ ገስጋሳተን ተሓሊኸን ክወድቃ ከም ዝተገደዳ ክንርስዕ የብልናን።
ሓድነት ንድኻማትና የኃይሎ፡ ሥምረት ከኣ ንኃይልና ብዝተዓጻጸፈ የራብሖ። ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ ዂሉ ዜድልየና፡ ብኃባር ካብ እንሰርሓሉን እንነብረሉን ዚምንጩ ናይ ነፍሲ ወከፍና ኃይሊ ኢዩ። እዞም ናይ ኃይልን ኅብረትን መጻምዲ እዚኣቶም፡ ምስ ኃይሊ ሓሳብ እናተኻሰሳን እናተኸሓሓዳን ዘይኮነስ እናተበራትዓን እናተደጋገፋን ኪጎዓዛ ይግባእ። በዚ መገዲ'ዚ ኣቢልና ከኣ ንሓቅን ፍትሕን፡ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ኲለንተናዊ ድኅንነትን ክንጥቀመለን ንኽእል ኢና። ዕውት ሕዝቢ ንኽንከውን፡ እጃምና ነበርክት፡ ኣሳልጦን ግብራውነትን ንፍለጥ፡ ኃቢርና ንምሕናጽ ንወደብ፡ ምስ ኲላቶም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዘበሉ ብዘይ ኣፈላላይ ንተኃባበር። ከምዚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚኣምን ማኅበር ንሕነጽ'ሞ ዓቕምና ብዘይደረት ኪሰፍሕ ኢዩ።
ግብራውያንን ኣድማዕትን ሕዝቢ ንምዃን፡ "መን ኮን ምሳይ ይሰማማዕ" ከይበልና፡ ምስ ኲላቶም ፍትሕን ሠናይን ንምስፋን ዚጽዕሩ ንውፈር። ሥምረት ክንብል እንከሎና፡ ሓንጎፋይ ኢልና ብሓቛፊ ኣገልግሎት ብምቕባል ንጉድልነታትን ውሱን ዓቕምታትን እናተጻወርና፡ ንኻልኦት ከም ዘለውዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ኪኾንዎ ዚግብኦም'ውን ንቀበሎም። ሓቀይና ሰላምን ድኅንነትን ክነስተማቕር እንኽእል፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንፍሉይ ተፈጥሮ ሓድሕድና ከከም ዘሎዎ ተቐቢልና፡ ከም ሰባት ንርእስናን ንኻልኦትን፡ ብውልቅን ብኃባርን ዜዝሕሸናን ዜገድሰናን ንምርካብ ኃቢርና ንምንባር ምስ እንጽዕር ኢዩ። መስርሕ ሥምረት፡ ኣብ ካልኦት ቅድሚ ምምርኳስና፡ ፈለማ ኣብ ገዛእ ርእስና ብምምርኳስ ብዛዕባ ርእስና ብምምርማርን ብምእራምን ክንጅምር ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ከኣ ብልብና ብምትሕልላይ ግን ከኣ ብኣእምሮና ብምሕሳብ ኢዩ። ናጽነትን ሥምረትን ንሓድሕደን ዚመላልኣ ደኣምበር፡ ዚጻብኣ ወይ ዚወጋገዳ ክብርታት ኣይኮናን። ነዚ ሥምረት እዚ ንምምጻእ እምበኣር፡ ተወፋይነትናን ኣበርክቶናን ብገርሃዊ ልብን ብዘይ ተጒላባን፡ ነቲ ዜሕዝንን ዘይሕጉስን ክፋል መንነትንና ዚልውጥን ይኹን።
ክብረትን ሰብኣውነትን ስራሕ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ስራሕ፡ ብዂለንተናዊ ሓድነትን ተደጋጋፊ ሥምረትን፡ ምስ ፈጣሪና ብምስታፍ፡ ንዂላትና ብዚጠቅም፡ ንተፈጥሮ እንቕይሩሉን እነሰስነሉን፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ድኅንነት እንረኽበሉን፡ ዝለዓለ ክብርናን መለለዪናን እዩ። ብተወሳኺ ኣብ መለኮታዊ መደብ እንሳተፈሉን፡ ምድራዊ ገነት እንተዘየጓናጸፈና'ኳ፡ ናብ ዝኃሸን ዝመሽአን መጻኢ ንምብጻሕ እንትስፈወሉን እዩ። ፈጣሪ ነኣና ኣሚኑ፡ ከም መሳርሕቱ ይቖጽረና፡ ንማኅበረሰብና ክነገልግለሉን ብውልቂ ክንምዕብለሉን ቢሉ ኣብ ኅብረቱ የሳትፈና፡ ናይቲ "ተፈጥሮ" ቢልና እንጽውዖ ድንቂ ዋኒኑ፡ ብግብርታትና ክንልውጦን ክነፍርየሉን ዝሃበና ክፍሊ'ምበር ዜውርደልና መቕጻዕቲ ኣይኮነን። ንስራሕ ከም መቕጻዕቲ፡ ንዘይምስራሕ ከም ሰማያዊ በረኸት፡ ንሃብቲ ከም ጎደና ሰብኣዊ ገነት ኣይንቚጸሮ። ዓቕምታትናን ሰብኣዊ ክብርታትናን ንኸነለልን፡ መተዓዪይቲ ፈጣሪ ብምዃን፡ ነቲ ዝተጀመረ ዕዮ ተፈጥሮ ክንምልእን ክንሕሉን፡ ብመንቀራቕሮታት ባህሊ ኣይንተዓገት።
ብዐይኒ እምነት እንኪርአ፡ ቊጠባዊ ምዕባለ፡ ሓቀይና ሞራላዊ ኃላፍነት ንዜጠቓልል ሰብኣዊ ግስጋሰ እዩ ዚውክል። ማኅበረሰብ'ውን ድኅንነቱን ኃይሉን ምስ ዕድል ስራሕ ዜተኃኅዝ ልቦናን ንቕሓትን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ዕቚር ዓቕሚ ሓደ ማኅበረሰብ፡ ኣብ ዓለም ዚፍለጠሉ ታሪኻዊ መንነቱ'ውን እዩ። ንተፈጥሮ ብቕኑዕ ግብርታት ጠቓሚ ፍርያት ምሃብ፡ ብኣትኲሮን ኣስተብህሎትን ምዕያይ፡ ፍሉይ መለለዪ፡ መግለጽን ዝበለጸ ውርሻን ማኅበረሰብ እዩ። በዚ ጸዋዕታናን መለለይናን ዝኾነ ስራሕ፡ ዝተራብሐ ውልቃዊ ፍጽምናን ምምኅያሽን፡ ዘየተሓትት ምልኣት ማኅበራውን ሰብኣውን ሕልና ንረክብ።
ፍትሒ ንዂሉ ነናቱ ንኺወሃብ ዚጽውዕ ጸጋ ካብ ኮነ፡ በዚ መንጽር'ዚ እንኪርአ፡ ሥነ-ተራድኦ ንስራሕን ርእሰማልን ነናቶም ይህቦም። ስራሕ፡ ልዕሊ ርእሰማል ሰብኣውን፡ ኪኸብር ዚግብኦን እዩ። ክብረትን ሰብኣውነትን ክነልብሶ ከኣ ይግባእን ይከኣልን። ንስራሕ ብዂሉ መዳዩ ትሑት ትዂረት ምሃብ ጽዩፍን ነውርን ስለዝኾነ ክቡር ሕይወት ንኽንመርሕ፡ ቅድም ክብረት ስራሕ ንቀበል።
ጽቡቕ ስራሕ ዚበሃል፡ ብርትዓዊ ዋጋ፡ ግቡእ ትዂረትን ኣገባብን፡ ብዝተወደበ ጥበብን ውሕልነትን፡ ብምትኅብባርን ጽቡቕ ድላይን፡ ጠቓምን ቅቡልን ኣገልግሎት ምቕራብ እዩ። ልዕሊ ኲሉ ናይ ሰራሕተይና ደረጃ፡ ጽፍሒ፡ ጾታ ከይፈላለየ ብኽብሪ ዚኅዝ እዩ። ጽቡቕ ስራሕ ሰብኣውነት ዚውንኖ ግብረ-ሠናይ'ውን እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን፡ ብተመሳሳሊ ጻዕርን ብዝለዓለ ኣሳልጦን፡ ኣብ ዚሰማምዓና ጽፍሒ እንዓየሉ ዕድላት ምጥጣሕ፡ ንዂላትና ዚምልከት ማኅበረሰብኣዊ ኃላፍነት እዩ።
ናብ ዝኃሸ ሰብኣውን ማኅበራውን ደረጃ ዚበጽሑ፡ እቶም ብልግሢ ተፈጥሮ ብሉጽ ዕድሎት ዝተቐበሉ ሰባትን ቦታታትን ዘይኮኑስ፡ እቶም መነባብሮኦም ንምምኅያሽ፡ ብዓይነቱን ብዓቐኑን ብሉጽ ዝኾነን ብዂሉ ዚጥለብን ፍርያት ዜቕርቡ እዮም። ኣብ ኃባራዊ ደቀቕቲ ይኹኑ ገዘፍቲ ዕማማት ብውህደት ንሳተፍ። እዚ ምግባር ምልክት ብስለት እዩ።
ሰብኣዊ መሰረት ቁጠባ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ምስጢርን መፍትሕን ዓወት ክንጭብጥ'ዶ ንደሊ፧ በይንና ኣይንቃለስ! ኲሉ ዝተማልአልና'ዶ ክንከውን ንደሊ፧ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ! ብዓይኒ ማኅበረሰብ'ዶ ክንርአአ ንደሊ፧ ብሠናይ ድልየት ምስ ብጾትና ተደጋጊፍና ንተንሥእ!
ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ምስ ዚርከቡ ኲላቶም ሕዝብታት ዜመሳስለና ነገር፡ ንሓርነት ዘሎና ጽምኣትን፡ ንፍትሒ ዘሎና ናፍቖትን እዩ። ከም ሕዝቢ ሓራ እንወጽእን እንብርኽን፡ "ኣብ ስራሕ፡ ብስራሕ፡ ንስራሕ፡" እዩ። ብቕኑዕ መንፈስን ብዝተዋሃሃደ ጻዕርን እንተሰጒምና ከኣ ንምርግጋጹ ክንበቅዕ ኢና። ጽምኣት ሓርነትና፡ ድልዱል ሥርዓተ ቊጠባ ናይ ምሕናጽን፡ ርጉእ ሰላማዊ ሕይወት ናይ ምንባር ሰብኣዊ መሰላትናን ብምኽባር ነርውዮ። ፍትሓዊ ሥርዓተ ቊጠባ፡ ከም ኣሰራርሓ ሰዓት፡ ሓደ ክፋሉ እንተዘይሰሪሑ ብምሉኡ ደው ይብል። ነዚ ደውታ'ዚ ሥዒርና ናብ ቊጠባዊ ሓርነት እንበጽሕ ከኣ፡ ብቕኑዕ ግብርን፡ ሥሙር ምትእኽኻብን ብእንሓንጾ ኅብረት እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፡ ልዕሊ ሥምረት ዜድልየና ነገር የልቦን። ነዚ ሥምረት'ዚ፡ በቲ ድሮ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ ሰብኣዊ መሰላት ኣኽቢርና፡ ብጻዕሪ ተሰኒና ንበጽሖ።
ባሕርያትና፡ ካብቲ ብተፈጥሮ ዝተዓደልናዮን ብስድራቤትና ዝተቐረጽናዮን ብተወሳኺ፡ ብኸባቢና ንዝቐርቡልና ሓሳባትን ክውንነታትን ብምቕባል ወይ ብምንጻግ፡ ብዘየቋርጽ መስርሕ ውህደት ይሕነጽ። ካብ ንግምቶ ንላዕሊ፡ ክንከፍሎ ዚግብኣና ብኻልኦት ዝተገብረልና ውዕለት ኣሎና። ካብ ማኅበረሰብናን፡ ካብ ዝቐደሙ ወለድናን ዝተቐበልናዮ ከይረሳዕና፡ ብወገንና'ውን መጠን ብጽሒትና እናበርከትና፡ ማኅበራዊ ፍትሒ ንጸውዕ። ከምቲ ነጠብጣብ ማይ፡ ሃፊፈን ናብ ዘይጠፍኣሉ ውቅያኖስ ዚሕወሳ፡ ንሕና ከኣ፡ መንነትናን ህላውነትናን ንምዕቃብ፡ በብውልቅና ዘይኮነ፡ ብውሕሉል ጥርናፈታት ክንኃብር ንጽዓር። ትስፉው ምልክታት ኅብረት፡ ንኹላትና ዚጠቅም ውሑስ መጻኢ ንምጭባጥ፡ ኃቢርና ምስራሕ ምዃኑ ኣይንጠራጠር።
ጻዕርና፡ ምስ ክውንነት ኣብ ዚጋጮ መስመር ሥነ-ሓሳብ ንምዕሳል ኣይኮነን። ዚኸፋፍለና ሓሳብን፡ ዚጭክነልና ድሩቕ ልብን ዘበለ ነጺግና፡ ነቲ ኃቢርና ንኽንነብር ዜኽእለና ክውንነት ምምራጽ ኢዩ። ብዘይካ ናብ ድሩቕ ልቢ ዝዓለበ ኣውያት፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝተኸስተ'ሞ፡ ብዘይ ገለ ሳዕቤን ዚጠፍእ ኃይሊ፡ ብዘይ መቓልሕ ዚሃጥም ኣውያት የልቦን። ድሩቕ ልቢ ኣብ መሥርዕ ሰብኣውነት ቦታ የብሉን። ንተፈጥሮ ከም ዝመለኽናያ ዜርኢ መዐቀኒ፡ በቲ ከም ትኪ በኒኑ ዚኃልፍ "ምድራዊ ዓወታትና" ካብ ምህውታት ንርእስና ገቲእና፡ ኣብ መዓምቚ ልብና ሰላም ዜውሕዝ ዘልዓለማዊ ባሕርይ ምስ እንእዘዝ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ክብረትን ዕድሎትን ነፍሲ ወከፍና ማዕረን ንሓድሕዱ ዝተተኃኀዘን ምዃኑን ንቀበል። ልክዕ ከም ኣትክልቲ፡ ብዝበለጸ ንርእስና ክንከላኸልን ክንብርትዕን እንኽእል፡ ብኃባራዊ ኲስኮሳ ተደጋጊፍና ምትንሣእ እዩ።
8 መምርሒታት ቅኑዕ ኣመጋግባን ጥዕናን
(ካብ መጽናዕቲ ሥርዓተ ኣመጋግባ ምዕራፍ 11፡ ቲ ኮሊን ካምፕቤል፡ ዝተወስደ)
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ጥቕምታት ጥዑይ ኣነባብራ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ክንፈልጦ ዚግብኣና፡ ነዚ ኃበሬታ'ዚ ምርኲስ ብምግባር፡ ነዞም ዚስዕቡ ጥቕምታት ናይ ምርካብ ዕድልና ክብ ክነብሎ ንኽእል ኢና፤
• ነዊሕ ዕድመ ምንባር • ካብ ዕድመና ዝነኣስና ክንመስልን ኪስመዓናን • ዝያዳ ኃይሊ ኪስመዓና • ክብደት ክነጒድል • መጠን ኮሌስትሮል ደምና ክነጒድል • ካብ ሕማም ልቢ ክንከላኸልን ክንሓውን • ንሕማማት መንሽሮ፤ ዓጽረ-ሽንቲ፣ ጡብን ካልኦትን ምቅላዕ ክነጒድል • ኣብ ዕብየትና፡ ዓቕሚ ምርኣይ ኣዒንትና ክንዕቅብ • ንሕማም ሽኮር ክንከላኸልን ክንፍውስን • ኣብ ብዙኅ ኣጋጣሚታት መጥባሕቲ ክነወግድ • ካብ ቤት መድኃኒት ፈውሲ ናይ ምጥቃም ኣድላይነት ብሰፊሑ ክነጒድል • አዕጽምትና ክነደልድል • ምስኣን ዓቕሚ ክነወግድ • ሕማም ወቕዒ ክነወግድ • ካብ ሕማም ጸጸር ኲላሊት ክንከላኸል • ንውሉድና ካብ ሕማም(ቀዳማይ ዓይነት) ሽኮር ክንከላኸል • ድርቀት መዓናጡ ክነወግድ • ጸቕጢ ደምና ክነጒድል • ሕማም ምርሳዕ ክነወግድ ንሕማም ቅርጥማት ክንሥዕር • ካልኦትን . . . . . እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ገለ ክፍሊ ካብ ጥቕምታት ኢዮም፡ ብምሉኣቶም ጥቕምታት ምውናን'ውን ዚከኣል እዩ።
ብምንታይ ዋጋ፧
ኣመጋግባና ብምቕያር ጥራሕ። ነዞም ዝተዘርዘሩ ዓበይቲ ጥቕምታት ንምርካብ፡ ብተዛማዲ ቅልል ዝበለን ብዙኅ ጻዕሪ ዘይሓትትን ኣገባብ ቀሪቡ ኣይፈልጥን እዩ።
ነዚ ዘረጋግጹ ኣብነታትን ጭብጥታትን፡ ንምርካቦምን ናብ መደምደምታ ንምብጻሕን ዝተገብረ ጒዕዞ ቀሪቦም ኣለው። ኣብዞም 8 መምርሒታት ዝተጠቓለሉ፤ መጽናዕቲ ኣመጋግባን ጥዕናን ሕማማትን፡ ዝተኻየዱ ሥነ-ፍልጠታዊ ምርምራት፡ ንሕሙማትና እንገብሮ ምፍዋስ፡ ንርእስና እንኽተሎ ሥርዓት ኣመጋግባ፡ ብዛዕባ ጥዕና ዚህልወና ኣተሓሳስባ፡ ንዓለም እንጥምተሉ መነጽር የጠቓልል።
1) ሥርዓት አመጋገባ፡ ማእለያ ናይ ዘይብሎም ባእታታት መግቢ ውሁድ ንጥፈታት ይውክል። ምሉእ ካብ ድምር ክፋላቱ ይዓቢ።
2) መኣዛዊ መመላእታታት፡ መፍትሕ ምሉእ ጥዕና ኣይኮኑን
3) ኣብ ኣትክልቲ ካብ ዚርከቡ ትሕዝቶታት መኣዛ ዚበዝኅ ኣብ እንስሳታት ኣይርከብን ኢዩ።
4) መፈጠር ብምንቃሕን ምድቃስን (ብምውላዕን ምጥፋእን) ዚዓዩ ደኣምበር፡ መፈጠራት ባዕላቶም ንበይኖም ንሕማም ወሰንቲ ኣይኮኑን፡
5) ሥርዓት ኣመጋግባ ንመብዛሕትኦም ሳዕቤናት ጎዳእቲ ቀመማት ኪቆጻጸር ይኽእል።
6) ንዚጅምር ሕማም ኣብ ፈለማ ዚከላኸል ኣመጋግባ፡ ምስ ሓደረ'ውን ደው ከብልን ኬሕውዪን ይኽእል።
7) ንሕዱር ሕማም ዚፍውስ ኣመጋግባ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ንምሉእ ጥዕና'ውን ይድግፍ።
8) ጽቡቕ ሥርዓት ኣመጋግባ፡ ኣብ ኲሉ ዓውድታት ህላወና ጥዕና ይፈጥር። ኲላቶም ክፍልታት ንሓድሕዶም ዝተዋሰቡ ኢዮም።
ንምዃኑ ንምንታይ በዚ ንግደስ፧
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት፡ ንሕቶታት ጥዕና ብንጽል ካብ ምሕታት ኃሊፎም፡ ናብ ዝሰፍሐ ኣድማሳዊ ሰብኣውን ኅብረተሰብኣውን መድረኽ ዚዝርግሑ ትሕዝቶታት ብምኃዝ ቀሪቦም ኣለው። ብሰፊሑ እንኪርአ፡ እዞም መምርሒታት እዚኣቶም ውጽኢት ናይ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰዱ መጽናዕታዊ ምርምራት ኢዮም።
ናይዞም መምርሒታት እዚኣቶም ግብራዊ መዓላ ኣነኣኢስካ ኪርአ የብሉን። ብዝበለጸ ከኣ፡ ብዛዕባ ኣመጋግባን ጥዕናን ዚምልከት፡ ንዘለው ሕዝባዊ ምድንጋራት ኣብ ምንጻር ኪሕግዙ ይኽእሉ። ዘመን ዜምጽኦም ሓደስቲ ኣርእስተ ዜናታትን እዋናውያን መጽናዕትታትን፡ ጠቓሚ ብዚበሃል ኣገባብ ቀሪቦም ኣለው። ሓደ ቀመም ጠንቂ ሕማም መንሽሮ ተባሂሉ ብዝተጸውዐ፡ ወይ ሓድሽ መጽሓፍ ኣመጋግባ በብዝተኃትመ፡ ወይ ከኣ ንሕማም ብመፈጠራዊ ምርምር መፍትሒ ተረኺቡሉ ዚብል ኣርእስቲ በብዝጨርሓሉ ቊጽሪ፡ ካብ ኮፍ መበሊና ምዝላል ኣየድልየናን ኢዩ።
ብቐሊል ኣበሃህላ፡ ህድእ ንበል! ኣዕሚቚና ነተንፍስ፡ ተመዓራሪና ኮፍ ንበል። ብተወሳኺ፡ ጽፉፍ ቅጥዒ ኣመጋግባን ጥዕናን ኣዋዲድና፡ ብዝበለጸ ብልሃት ሥነ-ፍልጠታዊ ምርምር ክንሰርሕን ዝበለጸ ሕቶ ክንሓትትን ንኽእል ኢና። ንሓደስቲ ውጽኢት ምርምራት፡ ብዝሰፍሐ መነጽር ብምዕዛብ ብቕኑዕ ክንትንትኖም ንኽእል ኢና። ብቕኑዕ ብዝተረዳእናዮም ሓደስቲ ውጽኢት ምርምራት ኣቢልና ከኣ፡ ንቕጥዕታትና ክነሀብትሞምን ክነመኃይሾምን፡ ንገንዘብናን ሃብትናን ኣብ ኣገዳሲ መዓላ ክነውፍርን ኅብረተሰብኣዊ ጥዕናና ክነዕብይን ንኽእል። ናይዞም መምርሒታት ምርዳእ፡ ብውልቂ ይኹን ብደረጃ ኅብረተሰብ፡ ንእንስሳታትናን ንምድርናን ከይተረፈ ዚጠቅም ሰፊሕን ዓብይን ኢዩ።
መምርሒ 1
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ሥርዓት አመጋገባ፡ ማእለያ ናይ ዘይብሎም ባእታታት መግቢ ውሁድ ንጥፈታት ይውክል። ምሉእ ካብ ድምር ክፋላቱ ይዓቢ።
ነዚ መምርሒ'ዚ ንምርዳእ፡ ንብልዒ ብመንጽር ሕይወታዊ-ቀመም ወሲድና ክንርኢ ንኽእል። ንኣብነት፡ ሓምሊ ስፒናቺ ምስ ዝንጅብል፡ ምሉእ (ዘይተዃእኲአ) እኽሊ፡ ዝበሰለ ዱባን ቀመማትን ድሕሪ ምቕላው፡ ኣብ ውሽጢ ጸፊሕ ዓይነት ፓስታ ዓሺግና ነብስል'ሞ ብዝተጣሕነ ፉልን ስልሲ ኮሚደረን ሓዊስና ነቕርቦ ንበል።
ሓምሊ ስፒናቺ ንበይኑ፡ ምንጪ ናይ ማእለያ ዘይብሉ ቀመማዊ ኣሃዱታት ኢዩ። ኣብዚ ዚስዕብ ዝተዘርዘረ እንተተዓዘብና'ኳ ካብቲ ድሕሪ ሓንቲ ኲላሶ ናብ ኣፍ ዚኣቱ ቀመማት ብኸፊሉ ጥራሕ ኢዩ።
ትሕዝቶ መግቢ ሓምሊ ስፒናቺ ፍሩያት ትሕዝቶታት፡ ማይ ዓቐን ጸዓት ኣካላት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባእታ ዕብየትን ጽገናን ኣካላት ስብሒ ተጣሒኑ ከም ጸዓት ኣካላት ኮይኑ ንኸገልግል ናብ ሽኮር ደም ዚልወጥ ምቁር ባእታ ብኣፍትልቲ ዝተሓንጸ ኣብ ኣትክልቲ ዚርከብ ጭዋዳ
10 ዓይነት ማዕድናት 9 ዓይነት መኣዛታት 8 ዓይነት ስቡሕ ምጸታት 18 ዓይነት ምጸታት ንኡስ ባእታ ዕብየትን ጽገናን ኣካላት ዝተፈላለዩ፡ ኣብ ኣትክልቲ ዚርከቡ፡ መጠን ኮሌስትሮል ዚቆጻጸሩን መግቢ ንምሕቃቕ ዚሕግዙን
ብኸምዚ ዝተገልጸ መገዲ፡ ጥማራት ትሕዝቶታት መግቢ ናብ ኣካላትና ይኣትዉ። ኣብ ልዕል'ዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሓውሲ፡ ካብቲ ምስ ስልሲ ኮሚደረ ተወሃሂዱ፡ ብዱባን ካልእን መሊኡ ዝተዓሸገ ፓስታ ምስ እንበልዕ፡ ብኣእላፋት ዚቚጸሩ፡ ምስ ኩላቶም መግብታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝተተኃኀዙ ተወሰኽቲ ቀመማውያን ኣሃዱታት ዝሀብተመ ሽሻይ ንረክብ።.
እንበልዖ መግቢ ምስ ምራቕና እንኪራኸብ፡ ሰብነትና ነቲ ዕጹብ ዝኾነ መስርሕ ምሕቃቕ ይጅምር። ነፍሲ ወከፍ ቀመማት መግቢ ንሓድሕዶም፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣብ ሰብነትና ዚርከቡ ካልኦት ቀመማት ብፍሉይ ኣገባብ ይዋስኡ። ነዚ ደረት ኣልቦ መስርሕ ተዋስኦ ቀመማት ብምልኣት እንርድኣሉ ደረጃ ምብጻሕ ብፍጹም ኣይከኣልን።
እቲ ዚድለ፡ ካብ እንበልዖም መግብታት ዚርከቡ ቀመማት፡ ብተኸታታልን ውሁድን መስርሕ ዝተማልአ ጥዕና ንረክብ። እዞም ቀመማት እዚኣቶም፡ ካብቲ ዝነኣሰ ዋህዮ ክሳዕ መላእ ኣካላትና ዚዝርጋሕ፡ ረቂቕ ብዝኾነ ሚዛንን ቁጽጽርን ዚምራሕ፡ ትሕዝቶ መግቢ ናበየናይ ክፍሊ ኣካል፡ ብምንታይ መጠን፡ መኣስ ከም ዚኸይድ ይውስኑ።
ካብዚ ማእለያ ዘይብሉ ዝተሓላለኸ ርክብን ምብልላዕን ምልኣተ-መግቢ፡ ኣካላትና በቲ ብተፈጥሮ ዝተዓደልዎን ከከም ኣድላይነቶምን፡ ዝለዓለ ጥቕሚ ናብ ዚረኽበሉ፡ ንዘየድልዮ ዚጒሕፈሉ ደረጃ ብቕዓት ማዕቢሉ ኢዩ። እዚ ሓቀይና ትርጉም ጽቡቕ ሥርዓት ኣመጋግባ ዜርኢ፡ ክነስምረሉ ዚግባእ መሰረታዊ መረዳእታ ኢዩ። እቲ መገዲ ዝጠፍኦ፡ ብዛዕባ ጥቕሚ ናይ ሓንቲ ትሕዝቶ መግቢ ነጺሉ ብምልዓል ጥሩምባ ይነፍሕ ይኸውን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን ንኽውንነት ኣነኣኢስካን ኣቃሊልካን ምቕራብ ኢዩ።
መምርሒ 2
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
መኣዛዊ መመላእታታት፡ መፍትሕ ምሉእ ጥዕና ኣይኮኑን።
መመላእታ ቪታሚን ምሉእ ጥዕና ዚህብ ፍቱን መድኃኒት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ሥነ-ኣመጋግባ፡ ብተሳትፎ ኣሽሓት ቀመማት፡ ኣብ ጥዕናና ማእለያ ዘይብሉ ጥዕናዊ ለውጥታት ዜኸትል፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሥርዓት ሕይወታዊ ቀመም ኢዩ። ብንጽል ከም መመላእታ ዚውሰዱ ቪታሚናት፡ ተካእቲ ናይ ምልኣተ-መግቢ ገይርካ ምውሳዶም ትርጉም የብሉን። መመላእታ ቪታሚናት ነዊሕን ምሉእን ጥዕና ኣይህቡናን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዘይተራእየ ጎድናዊ ሳዕቤናት'ውን ከኸትሉልና ይኽእሉ ኢዮም። ብተወሳኺ፡ መመላእታ ቪታሚናት ምውሳድ፡ ጠቐምቲ ለውጥታት ኣመጋግባ ከይነተኣታቱ የደናጒዩና። ሓደጋታት ዘመናዊ ኣመጋግባ፡ ከኒናታት ቪታሚን ብምውሓጥ ኣይሰዓርን።
ከም እንዕዘቦ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዕሥራ ሠላሳ ዓመታት፡ መኣዛዊ መመላእታታትን ነኣኡ ዘፍርዩ ትካላትን፡ ብዝተዓጻጸፈ ናህሪ ወሲኾም ኢዮም። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ድርኺት ዝፈጠረን መገዲ ዝጸረገን ከኣ፡ ልዑል መኽሰብ ንምድላብ፡ ንዕዳጋታት ዜስፍሕ መንግሥታዊ መምርሒታት ምውጻኡ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዓማዊል ከምቲ ዝለመድዎ እናተመገቡ፡ ንዘጋጥሞም ጥዕናዊ ጸገማት ዜመኃይሽ መመላእታ ከኒናታት ቪታሚን እንኪወስዱ ዕጋበት ይፈጥረሎም። ሕዝቢ ንመመላእታታት ሓንጎፋይ ኢሉ ምቕባሉ፡ መወዓዋዕቲ ብመገዲ መራኸቢታት ኪሰምዖ ዚደሊ ዘረባ ንኼስምዕዎ፡ ሓካይም'ውን ንተሓከምቶም ዚእዝዝዎ ከም ዚህልዎም ገይሩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ልዑል መጠን ገንዘብ ዜንቀሳቕስ ዕዳጋ፡ ክፋል ናይ ዓውዲ ኣመጋግባ ኮይኑ። መብዛሕትኦም ዓማዊል ከኣ፡ ጥዕና ዚገዝኡ ዘለው ኣምሲሉ የታልሎም። ገለ ናይ መመላእታ ቪታሚናት ነጋዶ፡ ንጥዕና ሕዝቢ ግዳይ ብምግባር፡ ኣመጋግባ ልዑል መጠን ፕሮቲንን ስብሕን ንኺተኣታቶ ይጣበቑ። ብድኅሪኡ፡ በዚ ዝተባህለ ኣመጋግባ ንዝሰዓቡ ድርቀት፡ ጠላሕታ ምቁር ብልዒ፡ ጥምየት፡ ምዕቃብ ፈሳሲ ኣካላት፡ ድኻም፡ ጭንቀትን፡ ስእነት ድቃስን ዝኣመሰሉ ጥዕናዊ ጸገማት ንምፍዋስ፡ ነቲ ዘፍርይዎ መመላእታታት ንኺውሰድ ይጒስጒሱ።
እንተኾነ፡ ካብ ሕማም መንሽሮ ሳንቡእን ካልኦትን ኬሕውዩ ይኽእል'ዮም ዝተባህለሎም መመላእታ መኣዛታት፡ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ዘመላኽቱ፡ ኣብ ተሥዓታት፡ ብዝተገብረ መጠነ ሰፊሕ መርመራታት ኪቃላዕ ጀሚሩ። ንኣርባዕተ - ሾሞንተ ዓመታት መመላእታ ቪታሚናት ምውሳድ፡ መንሽሮ ሳንቡእ፡ ትጽቢት ከም ዝተገብረሉ፡ ኪጎድል ዘይኮነስ ኪውስኽ ተራእዩ። ቪታሚናት "ኤ"ን "ኢ"ን'ውን ንሕማም ልቢ ኣይተኸላኸሉን።
ብድኅር'ዚ፡ ቪታሚናት "ኤ"፡ "ሲ"ን "ኢ"ን ካብ ሕማማት ልብን መንሽሮን ዚከላኸሉ እንተኾኑ ንምርግጋጽ፡ ብዙኅ ገንዘብ ዝፈሰሶም፡ ሰፋሕቲ መጽናዕትታት ተኻይዶም። ኣብ ቀረባ ጊዜ፡ ክልተ ናይዞም ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ውጽኢት ተጻሒፉ። እዞም ኣጽናዕቲ፡ " መወሰኽታ ቪታሚናት "ኤ"፡ "ሲ" ወይ "ኢ" ብንጽል ወይ ብምትሕውዋስ፡ ብሥሩዕ ብምጥቃም ዚርከብ፡ ካብ ሕማማት መንሽሮ ወይ ልቢ ዚከላኸል፡ ሚዛን ጥቕምን ጒድኣትን ክነረጋግጽ ኣይከኣልናን።" ኢሎም። እኳ ደኣ፡ "ቤታ-ካሮቲን" ዝተባህለ መመላእታ ንኸይውሰድ ምዒዶም።
ብርግጽ እዞም ዝተዘርዘሩ መኣዛታት ጠቐምቲ ኢዮም፡ ግን ከም መመላእታ ከኒና ዘይኮነ፡ ብምልኣት-መግቢ ክንወስዶም'ዩ ዚግባእ። ንትሕዝቶ መግቢ ነጺልና፡ ማዕረ'ቲ ኣብ ምልኣተ-መግቢ ዚህበና ጥቕሚ ክንረኽበሉ ምፍታን፡ ሥነ-ኣመጋግባ ኣብ ኣካላትና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ዘይምፍላጥና የርኢ። ደጊም፡ ኣብ መመላእታ ትሕዝቶታት መግቢ ብንጽል ተመርኲስና፡ ጥዕናና ክንዕቅብ ከም ዘይንኽእል፡ ዘመናዊ ሥርዓተ ኣመጋግባ ከኣ ኣኽሳርን ሓደገይናን ምዃኑ እናበርሃልና ከም ዚኸይድ ርግጽ ኢዩ።
መምርሒ 3
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብ ኣትክልቲ ብዝበለጸ ዘይንረኽቦም ትሕዝቶታት መግቢ ኣብ እንስሳታት የለውን።
ብኣጠቓላሊ፡ ሓደ መግቢ ውጽኢት ኣትክልቲ፡ ብትሕዝቶን መጠንን መኣዛታቱ፡ ካብ ምስ መግብታት ውጽኢት እንስሳ ንላዕሊ ምስ ካልእ መግቢ ውጽኢት ኣትክልቲ ዘለዎ ምምስሳል ይበዝኅ። እዚ ሓቂ እንተገላበጥናዮ'ውን ኣይቅየርን። ኲሉ ትሕዝቶታት መግቢ ውጽኢት እንስሳ፡ ካብ ምስ መግብታት ውጽኢት ኣትክልቲ ንላዕሊ ምስ ካልእ መግቢ ውጽኢት እንስሳ ይመሳሰል። ንኣብነት፡ ስጋ ዓሳ ሽሕ'ኳ ካብ ስጋ ከብቲ ኣጸቢቑ ዚፍለ እንተኾነ፡ ስጋ ዓሳ ካብ ምስ ሩዝ ንላዕሊ ምስ ስጋ ከብቲ ዘለዎ ምምስሳል ይበዝኅ።
ውጽኢት እንስሳ ምምጋብ ካብ ኣትክልቲ ምምጋብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ተሞክሮ ኢዩ። ኣብዞም ክልተ ኣመጋግባታት ዘሎ ብዝኅን ዓይነትን ትሕዝቶ መኣዛታት፡ ከምዚ ዚስዕብ ርኡይ ፍልልያት ኣለዎም።
ተዋጽኦ ትሕዝቶታት መኣዛ ኣትክልትን ውጽኢት እንስሳን (ብ500 ካሎሪ ጸዓት እንኪዕቀን)
መ.ው.ኣ. መ.ው.እ.
ኮሌስትሮል (ሚግ) ---- 137
ስብሒ (ግ) 4 36
ፕሮቲን (ግ) 33 34
ቤታ-ካሮቲን (ማግ) 29,919 17
ፋይበር** (ግ) 31 ----
ቪታሚን "ሲ" (ሚግ) 293 4
ፎሌት* (ማግ) 1168 19
ቪታሚን "ኢ" (ሚግ) 11 0.5
ሓጺን (ሚግ) 20 2
ማግነዚዩም (ሚግ) 548 51
ካልሺዩም (ሚግ) 545 252
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ፡ እንምገቦም ኣትክልቲ፡ ብዝተዓጻጸፈ መጠን ንዋህዮታት ካብ መጒዳእቲ ዚከላኸሉ ባእታታት፡ ፈትልታት ጭዋዳን ማዕድናትን ይርከብዎም። እኳ ደኣ፡ ገለ ገለ መግብታት ውጽኢት እንስሳ፡ ካብዞም ዝተዘርዘሩ ትሕዝቶታት መኣዛ ዳርጋ ዘይብሎም ኣለው። በቲ ካልእ ወገን፡ መግቢ ውጽኢት እንስሳ፡ ዝያዳ ኮሌስትሮልን ስብሕን ይርከቦም። ቪታሚናት "ቢ12"ን "ዲ"ን ኃዊስካ፡ ካብ ናይ ኣትክልቲ ቁሩብ ብዝሕ ዚብል መጠን ፕሮቲን'ውን ኣለዎም። ብርግጽ፡ ካብዚ ዝተገልጸ ፍልይ ዝበለ ኣመጣጥና'ውን ኣሎ። ሓደሓደ ጥረታትን ካልኦት ዘርእታትን፡ (ንኣብነት ፉል፡ ስምስም) ልዑል ትሕዝቶ ቅብኣትን ፕሮቲንን እንኪህልዎም፡ ሓደሓደ መግብታት ውጽኢት እንስሳ ከኣ፡ ብመስርሕ ምጒዳል (ንኣብነት ብምሕቋንን ምፍላይን)፡ ትሑት መጠን ቅብኣት ይህልዎም። ቁሩብ ጥልቕ ኢልና እንተተዓዘብና፡ ናይ ዘርእታትን ጥረታትን ቅብእን ፕሮቲንን፡ ካብ ናይ ውጽኢት እንስሳ ብዝተፈልየ፡ ዝያዳ ጥዕና ዚህቡ ኢዮም። ሕማም ምስ ዚከላኸሉ ባእታታት ከኣ ኃቢሮም ይንቀሳቐሱ። በቲ ካልእ ወገን፡ ዝተመስርሐ፡ ትሑት መጠን ቅብኢ ዘለዎ መግቢ ውጽኢት እንስሳ፡ ብመጠኑ ኮሌስትሮል፡ ብዙኅ ፕሮቲን፡ ብኣዝዩ ውሑድ ወይ ከኣ ብዘይ ሕማም ዚከላኸሉ ባእታታት ወይ ፈትልታት ጭዋዳ ዚቖሙ ኢዮም።
ብኣመጋግባ ዚመጽእ ለውጢ ብቐዳምነት ኣብ ትሕዝቶታት መኣዛ ስለዚምርኮስ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይዞም ፍልልያት ከኣ፡ ኣብ ሞንጎ መግብታት ውጽኢት እንስሳን ኣትክልትን ዘሎ ትሕዝቶን ኣቃውማን መኣዛታት ስለዝኾነ፡ ከከምቲ እንበልዖ መግቢ ኣብ ኣካላትና ዝተፈልየ ውጽኢት ክንጽበ ንኽእል።
ሓደ ቀመማዊ ባእታ መግቢ፡ ኣገዳሲ ንኪኸውን ከማልኦም ዘለዎም ክልተ ረቛሒታት፥ ንጥዑይ ኣካላዊ ጥቕምታት ኣገዳሲ ምስ ዚኸውን፡ ኣካላትና ባዕሉ ስለዘይፍርዮ ክንወስዶ ምስ ዚግብኣና ኢዮም።
ንኣብነት፡ ንኣካላትና ኣገደስቲ ካብ ዘይኮኑ፡ ብዘይካ ኣብ ውጽኢት እንስሳ፡ ኣብ ኣትክልቲ ዘይርከቡ ቀመማት ኮሌስትሮል ኢዩ። ኮሌስትሮል ንጥዕናና ኣገዳሲ'ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ'ቲ ዜድልየና ኣካላትና ባዕሉ ከፍርዮ ስለዚኽእል ኣብ መግብና ኪህሉ ኣየድልን ኢዩ። በዚ ምኽንያት'ዚ ኣገዳሲ ቀመማዊ ባእታ ኣይኮነን።
ኣርባዕተ ኣብ መግብታት ውጽኢት እንስሳ ዚርከቡ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣትክልቲ ግን ዘይርከቡ ትሕዝቶታት መኣዛ፡ ኮሌስትሮል፡ ቪታሚናት "ኤ"፡ "ዲ"ን "ቢ-12"ን ኢዮም። ሠለስተ ካብዚኣቶም ኣገደስቲ ዘይኮኑ ትሕዝቶታት መኣዛ ኢዮም። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ፡ ኮሌስትሮል ብተፈጥሮ ኣካላትና የፍርዮም፡ ቪታሚን "ኤ" ብኣካላትና ካብ "ቤታ-ካሮቲን" ኪፈሪ ይኽእል፡ ቪታሚን "ዲ" ከኣ፡ ኣብ ሠሣልስቲ ንርብዒ ሰዓት ዚኣክል ፀሓይ እንተተጸሊውና ኣካላትና ብቐሊሉ ከፍርዮም ይኽእል። እዞም ክልተ ቪታሚናት ብልዑል ዓቐን ምስ ዚውሰዱ መርዛማት ኢዮም። እዚ ከኣ፡ ኣካላትና ዜድልዩሉ መጠንን እዋንን እናተቖጻጸረ፡ ኣብቶም ነኣኦም ንምፍራይ ዚሕግዙና፡ "ቤታ-ካሮቲ"ን ምጽላው ፀሓይን ምምርኳስ ከም ዚኃይሽ ሓደ ተወሳኺ መርኣዪ ኢዩ። ንቪታሚን "ቢ-12" ዝያዳ ኣጸጋሚ ዚገብሮ፡ ኣብ መሬትን ኣብ ከርሲ እንስሳታትን (ናትና ሓዊስካ) ብዚርከቡ ደቀቕቲ ሕዋሳት ስለ ዚፈርይ ኢዩ። ኣካላትና ነቲ ዘፍርዮ ዓቐን፡ ብዚድለ መጠን ስለ ዘይቀስሞ፡ ከም መመላእታ፡ ቪታሚን "ቢ-12" ፡ ኣብ መግብና ክንወስድ ኣገዳሲ ይኸውን። ብዘእምን መጽናዕታዊ ምርምራት ከም ዝተረጋገጸ፡ እኹል መጠን ቪታሚን "ቢ-12" ኣብ ዘለዎ ጥዑይ መሬት ዝፈረዩ ኣትክልቲ ነዚ ትሕዝቶ ብቐሊሉ ብምምጻው ይሕዝዎ። ሕይወት ኣብ ዘይብሉ መሬትዝበቖሉ ኣትክልቲ ግን፡ ቪታሚን "ቢ" ኪሓጽሮም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሕ.መ.ኣ. መብዛኅትኡ ሕርሻ፡ ብተዛማዲ፡ ንዓመታት ተፈጥሮኣዊ ብዘይኮነ ቀመማት ጸረ-ባልዕን ድዂዕን ዝሓረረ፡ ሕይወት ኣብ ዘይብሉ መሬት ስለዚካየድ፡ እቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ መሬት ፈርዮም ናብ ዕዳጋ ዚወርዱ ፍርያት ቪታሚን "ቢ" ዝሓጽሮም ኢዮም። ኣብ ልዕል'ዚ፡ እንነብረላ ዓለም፡ ኣብ መሬት ምስ ዚርከቡ ቪታሚን "ቢ-12" ዘፍርዩ ደቀቕቲ ሕዋሳት ዘይንራኸበላ ትኸውን ኣላ። ኣብ ዝኃለፈ ምዕራፍ ታሪኽና ኩሉ ዘድልየና ቪታሚን "ቢ-12" መሬት ካብ ዘይተነፍጎም ኣሕምልቲ ንረኽቦ ነይርና። መግብታት ውጽኢት እንስሳ ከይበላዕና፡ ብዘመናዊ ሕርሻ ካብ ዝበቖለ "ጽሩይ" ፍርያት ኣትክልቲ ጥራሕ ብምብላዕ እኹል ቪታሚን "ቢ-12" ንረክብ ከም ዘየለና ምግማት እምበኣር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።
ኅብረተሰብና ኣብ መመላእታ መኣዛታት ንዘለዎ ሕሉፍ ትዂረት፡ ካብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነ ኃበሬታ ትሕዝቶ መኣዛታት ዘባዂሮ ይኹን'ምበር፡ መመላእታ መኣዛታት ኩሉ ሳዕ ኬወግድ ኣለዎ ንምባል ግን ኣይኮነን። ኣካላትና ክሳዕ ሠለስተ ዓመት ዜገልግሎ መጠን ቪታሚን "ቢ-12" ከም ዚዓቊር ይግመት። ንሠለስተ ዓመታት ወይ ልዕሊኡ ውጽኢት እንስሳ ዘይተመገቡ፡ ጥኑሳት፡ ወይ ዜጥብዋ፡ ጸጸኒሖም ትሑት መጠን መመላእታ ቪታሚን "ቢ-12" ምውሳድ፡ ወይ ከኣ ኣብ ዓመት ሓደ ሳዕ ናብ ሓኪም ብምቕራብ፡ ኣብ ኣካላቶም ዘሎ መጠን "ቢ-12" ምምርማር ኣድላዪ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ብኅልፊ ኣብ ወርሓት ክረምቲ፡ ጸሓይ ፈጺምና እንተዘይተጸሊውና፡ መመላእታ ቪታሚን "ዲ" ምውሳድ የድልየና። ብዝተኻእለ መጠን ውሑድ ዝዓቐኑ መመላእታ ቪታሚን ምውሳድን፡ ደገ ንምውጻእ ጻዕሪ ምግባርን ሸለል ኪበሃል የብሉን። ሓድሽ፡ ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ኣብ ስቡሕ መሬት በቚሉ ካብ ዝፈረየ ውጽኢት ኣትክልቲ ምምጋብን፡ ደገ ምውጻእ ምዝውታርን ናይዞም ዘልዓልናዮም ጸገማት ዝበለጸ መፍትሒ ስለዝኾነ፡ ነዞም መመላእታታት "ካብ ተፈጥሮ ዝፈልዩና ከኒናታት" ቢልና ክንጽውዖም ንኽእል። እዚ ናብ ተፈጥሮኣዊ መነባብሮና ዚመልሰና ንእሽቶ ዚመስል ውሳኔ፡ ኪጽብጸብ ዘይከኣል ጥቕምታት የጎናጽፈና።
መ.ው.ኣ. መግቢ ውጽኢት ኣትክልቲ
መ.ው.እ. መግቢ ውጽኢት እንስሳ
* (ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ንምፍራይ ዚሕግዝ)
** (ፈትልታት ጭዋዳ ኣትክልቲ)
ግ = ግራም
ሚግ = ሚሊግራም
ማግ = ማይክሮግራም
መምርሒ 4
መፈጠራት፡ ብምንቃሕን ምድቃስን (ብምውላዕን ምጥፋእን) ዚዓዩ ደኣምበር, ባዕላቶም ንበይኖም ወሰንቲ ሕማም ኣይኮኑን፡
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
መበቆል ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕማም መፈጠር (genetic) ኢዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝረኃቐ ኣይኮነን። መፈጠርና ናይ መላእ ኣካላትና ምስጢር-ሕጊ (code) ጽቡቕን ሕማቕን ኢዩ። ሕማም መንሽሮ፡ ሕማም ርጒደት፡ ሕማም ሽኮር ውይ ድኻም ልቢ፡ ሕይወት'ውን ባዕላ፡ ብዘይ መፈጠር ክትህሉ ኣይትኽእልን።
በዚ ምኽንያት'ዚ ኢዩ ከኣ፡ ኣየናይ መፈጠር ጠንቂ ናይ ኣየናይ ሕማም ምዃኑን፡ ብኸመይ ኪዕገት ከምዚከኣልን ንምፍላጥ ዘይተኣደነ ገንዘብ እናወጽኣሉ ዚጸዓር ዘሎ። ሓደ ሓደ ደቀንስትዮ ምስ ምሉእ ጥዕናአን እንከለዋ፡ ኣጥባተን ብመጥባሕቲ ዚኣልያ'ውን፡ ምስ ሕማም መንሽሮ ዚራኸብ መፈጠር ስለዘለወን ኪኸውን ይኽእል። በዚ ምኽንያት'ዚ 'ውን ይኸውን ኣብ ዝኃለፈ ዓሠርተታት ዓመታት፡ መብዛሕትኡ ንሥነ-ፍልጠት ጥዕና ካብ ዝተገብረ ወጻኢታት ኣብ ምርምር መፈጠር ዝወዓለ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮርኔል ጥራሕ፡ "ተበግሶ ሕይወታዊ ሥነ-ፍልጠት" ንምምስራት $500 ሚልዮን ይውህለል ኣሎ። መብጽዓ ናይዚ ተበግሶ'ዚ ከኣ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዚካየድ መደባት ምርምርን ትምህርትን ሕይወታዊ ሥነ-ፍልጠት ንሓዋሩ ምልዋጥ ዚብል ኢዩ። ሓደ ካብ እዚ መደብ'ዚ ዘካይዶ ዋና ድፍኢት፡ ንዂላቶም መሣርዕ ሥነ-ፍልጠት፡ ንዂሉ ዚሓቊፍ ጽላል ምርምር መፈጠር ምውኅኃድ ዚብል፡ ኣብ ታሪኽ እዚ ዩኒቨርሲቲ ዝዓበየ ሥነ-ፍልጠታዊ ጻዕሪ ኢዩ።
እንተኾነ፡ እዚ ኲሉ ኣብ መፈጠር ዚግበር ትዂረት፡ ሓደ ርኡይን ኣገዳስን ነጥቢ ይስሕት። ኲላቶም መፈጠራት፡ ኲሉ ጊዜ ምሉእ ብምሉእ ኣይነቕሑን (ኣይውልዑን) ኢዮም። ምስ ዘይነቕሑ (ዘይውልዑ) ከኣ፡ ኣብ ሕይወተ-ቀመማዊ ድቃስ ተደጒሎም ይጸንሑ።ድጒላት መፈጠራት ኣብ ጥዕናና ዜኸትልዎ ሳዕቤን የብሎምን። እዚ ሓቅ'ዚ ንመብዛኅትኦም ሰባት ፡ተመራመርቲ ይኹኑ ኣይኹኑ፡ ግሉጽ ኢዩ። ኣብ ናይዚ ሓሳብ'ዚ ኣገዳስነት ዘሎ ርድኢት ግን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ንገለ መፈጠር ደጒሉ ንኻልእ ዜንቅሕ እንታይ ምሥጢሩ ኮን ይኸውን እንተበልና፡ መልሱ ኣከባቢ ኣውራ ከኣ ኣመጋግባ ኢዩ።
ንመፈጠር ከም ዘርኢ እንተወሲድናዮ፡ ጽቡቕ መጋቢ መሬት፡ ማይን ብርሃን ፀሓይን ዘይረኸበ ዘርኢ ዓብዩ ተኽሊ ከም ዘይከውን፡ ዝኾነ ይኹን ንፉዕ ሓረስታይ ዚፈልጦ ኢዩ። መፈጠር'ውን፡ ብዘይግቡእ ኣከባብያዊ ደገፍ ኣይነቕሑን ኢዮም። ኣብ ኣካላትና፡ ንምንቃሕ መፈጠር ዚውስኑ ኣከባብያዊ ረቛሕቲ መኣዛታት ኢዮም። ኣብ መምርሒ #3 ከም ዝተገልጸ፡ እቶም ንሕማም መንሽሮ ጠንቂ ዝኾኑ መፈጠራት፡ ብቐንዱ ትሕዝቶ ፕሮቲን ብምምጋብ ዚተጸልው ኢዮም። ብሓደ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ከም ዝተረጋገጸ፡ መጠን መግቢ ፕሮቲን ውጽኢት እንስሳ ብምቊጽጻር ንሕማቕ መፈጠራት ምንቃሕን ምድቃስን (ምውላዕን ምጥፋእን) ይከኣል።
ብተወሳኺ፡ ካብ መጽናዕቲ ኣመጋግባ ቺና ዝተረኽበ ውጽኢት ምርምር፡ ተመሳሳሊ ዓሌት ዘለዎም ሰባት፡ ብሰፊሕ ዚፈላለዩ ደረጃታት ሕማም ከምዘለዎም ኣርእዩ። ሰባት ተመሳሳሊ መፈጠር ዘለዎም ክነሱ፡ ብምኽንያት ዝተፈላለየ ኣከባቢ፡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ። መንበሪኦም ኣርሒቖም ዝቐየሩ (ዝተሰደዱ) ሰባት፡ ንሓደጋ ናይቲ ዝተሰደድሉ ሓድሽ ቦታ ሕማማት ከም ዚቃልዑ ኣብ ብዙኃት መጽናዕትታት ተሰኒዱ ይርከብ። መፈጠሮም ዘይተቐየረ ክነሱ፡ ግዳያት ናይ ኣብ ዝነበርዎ ቦታ ዘየለውን ዘይተሰምዑን ዓይነት ሕማማት ይኾኑ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝተናውሐ ጊዜ፡ ብሥነ-ሕይወታዊ ተኽእሎ ንመፈጠር ዘይነላግበሉ፡ ዓበይቲ ለውጥታት ደረጃታት ሕማም ተዓዚብና። ኣብ ዝኃለፉ 25 ዓመታት፡ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ሕማም ርጒደት ብሚእታዊት እንኪዕቀን ካብ 15% ናብ 30%፡ ብዕጽፊ ወሲኹ። ሕማማት ሽኮር፡ ድኻም ልብን ካልኦት ሕማማት ርኽበት (affluence)፡ ክሳዕ ቀረባ እዋን ሳሕቲ ኢዮም ዘጋጥሙ ነይሮም። ምሥጢር-ሕጊ መፈጠርና ኣብዚ ሓጺር ጊዜ፡ 25፡ 100፡ 500 ዓመታት'ውን እንተኾነ፡ ብሰፊሑ ተቐይሩ ክንብል ኣይንደፍርን።
መፈጠር፡ ንዂሉ ሥነ-ሕይወታዊ መስርሕ ወሳኒ ኢዩ ካብ ምባል ኃሊፍና፡ ምንቃሕ መፈጠር ዝለዓለ ኣገዳስነት ከምዘለዎን፡ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣከባቢ፡ ኣውራ ከኣ ኣመጋግባ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣለና።
ናይዚ መፈጠራዊ ምርምር ዝበኣሰ ዕሽነት፡ ንመፈጠርና ብቐሊሉ ክንርድኦ ከምንኽእል ምሕሳብ ኢዩ። ከምኡ ግን ኣይኮነን። ንኣብነት ቅድሚ ቀረባ ጊዜ፡ ተመራመርቲ ናይ ነኣሽቱ ሓሳኹ ዓሌት መፈጠራዊ ሥርዓት ክብደት ኣጽኒዒም። እዞም ተመራመርቲ፡ 16757 መፈጠራት በብሓደ እናንቅሑ፡ ኣብ ክብደት ንዚህልዎም ጽልዋ ብምዕዛብ፡ 417 ንኽብደት ዚጸልው መፈጠራት ረኺቦም። እዞም ኣማኢት መፈጠራት'ዚኣቶም፡ ኣብ ዝተናውሐ ጊዜ ንሓድሕዶምን ምስቲ ብዘይምቊራጽ ዚለዋወጥ ኣከባቢኦምን ብኸመይ ተዋሲኦም ክብደት ከም ዚውስኹ ወይ ዚንክዩ፡ ኣዝዩ ዝተኃላለኸ ምሥጢር ኢዩ። ጎየዝ (Goethe) ዝተባህለ ዓብይ ጀርመናዊ ደራሲ፡ እንፈልጦ ውሑድ ምስዚኸውን ጥራሕ ኢና ብትኽክል ንፈልጥ፡ ምስ ፍልጠት ጥርጣረ ይውስኽ።
ምንቃሕ ወይ ምውላዕ ምሥጢር-ሕጊ መፈጠርና ናይ ሕይወታውያን ቀመማት ኣእላፋት ዝተኃላለኹን ዝተወሃሀዱን ኣድማሳዊ ተግባራት ይውክል። ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝተኃላለኹ ምሉኣት ሥርዓታት ሕይወታዊ ቀመም ዚውክል ሥነ-ኣመጋግባ ሓዊስካ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሥርዓታት ይዋሳእ። ብምርምራት መፈጠር፡ ንተፈጥሮ ኣቃሊሉ ዚወስድ፡ ካብ ዘሎናዮ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት፡ ንድኅሪት እንጎዓዘሉ ጎደና ሃሰው ንብል ከይንህሉ ዘጠራጥር ኢዩ።
እዚ ኲሉ ዝተባህለ "መፈጠር ኣየገድስን ኢዩ" ንምባል ኣይኮነን። ንኽልተ ኣብ ሓደ ኣከባቢ ዚነብሩ ሰባት፡ ሓደ ዓይነት ስጋ ዝበዝሖ መግብታት ንዝተረፈ ምሉእ ሕይወቶም እንተመጊብናዮም፡ ሓዲኦም ኣብ መበል 54 ዓመቱ ብወቕዒ ልቢ፡ እቲ ካልእ ከኣ ኣብ መበል 89 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም መንሽሮ እንተሞቱ ኣየገርምን ኢዩ። "እዚ ፍልልይ ብምንታይ ኪግለጽ ይከኣል?" እንተበልና ብመፈጠር ኢዩ። መፈጠር ጠንቂ ምዝዛይ መጻኢ ተቓልዖና ኢዩ። ኲላትና ብምኽንያት ዝተፈላለየ መፈጠርና ንዝተፈላለየ ሕማማት ዜቃልዕ ሓደጋ ኣሎና። እንተኾነ፡ ነየኖት ሓደጋታት ከም እንቃላዕ'ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ብኸመይ ከም እንቆጻጸሮም ግን ንፈልጥ ኢና። መፈጠርና ብዘየገድስ፡ ንኣካላትና ዜድሊ ብሉጽ ኣከባቢ፡ ንሱ ከኣ ብሉጽ ኣመጋግባ ብምቕራብ፡ ኲላትና፡ ነቶም ዜጥዕዩና መፈጠራት ክነንቅሖም ዘሎና ዕድል ክነብዝኅ ንኽእል ኢና። ሽሕ'ኳ ነዞም ኣብ ላዕሊ ከም ኣብነት ዝወሰድናዮም ክልተ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ብዝተፈላለዩ ሕማማት እንተተጠቕዑ ፡ ክልቲኦም፡ ዝኃሸ ኣመጋግባ ብምዝውታር፡ ዝነውሐን ዝጠዓየን ዕድመ ኪነብሩ ምኸኣሉ።
መምርሒ 5
ሥርዓተ ኣመጋግባ ንመብዛሕትኦም ሳዕቤናት ጎዳእቲ ቀመማት ኪቆጻጸር ይኽእል።
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ዛንታታት ናይ ጠንቂ ሕማም መንሽሮ ዝኾኑ ቀመማት ኣብ ፈቐዶ ጋዜጣታት ኣዘውቲሮም ይሕተሙ። ብልዑል መጠን ዋዒ ዚፍጠሩ፡ ንመመቀሪ ዚፈርዩ፡ ኣብ ትምባኾ፡ ብዘይቲ ዝተቖልወ ስጋ፡ ዓሳ፡ ከምኡ'ውን መስተታት ዚርከቡ፡ ንዕቤት፡ ምብሳልን ሕብርን ንምቊጽጻር፡ ንጸረ-ባልዕ፡ ዚፈርዩ፡ ከምኡ፡ውን ሰበባ ዚፈጥሩ፡ ዝተፈላለዩ ጎዳእቲ ቀመማት፡ ምስ ሕማም መንሽሮ ርክብ ከም ዘለዎም ብናይ ምርምር ፈተነታት ተረጋጊጾም ኢዮም።
መንሽሮ ብእኩይ ብልሃት ናብ ሰብነትና ሰሊኾም ብዚኣትዉ መርዛማት ቀመማት ዚስዕብ ሕማም ኢዩ ዚብል፡ ብዙሓት ሰባት ዝተቐበልዎ ርድኢት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጥዕና ዘለዎም፡ስክፍታ እንኪገልጹ፡ ንእንስሳታት ብምውጋእ ዚዝርግሑ ዝተፈላለዩ ቀመማትን ኣፋውስን ይጠቕሱ። በዞም ተፈጥሮኣዊ ዘይኮኑ ቀመማት ዘይተበከለ፡ ስጋ ምምጋብ ውሑስ ኢዩ ካብ ዚብል ግምት ዝነቐለ ኢዩ። እቲ ሓቀይና ሓደጋ ምምጋብ ስጋ ግን፡ እዞም እኪት ቀመማት ይሃልዉ ኣይሃልዉ፡ ናይ ትሕዝቶ መኣዛታት ምዝባዕ ዜምጽኦ ጸገም ኢዩ። ቅድሚ ነዞም ቀመማት ኣብ ኣመጋግባና ምትእትታውና፡ ሰባት ብብዝኂ መግብትስት ውጽኢት ስጋ ብምምጋብ ሕማማት መንሽሮን ድኻም ልብን ይኅዞም ነይሩ ኢዩ።
እቲ ንቐመማት ዚምልከት ዝዓበየ ኣብነት ዝንቡዕ መረዳእታ ናይ "ስኽፍታ ሕዝባዊ ጥዕና"$30 ሚልዮን ዝወድአ፡ ንልዑል ደረጃ መንሽሮ ጡብ ዚምልከት፡ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ኣብ ነዊሕ ደሴት "Long Island" ኒውዮርክ ዝተኻየደ መርመራ ኢዩ። ንሱ ከኣ፡ ብዚግባእ ዘይተሓስበሉን ንምእማኑ ዜሸግርን፡ ካብ ኢንዱስትርያዊ ቦታታት ዚወጽእ ቀመማዊ ብከላ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብራ ደቀንስትዮ ሕማም መንሽሮ ጡብ የምጽኣለን ኣሎ ቢሉ ዚሓስብ ኢዩ።
ካልእ፡ ብብዝኂ ከም ኣብ ቅልዋ ድንሽ ዝኣመሰሉ፡ ብዘይቲ ኣብ ዝተቐልው ወይ ዝተመስርሑ መግብታት ዚርከብ፡ ሕማም መንሽሮ ከየምጽእ ተባሂሉ ዜሰክፍ ቀመም ኢዩ። እዚ ዚእንፍቶ ከኣ፡ ሽሕ'ኳ ንጥዕና ጎዳእቲ ምዃኖም እናቐጸሉ ከለው፡ ነዚ ቀመም'ዚ እንተወጊድና፡ ኣብ ጨውን ስብሕን ተኣሊኹ ዝተቖልወ ድንሽ ንምብላዑ ዋሕስ ጥዕና ገይሩ ዚሓስብ ኢዩ።
መብዛሕትና፡ ንሓደ ዘይተዓደለ፡ ተረካቢ ዕዳ ገይርና ክንቆጽር ንደሊ። ነቶም ኣዚና እንፈትዎም መግብታት፡ ብምኽንያት ትሕዝቶ መኣዛታቶም ጥራሕ፡ ከም ምንጪ ጸገም ገይርና ክንቆጽሮም ኣይንደልን።
ንጸላም ከብዲ ኪጎድእን ሕማም መንሽሮ ኬምጽእን ዚኽእል ሰበባ ዚፈጥር ቀመም፡ ምሉእ ብምሉእ ብኣመጋግባ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና። ትሑት መጠን ፕሮቲን ክሳዕ ዝተመገባ፡ ብዙሕ መጠን ናይ'ዚ ቀመም ዘለዎ ትሕዝቶ ዝተመገባ ኣናጹ፡ ጥዑያት፡ ንጡፋትን ካብ መንሽሮ ነጻን ኪኾና ይኽእላ። ንሕማም መንሽሮ ክሳዕ ዝጠቐሰ፡ ሓደ ንእሽቶ ውጽኢት ምርምር'ውን፡ ብኸመይ ዓብይ ኣርእስቲ ዜና ከም ዚኸውን ርኢና ኢና። ንኣብነት፡ ንናይ ፈተነ እንስሳታት ንኣዝዩ ልዑ መጠን ቀመም ብምቅላዕ ዝበዝሐ ቊጽሪ ሕማም መንሽሮ እንተጋጢሙ፡ እቲ ቀመም ከም ጠንቂ ናይ ሕማም መንሽሮ ገይሩ ዚእውጅ ምንፋሕ ጥሩንባ ይስዕብ። እንተኾነ፡ ልክዕ ከም መፈጠር፡ ናይዞም ቀመማት ንጥፈት'ውን በቲ እንምገቦ ትሕዝቶ መኣዛታት ምቊጽጻር ይከኣል ኢዩ።
እሞ እዞም ኣብነታት'ዚኣቶም እንታይ ይነግሩና፧ ካብ ቀመማትን ኣፋውስን ዝተወግአ ስጋ ርኂቕና፡ ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ናይ ዝዓበዩ እንስሳታት ስጋ ብምብላዕና ኣዝዩ ብሉጽ ምርጫ ኣይንወስድን ዘሎና። ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ዝፈረየ ስጋ ብውሱን መጠን ዝኃሸ ኪኸውን ይኽእል፡ ንጥዕናና ውሑስ ምርጫ ኢዩ ንምባል ግን ኣይንደፍርን። ክልቲኦም ዓይነታት ስጋ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ መኣዛታት ኢዩ ዘለዎም።
ብዛዕባ እዚ መምርሒ እዚ፡ ብኻልእ መገዲ ምሕሳብ ጠቓሚ ኢዩ። ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ንኺምዕብል ዓመታት ኢዩ ዚወስድ። እቲ ኣርእስቲ ዜና ዚኸውን ግን፡ እቲ ሕማም መንሽሮ ፈለማ ዜበግስ ቀመም ኢዩ። እቲኣርእስቲ ኮይኑ ዘይቀርብ፡ እቲ ሕማም ድኅሪ ፈለማ ምብጋሱ፡ ኣብ ዝተናውሐ ጊዜ ከም ዚምዕብልን፡ ኣብ ጊዜ ምስግጋሩ፡ ብኣመጋግባ ኪቀላጠፍ ወይ ኪጽቀጥ ከም ዚኽእል ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እዚ ሕማም'ዚ መጒዳእቲ ኣብ ዜስዕበሉ ደረጃ ንኺበጽሕ ወይ ንኸይበጽሕ፡ ኣመጋግባ ዝለዓለ ወሳንነት ኣለዎ።
መምርሒ 6
እቲ ንሕማም ኣብ ፈለማ ዚከላኸል ኣመጋግባ፡ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ምስ ሰፈረ'ውን ደው ከብልን ኬሕውዪን ይኽእል።
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ሕዱር ሕማም ንኺምዕብል ዓመታት ከም ዚወስድ ምድጋሙ ጠቓሚ ኢዩ። ንኣብነት፡ ሕማም መንሽሮ ጡብ ኣብ እዋን ግርዝውና ከም ዚጅምርን፡ ክሳዕ ምቊራጽ ጽግያት ኪፍለጥ ከም ዘይክእልን ዚብል ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ ከኣ ንብዙኃት፡ "ግዜኡ ምስ ኃለፈ ኪግበር ዚከኣል ነገር የልቦን" ዚብል ግጉይ ትርጉም ኪህብ ይኽእል። እሞ እዘን ደቀንስትዮ እዚኣተን፡ ሓንሳእ ስለ ዝተኾነና፡ ሽጋራ የትክኻን ብዘይቲ ዝተቐልወ ስጋ ደርሆ ይብልዓን'ምበር! ንምባል ድዩ፧ እቶም ብዙኃት ካባና ድሮ ኣብ ኣካላትና ሕዱር ሕማም ሒዙና ዘሎ'ኸ ድኅሪ ቊሩብ ዓመታት ኣብ ውሽጥና ክሳዕ ዚትኮስ ንጸበ ድዩ፧
ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ፡ ዕቤት ናይ ኣብ ፈተነ እንስሳታት ዝጀመረን ዚምዕብልን ሕማም መንሽሮ፡ ብጽቡቕ ኣመጋግባ ዕብየቱ ምግታእን ቀስ ምባልን፡ ምቊራጽ፡ ምጒዳል'ውን ይከኣል ኢዩ። ብተመሳሳሊ፡ ጽቡቕ ኣመጋግባ ካብ ኲላቶም ደረጃታት ሕማም ናብ ዝበለጸ ጥዕና የብጽሓና። ብምርምር ከም ዝተረጋገጸ፡ መግብታት "ምልኣተ-ኣትክልት" ዝተመገቡ ሰባት፡ ካብ ሕዱር ሕማም ድኻም ልቢ ኪሓውዩ፡ ክብደቶም ኬጒድሉ፡ ሕሙማት ሽኮርያ ሓውዮም መድኃኒቶም ኣቋሪጾም ናብ ናይ ቀደም ጥዑይ ናብራኦም ኪምለሱ ርኢና። ብዝተኻየደ ኣመጋግባን ኣነባብራን ናይ ምቕያር ካልእ ምርምር'ውን፡ ሕዱር ሕማም መንሽሮ ቆርበት ዘምጽኦ ጥረ፡ ከም ዚሓቅቕን ዚሓውይን ኣርእዩ።
ብርግጽ ገለ ሕማማት ዘይሓውዩ ይመስሉ ኢዮም። መን ይፈልጥ እቶም ጸረ-ኣካል ዝኾኑ ሕማማት ካብ ኲሉ ዝገደዱ ኢዮም፡ ምኽንያቱ፡ ሓንሳእ ኣካላትና ኣንጻር ገዛእ ርእሱ ምስ ዚለዓል ደው ዜብሎ ኣይክህልዎን ኢዩ ቢልና ስለ እንፈርሕ ኢዩ። ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ እዞም ሕማማት እዚኣቶም ብኣመጋግባ፡ ብዜደንቕ መገዲ ኪዕገቱን፡ ኪውገዱን ይኽእሉ ኢዮም። ቀዳማይ ዓይነት (Type one) ሽኮርያ ዝሓመሙ፡ ብቕኑዕ ኣመጋግባ መጠን መድኃኒቶም ኪንክዩ ከም ዚኽእሉ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ምዝካር የድሊ። ቅርጥማትን ካልኦት ሕማማት ኣዕጽምትን'ውን ብኣመጋግባ ኪዕገቱ ከም ዚኽእሉ ምርግጋጽ ተኻኢሉ ኢዩ።
ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና ከም ዚኃይሽ ዚእመን ሓቂ ኢዩ። ኣብ ሕይወትና ኣቐዲምና ጥዑይ ኣመጋግባ ምዝውታር ምስ እንጅምር፡ ዝኃሸ ጥዕና ከም ዚህልወና ይእመን። እቶም ድሮ ዝተፈላለየ ሕማማት ፆይርና ዘለና ግን፡ ሕጂ'ውን ኣመጋግባ ቀንዲ ተራ ከም ዚጻወት ክንዝንግዕ የብልናን
መምርሒ 7
ጽቡቕ ሥርዓተ ኣመጋግባ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ጽቡቕ ሥርዓተ ኣመጋግባ፡ ኣብ ኲሉ ዓውድታት ህላወና ጥዕና ይፈጥር። ኲላቶም ክፋላት (ኣካላትና) ንሓድሕዶም ዝተዋሰቡ ኢዮም።
ኣብ ዝኃለፈ ቀረባ እዋናት ብዛዕባ ምልኣታዊ (holistic) ዚብል ኣምር ብዙኅ ተዘሪቡ ኢዩ። እዚ ጽንሰ-ሓሳብ'ዚ፡ ብዝተፈላለዩ ሰባት ንዝተፈላለዩ ነገራት ዝተፈላለየ ትርጉም ኪወሃቦ ዚከኣል ኢዩ። ብዙኃት ሰባት ንኹላቶም "ኣማራጺ" መድኃኒታትን ንጥፈታትን ናብዚ ጽንሰ-ሓሳብ'ዚ ደራሪቦም ኪጥቕልልዎ ይፍትኑ። በዚ ዓይነት እዚ፡ ምልኣታዊ ጥዕና እንተተርጒሙ ነዞም ዚስዕቡ ኬስምዕ ይኽእል፤ ምቊጽጻር መድመይቲ (acupressure)፡ ባህላዊ ሕክምና ቺና (acupuncture)፡ ዕጽዋታዊ ሕክምና (herbal medicines)፡ ኣስተንትኖ (meditation)፡ መመላእታ ቪታሚናት፡ ቆራዕራዓዊ ሕክምና (chiropractic)፡ ኣስተንትኖኣዊ ምምጥላዕ ባህሊ ህንዲ (yoga)፡ መኣዛዊ ሕክምና (aroma therapy)፡ መንፈሳዊ ሕክምና ቺና (Feng Shui)፡ ምድራዝ (massage)፡ ከምኡ'ውን ሕክምና ብድምጺ (sound therapy)።
ብሓሳብ፡ ምስ ምልኣታዊ ሕክምና ክንሰማማዕ'ኳ ንኽእል እንተኾንና፡ ነቲ ቃል ቆንጺልና ብምውሳድ፡ ንዘዝሰማዕናዮ ዘይሥሩዕ፡ መን ይፈልጥ'ውን ዘይተረጋገጸ ሕክምናታት ንምምልካት ኣይኮነን። ንኣብነት፡ መግብን ትሕዝቶ መኣዛታትን፡ ንጥዕናና መሰረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎም። ኣመጋግባ ከኣ ምስ ዓለምና እንገብሮ ንውሽጥና ኣዝዩ ቀረባ ዝኾነ ተራኽቦን፡ ነቲ እንምገቦ ክፋል ኣካላትና ዚገብርን መስርሕ ኢዩ። ከም ምንቅስቓስ ኣካላትን ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ከምኡ'ውን ውሑስ ዝኾነ መንበሪና ዝኣመሰሉ ካልኦት ተሞክሮታት'ውን ኣገደስቲ ኢዮም። ነዞም ኲሎም ዓውድታት ኣብ ጥዕናና ዜጠቓልል ሓሳብ ኣገዳሲ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኲላቶም ንሓድሕዶም ዝተዋሰቡ ስለዝኾኑ። በዚ ምልኣታዊ ሓሳብ'ዚ ክንሰማማዕ ንኽእል።
እዞም እናሰፍሑ ዚኸዱ ምትኅኃዛት ኣብ እንስሳታት ብዚግበር ፈተነታት ርኡይ እናኾነ መጺኡ። እተን ትሑት መጠን ፕሮቲን ዝተመገባ ኣናጹ፡ ካብ ሕማም መንሽሮ ጸላም-ከብዲ ድኂነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ትሑት መጠን ኮሌስትሮል፡ ዝያዳ ኃይሊ ሃልዩወን፡ ዕጽፊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ናይተን ልዑል መጠን ፕሮቲን ዝተመገባ'ውን የዘውትራ ነይረን። ዝያዳ መጠን ኃይሊ ዘመልክት መርትዖ፡ ንነዊሕ እዋንን ኣብ ዝተፈላለዩ ኲነታትን ብዝተኻየዱ ትዕዝብትታት ተረጋጊጾም። ሰባት'ውን ጽቡቕ ምስ ተመገቡ ዝያዳ ኃይሊ ኣለዎም። እዚ ኣብ ሞንጎ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዘሎ ዜሳኒ ውሁድ ጸዓት ኣዝዩ ኣገዳስን፡ እዞም ክልተ ክፍልታት ሕይወት ዘይነጻጸሉን ምዃኖም መርኣያ ኢዩ። ጽቡቕ ኣመጋግባን ሥሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስን፡ በበይኖም ካብ ዚህብዎ ድምር ውጽኢት ንላዕሊ፡ ኃቢሮም ንሓደ ሰብ ዚህብዎ ጥዕና ይዛይድ።
ብተወሳኺ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ስምዒትናን ኣእምሮኣዊ ጥዕናናን ዜምጽኦ ለውጢ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣካላትና ቀመማት ዜምጽኦም ለውጥታት፡ ከም ሳዕቤኑ'ውን ንዂነተ-ኣእምሮናን ትዂረትናን ዜምጽኣሉ ለውጥታት ብዙኅ ተባሂሉ ኢዩ። ነዚ ብምልምማድና እንረኽቦ ጻማ ጽቡቕ ስምዒትን ንቕሓት ኣእምሮን፡ ብዝያዳ ርእሰ-ምትእምማንን ድርኺትን ተመጣጣኒ ኣመጋግባ ምዝውታር ንኽንቅጽሎ የበራትዓና። እቶም ብገዛእ ርእስና ጽቡቕ ዚስመዓና፡ ብጽቡቕ ኣመጋግባ ጥዕናና ክነኽብር ዝያዳ ዕድል ኣለና።
እናሓንሳእ፡ ነዞም ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕይወትና ንሓድሕዱ ብዚገራጮ ተግባራት ንመርሖ። "ንሕማቕ ኣመጋግባ ጎያዪ ብምዃን ክድምስሶ'ዶ እኽእል፧" ቢልና ንሓስብ። ሕጽር ብዝበለ መልሱ "ኣይፋል" ኢዩ። ጥቕምታትን ሓደጋታትን ኣመጋግባ፡ ካብ ናይ ካልኦት ንጥፈታት ጥቕምን ሓደጋን ንላዕሊ ዝዓበየን ወሳንን ኣገዳስነት ኣለዎ። ንምዃኑ'ኸ ንዂላቶም ጥቕምታት ብምሉኣቶም ክንረብሓሎም እናኸኣልና፡ ንምንታይ ኢና ኣብ ሚዛን ጥቕምን ጒድኣትን ተወሲንና ክነመዛዝን ንፍትን፧ ካልእ ዜተሓሳስበና፡ "እቲ ክንረኽቦ እንሓስቦ ጥቕምታት ጥዕና፡ ብምኽንያት ኣካላዊ ምንቅስቓስ'ዶ ወይስ ጽቡቕ ኣመጋግባ ይኸውን፧" ዚብል'ዩ። እዚ ሕቶ'ዚ ኣማስያኡ መጽናዕቲ ዜድልዮ ሕቶ ኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ግን እዞም ክልተ ወገናት ሕይወትና ንሓድሕዶም ዝተዋሰቡን፡ ጥዕናና ንምጥቃም ኮነ ንምጒዳእ ከኣ ኃቢሮም ከም ዚሰርሑን ኢዩ።
ኣብ ልዕል'ዚ፡ ንጥዕናና ዝበለጸ ሥርዓተ-ኣመጋግባ ምስ እንኽተል፡ እግረ-መገድና'ውን ምድርና ዝበለጸ ጥዕና ንኽህልዋ እጃምና ነበርክት። ኣመጋግባ ምልኣተ-ኣትክልት (Whole foods, plant-based) ምስ እንኽተል፡ ዝወሓደ ማይ ነህልኽ፡ ዝነኣሰ ቦታን ዝወሓደ ሃብትን ንጥቀም፡ ዝወሓደ ጎሓፍ ነፍርይ፡ ኣብ ኣንስሳታት ሕርሻና ዝወሓደ ሥቓይ ነውርድ። ጆን ሮቢንስ ዝተባህለ ተቓላሲ፡ ነዚ ጒዳይ'ዚ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍና ንኪዂሕኲሕ፡ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ጽዒሩ። ነዚ ንምርዳእ፡ መሰረታዊ ለውጢ ምግብና (Food Revolution) እትብል ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽአት መጽሓፉ ምንባብ ኣኻሊ ኢዩ።
ምርጫ ኣመጋግባና ኣብ ሕንጸት ኣካላትና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምጅማር፡ ምስፍሕፋሕን ሕማማትን፡ ሕውየት፡ ዚህልወና ኃይሊ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ጥዕናና፡ ከምኡ'ውን ኣከባብያዊ ዓለምና ዜገርም ጽልዋ ኣለዎ። እዞም ዝተፈላለዩ ዚመስሉ ኲላቶም ዓውድታት ንሓድሕዶም ዝተዋሰቡ ኢዮም።
ናይ ተፈጥሮ ጥበባት ብዝተፈላለየ መግለጺታት እንኪውጋዕ፡ ካብኡ ኃሊፉ'ውን ኃይልታት ተፈጥሮ ብግብሪ እንኪዓዪ ርኢናን ሰሚዕናን ኣሎና። ዕጹብ ድንቂ ብዝኾነ ስኒት ካብ ዝደቐቑ ባእታታት፡ ሰባት፡ እንስሳታት፡ ጫካታት፡ ውቅያኖሳት፡ እነተንፍሶ ኣየር ይዋስኡ። ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ'ቲ ዝገዘፈ፡ ተፈጥሮ ኣብ ስራሕ ነዚ ይመስል።
ሥነ-ምግባር ውርሻ-ገነት
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ሥነ-ምግባር፡ ኣብ ናይ ሞትን ስረትን ህሞት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ንሰብኣዊ ባሕርይ ዚጸልዉ ውልቃዊ ኮነ ማኅበራዊ ናይ ረብሓ ኣቃውማታት፡ ከም ልጓም ኮይኑ የገልግል። ሥነ-ምግባር፡ ብምንታይን ብኸመይን ከም ዝተደኰንና ብዝበለጸ በሪሁልናን ተበሪሁናን፡ ኣብ ዝተናውሐ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ውጽኢታት ፈላሊና ብምርዳእ ተዋሃሂድና ንኽንዓዪ ዚሕግዘና ባህላዊ ዕጥቂ ኢዩ። ኣብ ኣቕርቦት ጸዓት ዚምርኰስ ሰብኣዊ ሥልጣኔ እናዓበየ፡ መጠኑ እናበርከተ፡ ጻዕቁ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኅብረተሰብ እናተጠርነፈን ኣብ ዚኸደሉ፡ ባህላዊ፡ ካብኡ ኃሊፉ'ውን ሥነ-ሕይወታዊ ህላወና ንምውሓስ፡ ኣገዳስነት ሥነ-ምግባር ዝዓበየ ወሳንነት ኣለዎ። እዚ ንኸባብያዊ ሕይወት ዚጠቅም ሥነ-ምግባር ዘማእከለ ኣረኣእያ፡ ባህሊ "ምውራድ ቊልቊለት ጸዓት" ንኽነማዕብል ይድግፈና።
ፈለማ ኣብ ዝተጻሕፉ ዓንቀጻት ውርሻ-ገነት፡ ዘይከም መምርሒታት ኣካውና፡ መምርሒታት ሥነ-ምግባር ብንጹር ተዘርዚሮም ኣይንረኽቦምን። ሥልጠና ውርሻ-ገነት ካብ ዚምዕብል ንነጀው ግን፡ ሥነ-ምግባር ኣብ ትሕቲ'ዞም ዚስዕቡ ሠለስተ መሪሕ ጥቕስታት ተኣታትዮም ንረኽቦም።
ኃልዮት ምድሪ - ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዳግም ንሕነጽ! ኃልዪት ሕዝቢ - ንርእስና፡ ንቤተሰብናን ንማኅበረሰብናን ንዓንግል! ፍትሓዊ ምምቕራሕ - መጠን እነህልኾን እነራብሖን ደረት ንግበረሉ፡ ካብ ዘትረፍናዮ ነማቕል!
እዞም ዝተዘርዘሩ ጥቕስታት ሥነ-ምግባር፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ጥንታዊ ሃይማኖት ባህልታትን፡ ዘመናዊ ጉጅለታት ሥነ-ተራድኦን ብዝተኻየዱ ምርምራት ተጻርዮም፡ ናብ ማኅበራዊ ሥነ-ምግባር ዝኣተዉ ኢዮም። ካልኣይን ሣልሳይን ጥቕስታት'ኳ ንባዕሎም፡ ካብቲ ቀዳማይ ጥቕሲ ከም ዚመንጨው ክንርኢ ንኽእል።
ሥነ-ምግባር ኣብ ውሽጢ ምንቅስቓስ ውርሻ-ገነት ንዚካወኑ ስራሓት፡ ኣብ ዝሰፍሐ ዓለም ከኣ፡ ተመሳሳሊ ሓሳብ ምስ ዘለዎም ሰባት፡ ብተዛማዲ ከም ቀሊልን እሙንን መሰረት ከም መምሃርን መዘውተርን መሳራሒ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እዞም ዝርዝራት ሥነ-ምግባር፡ ብዝሰፍሐ፡ ንዂላቶም ሕዝብታት ኣብ ጒዕዞ ታሪኾም፡ ምስ መሬቶም ጥቡቕ ርክብ ንኽህልዎም ዝገበሩ ያታዊ ባህልታት ዜኅብር ገቢርና ክንርእዮ ንኽእል።
ውርሻ-ገነት ካብ ናይ ከከባቢኡ ባህልታት ደቀባት ትምህርቲ ንምቕሳም ዚገብሮ ትዂረት፡ እዞም ጥንታውያን ባህልታት፡ ዘመናዊ ምዕባለ ንምምጻእ ካብ ዝገበርናዩም ሓደስቲ ፈተነታት ዚበልጹ፡ ሚዛኖም ብዝኃለወ ኣገባብ ነዊሕ መዋዕላት ካብ ምንባሮም ዚነቅል ኢዩ።
ብርግጽ፡ ሥነ-ምግባራዊ ሕይወት ንምምራሕ ኣብ እንገብሮ ሃቐነ፡ ናይቶም ምዕቡላት ኅብረተሰባት ዓበይቲ መንፈሳውን ፍልስፍናውን ምህሮታት፡ ወይ ከኣ ናይቶም ዓበይቲ ሓሰብቲ ሥነ-ፍልጠታዊ ክስተታት ክንነጽጎ የብልናን። እንተኾነ፡ ናብቲ ዚሕደስን ትሑት ጸዓት ዚጥቀምን ባህሊ እንገብሮ ነዊሕ ጒዕዞ ለውጢ፡ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ባህሊ ዝቐረበልና ንላዕሊ፡ ሰፊሕ ሸፈነ ዘለዎም ክብርታትን ሓሳባትን ኣብ ግምት ክነእትዎን ንምርዳኡ ክንጽዕርን ይግባእ።
ናይ መምርሒታት ኣካውና ውርሻ-ገነት ሥነ-ፍልጠታዊ መሰረት፡ ኣብ ዘመናዊ ኣከባብያዊ ሥነ-ፍልጠት፡ ብፍላይ ከኣ፡ "ሥርዓታት ከባብያዊ ሕይወት" ኣብ ትሕቲ ዚብል ጨንፈር ዝቖመ ኢዩ። ካልኦት ዓውድታት ትምህርቲ፡ ብፍላይ ሥነ-ምድርን ቅርጻ መሬትን፡ ዓሌታዊ ሥነ-ሕይወትን፡ ናብ መምርሒታት ኣካውና ዝተኻተቱ ሓሳባት ኣበርኪቶም ኢዮም።
ብመሰረቱ፡ መምርሒታት ውርሻ-ገነት፡ "ሥርዓታት-ምሕሳብ"ን "ኣካውና-ምሕሳብ"ን ተባሂሎም ብዚፍለጡ መጸውዒታት ንዓለም ካብ እንርእየሎም መነጽራት ይትንሥኡ። ካብ ናይ ሆዋርድ ኦደም ሥነ-ከባብያዊ ጸዓት ብዝተፈልየ፡ ናይ ሥርዓታት-ምሕሳብ ኣብ ምምዕባል ውርሻ-ገነትን መምርሒታት ኣካውናኡን ዘንበሮ ጽልዋ፡ ካብ ዓሚቚ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘይኮነስ፡ ካብ ባህላዊ ማዕከን ሓሳባት ምስ ውልቃዊ ተሞክሮታት ውርሻ-ገነት ተወሃሂዱን ተቓንዩን ብምዝዓግ ዝተመጽየ ኢዩ። ካብዚ ኃሊፉ፡ ብዙኃት ያታዊ ምስላታትን ዛንታታትን፡ ማዕረ ማዕረ እቶም ካብ ሥርዓታት-ምሕሳብ ዝተዋጽኡ ጽማቚ ኣስተብህሎታት፡ ብቐሊሉ ንምርዳእ ዚከኣልን፡ ብዝተወሰነ መጠን ከኣ፡ ምስቶም ምስ መሬቶምን ተፈጥሮን ጥቡቕ ርክብ ናይ ዘለዎም ሕዝብታት ፍልጠት ከም ዜሳኒ እምነትና ኢዩ።
መምርሒታትን ሥነ-ምግባርን ውርሻ-ገነት፡ ኣብ ከከባቢና ኪኽበርን ኪስርሓሉን ክንርኢ ንኽእል ንኸውን። ናይዞም መምርሒታትን ሥነ-ምግባራትን ዘይምህላው፡ ወይ ከኣ ብዘመናዊ ኢንዱስትርያዊ ባህሊ ዘገጥሞም ምጽራር ግን፡ ናብ ኣድማሳዊ ምውራድ ናብ መጻኢ ትሑት ጸዓት ዘለዎም ቁም-ነገር ውዱቕ ኪገብሮ ኣይክእልን።
ናውቲ፡ ስልትታት፡ ጥበብን፡ ኣብነታትን ውርሻ-ገነት፡ ናይ ዝተፈላለየ ሥርዓታት ሚዛን፡ ባህሊ፡ ኲነታት ከባብያዊ ሕይወትን፡ ናይቶም ኣብኡ ዚሳተፉ ሕዝብታት ውህሉል ዓቕምታትን ተሞክሮታትን ዚውክሉ'ውን እንተኾኑ፡ መብዛኅትኦም ሰባት ብቐሊሉ ኪላለዩዎምን ኪጥቀሙሎምን ኢዮም።
ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ውርሻ-ገነት ኣብ 12 መምርሒታት ኣካውና ተጠርኒፎም ቀሪቦም ኣለው። እዞም እኩባት መምርሒታት ኣካውና እዚኣቶም፡ ብኻልኦት ደረስትን መማህራንን ውርሻ-ገነት ካብ ዚጥቀሙሎም መምርሒታት ብርክት ዝበሉ ፍልልያት ኣለውዎም። ገለ ካብዞም ፍልልያት፡ ቀሊል ናይ ትዂረትን ኣወዳድባን እንኪኸውን፡ ኣብ ውሑዳት ጒዳያት ግን፡ ናይ ትሕዝቶ ፍልልያት'ውን ከኣንፍቱ ይኽእሉ። እዚ ከኣ፡ ምስቲ ገና ኣብ ምምዕባል ዚርከብ ዘሎ ባሕርይ ውርሻ-ገነት እንኪነጻጸር፡ ዚገርም ኣይኮነን።
ቅርጺ ነፍሲ ወከፍ መምርሒ፡ ብኣዎንታዊ ግብራዊ ጥቕስን ዚውክሎ ምልክትን ይቐውም። እቲ ምልክት፡ ገለ ኣብቲ ቅርጺ
መምርሒታት ካብ ዚርከብ መሰረታዊ ትሕዝቶ ወይ ኣብነት ዚውክል፡ ከም መዘኸኸሪ ምስሊ ንኸገልግል ዚውሰድ ኢዩ። ብዘይካ'ዚ፡ ንዝቐረበ መምርሒ ዜጒልሕ ወይ ንኣሉታዊ ገጻቱ ዜጠንቅቕ ያታዊ ምስላ ይጥቀስ።
ነፍሲ ወከፍ መምርሒ ናብ ገበላ ሥርዓታት-ሓሳብ ከም ዜውጽእ መርኆ ገቢርካ ኪውሰድ ይከኣል። ንሓደ መምርሒ ንምግላጽ ዚውሰድ ኣብነት፡ ነቶም ካልኦት መምርሒታት'ውን ዚሓቊፍ ኢዩ። ስለዚ እዞም መምርሒታት፡ መፍትሒ ንኽነናድን ክነካውንን ዚሕግዙና ናውቲ ዕዮ ገቢርና ንቚጸሮም።
ውርሻ-ገነት መምርሒ #1
ትዕዝብትን ግብራዊ ተሳትፎን ‘ጽባቐ ብዓይኒ ጠማቲኡ ይገሃድ'
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብ ተፈጥሮ፡ እንስሳታት፡ ዝተፈላለየ ሕዋሳቶም እናተጠቕሙ፡ ብዘየቋርጽ ትዕዝብትን ኣብ ከባቢኦም ብዝወስዱዎ ግብራዊ ስጒምትን ሕይወቶም ይዕቅቡን ይስስኑን። ኣብ ያታውያን ኅብረተሰባት፡ ቆልዑት፡ ብጽልዋ ቤተሰቦምን ባህሎምን ኣብ ዝተቐርጸ ኣከባቢ፡ ብትዕዝብትን ብግብራዊ ተሳትፎን፡ ናብ ብጽሕና ይሰጋገሩ።
ኣብ ዘመናዊ ዓለም፡ ሥሩዕ ትምህርቲ፡ ንባህላዊ ትዕዝብቲ ዓብሊሉ ተኪኡዎ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ ግብራዊ ተሳትፎ ተፈሊና፡ ኲሉ ዘድልየና ዘበለ ብናውቲ ስልጣነን ብምትሕልላፍ ክፍሊትን ንረኽቦ። ኣብ መስርሕ ምትእትታው ሓደስትን ዝተራቐቑን ክእለታት ሥልጣኔ፡ ንዚቕልቀሉ ብድሆታት ግቡእ ምላሽ ብዚህብ ኣገባብ ክነካውንስ ይትረፍ፡ ተፈጥሮ ዝዓደለትና፡ ካብ ከባቢና ናይ ምምሃርን ርእስና ናይ ምሕላውን ባሕርያዊ ዓቕምታት'ኳ ኣጥፊእናዮ።
ጽቡቕ ኣካውና እምበኣር፡ ኣብ ሞንጎ ተፈጥሮን ሰባትን ዚህሉ፡ ጥንቁቕ ትዕዝብትን፡ ብዚግባእ ዝተሓስበሉ ግብራዊ ተሳትፎን ዘቕርቦ ውህሉል ርበትን ዝተደረኸ፡ ኣብ ነጻን ዝተወሃሀደን ርክብ ይምርኮስ። ኣካውና፡ ነቲ ዚካወን ጒዳይ ብዚምልከት፡ ቀጻልን ናይ ግብራዊ ተሳትፎ ምልውዋጥ ብምግባር ደኣ'ምበር ብተነጽሎ ኪፍልፍል ኣይግባእን።
ኣካወንቲ ውርሻ-ገነት፡ ኣብ እዋን ምውራድ ቊልቊለት ጸዓት፡ ዘድልዮም ዘበለ ዕንጋሎ ንምቕራብ፡ ንሰብኣዊ ዓቕሚ ብስሉጥ ኣገባብ ይጥቀሙ፡ ዘህልኽዎ መጠን ዘይሕደስ ጸዓት የጒድሉ፡ ሥርዓት ኣጠቓቕማ መሬት ብንቕሓትን ብቐጻልነትን የማዕብሉ፡ ብጥንቃቐ ይዕዘቡ ብዚግባእ ሓሲቦም ብግብሪ ይሳተፉ።
መሰረት ኣካውና ውርሻ-ገነት፡ ንነባርን ዘየቋርጽን ተፈጥሮኣዊ ምሥጢር፡ ብጥንታዊ ኣጠቓቕማ መሬትን ንዝተሠርዐ ርበት ቅርጺ-መሬት ምንባብ እዩ። ኣካውናታት፡ ካብቲ ድሮ ዘሎ ወድዓዊ ክውንነት ደኣ ኪበቚሉ ኣለዎም እምበር፡ ካብ ዘይነበረ ብምምጻእ ኣብ መሬት ኪትከሉ የብሎምን። ኣብ ኲሉ ኮሊልና ብዚግባእ ምስ እንዕዘብን ብግብሪ ምስ እንሳተፍን፡ ክነካውኖ ዚጽበየና፡ ናይ ቅድም ኣሰር ዘይጸንሖ ቀጸላ ከም ዘየልቦ ይገሃደልና። ኲሉ ቦታ ነናቱ ታሪኽ ኣለዎ፤ "መልክዕ ብዓይኒ ጠማቲኡ ይገሃድ" ዚብል ምስላ ከኣ፡ መስርሕ ትዕዝብቲ ንኽውንነት ከም ዚጸሉን፡ ኲሉ ጊዜ፡ ነቶም ዘይቅየሩ ሓቅታት ብጥንቃቐ ክንኣልዮም ከም ዘሎናን የዘኻኽረና።
እዚ መምርሒ እዚ ብንጹር ክንገብሮ ንዘሎና ባሕርያዊ ለውጢ ዘመላኽት'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኣካውና ሥርዓታትና፡ ካብ ኣትክልትን እንስሳታትን እንመሃረሉ መገድታት ንምጥጣሕን ንምስላጥ'ውን ኪዝውተር ይኽእል። ኣብ ዘይዳጒን ሥርዓተ-መጓሰ ዚዓብዩ እንስሳታት፡ ካብ ዚጸናወቶም ተጻባኢ ኣራዊት ዚድኅኑሉ፡ ምስቶም ዚመስልዎም ዚዋስኡሉን፡ ናብ ዚውዕሉሉ ሸኻን ዜዕርፉሉ ማይን ዚጎዓዙሉን፡ ከበብያዊ ንቕሓት ይጥቀሙ። ኣብ ጥዑይ መሬት ዚዓብዩ ኣትክልቲ፡ ንምዕባይ ዜድልዮም ትሕዝቶ መግቢ፡ ዜተርክሶም ማይ፡ ምስ ደቀቕቲ ሕዋሳት፡ በኣኡ ኣቢሉ ከኣ ምስ ካልኦት ኣትክልቲ ርክብ ንምምዕባልን ጥቕምታት ንምልውዋጥን ብንጥፈት ዚፍትሹሉ ሰራውር ኣለዎም።
ኣባይቲ ብዘገምታ ኣብ ምሟቕ ወይ ምዝሓል፡ ቊጽጽርን ምሕደራን መመዓራረይቲ ክፋላት እዮም። ብዘገምታ ዚሰርሕ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ብንጥፈት ዚሰርሑ ሰባት የድልይዎ። ንኣብነት፡ ከከም ኲነታት ኣከባቢናን ኣቀማምጣ ቤትናን ንመጋረዲታት መሳዂትናን መዓጹናን፡ መኣስ ክንከፍቶምን ክንዓጽዎምን ከምዘሎና ምፍላጥ የድልየና።
ብተወሳኺ፡ ትዕዝብትን ግብራዊ ተሳትፎን፡ ንዘጋጥሙና ጒዳያት ምልኣት ብዘለዎ መነጽርን መለክዕን ኣብ ግምት ንኽነእቱ የዘኻኽሩና። "እቲ ጸገም ንባዕሉ መፍትሒ እዩ" ዚብል ጥቕሲ ውርሻ-ገነት፡ ብዛዕባ ሓደ ጒዳይ ኣብ እንገብሮ ናይ ሓሳብ ጸወታ፡ ክንዮ ዘጓንፉና ዕንቅፋታት ዚሰግር ናይ ምብልሓት መገድታት ንኽንርኢ፡ ካብኡ ብዝኃለፈ'ውን ነቲ ቅድም ዝጸላእናዮ ንኽነፍቅር ከም ዚሕግዙና የዘኻኽረና።
ውርሻ-ገነት መምርሒ #2
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብ ዝኃለፉ ዓሠርተታት ዓመታት፡ ኣብ መምርሒታት ኣካውና ውርሻ-ገነት ዜተኰሩ መፍትሒታት ምዕባለ ከባብያዊ ሕይወት ርኡይ ለውጢ ዘየምጽኡሉ ብዙኅ ምኽንያት ኣሎ። ካብዚኣቶም ገለ ንምጥቃስ፡
• ንምልኣታዊ ብልሃታት ዳህሳስ ተጻባኢ'ኳ እንተዘይተባህለ፡ ዓቃባዊ ባህሊ ነካይነት ሥነ-ፍልጠት ብምዕብላሉ፡
• ብውዱቕ መዐቀኒታት ቊጠባ ዚምራሕ ባህሊ ምሕሻሽ ብምዕብላሉ፡
• ብዓለምለጃውን ዞባውን ደረጃታት፡ ምሁራን ፖለቲካ፡ ቊጠባን ኅብረተሰብኣዊ ዓውድታትን፡ ሥርዓታት ርእሰ-ምሕደራን ርእሰ-ምርኮሳን ብምትእትታው ለውጢ ከምጽኡ ብዘይምኽኣሎም፡
ነዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዕንቅፋታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኅብረተሰባትን ኲነታትን ብዝተፈላለዩ መገድታት ይኽሰቱ።
ምስ መጠን እቶቶም እንኪነጻጸር፡ ዋጋ መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾኖም፡ መብዛኅትኦም (4ቢልዮን ዚኸውን) ሕዝብታት ዓለም፡ ርእሶም ዚኽእሉሉ ዕድላት ኣዝዩ ድሩት ኢዩ። ብዝሒ ሕዝቢ ብዘስዕቦ ጸቕጢ፡ ብዝተራቐቐ መሳርሒታት ንተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብምብዝባዝን ምብኻንን ዞባዊ ሃብቲ ተፈጥሮ፡ ዓሌታዊ ግጭታት ዘስዕቦ ስደት፡ ብመንግሥታትን ትካላት ዕዳጋን ዚወርድ ዓመጽ፡ ኣፍራይነት ከም ዚጎድልን፡ ውሕሉል ሥርዓታት መነብብሮ ከም ዚጠፍእን ገይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ብዕድላት ስራሕ ፋብሪካታትን ሕርሻን ዚርከብ ገንዘባዊ እቶት ይመኃየሽ እምበር፡ ነቲ እናጎደለ ዝከደ፡ ብገንዘብ ዘይዕቀን ስድራቤታውን ማኅበራውን ቊጠባን ጥዕናን ኪትክኦ ኣይከኣለን።
ሰሓቢ ዕድላት ብቕልጡፍ ዚዓብያ ከተማታት ንብዙኃት ነበርቲ ገጠራት ናብ ከተማታት ኣውሒዙ። እዚ መስሓቲ መስርሕ'ዚ ንዘመናት ዝጸንሐን ንዘኽታማትን ድኻታትን ናብተን ጎደናታተን ብወርቂ ዝተለበጣ ዚመስላኦም ከተማታት ከም ዘውሓዘን፡ ኣብ ብዙሕ ዛንታታት ዝተሰነደን ኢዩ። ካብዚ ኃሊፉ፡ መንግሥታዊ ኣቕርቦት ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእ ኣገልግሎታትን ብዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝተጻዕነ ግዱድ ተቕዋማዊ ምትዕርራይ ተቖሪጹ። ዝርጋሐን ምድግጋምን ናይዚ ውዱቕ ዝኾነ ሥርዓት ቊጠባውን ኅብረተሰብኣውን ምዕባለ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ።
እዚ ንብዙሓት ኃይሊ ዘይብሎም መዝሚዙ ጥራሕ ኢዶም ዘትረፈ ሥርዓት'ዚ፡ ነቶም ክንዲ ርብዑ ዘይኣኽሉ፡ (ሓደ ቢልዮን ዝኾኑ) ማእከላይን ልዑልን መጠን እቶት ዘለዎም፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዚነብሩ ሕዝብታት፡ ምስ መጠን እቶቶም እንኪነጻጸር፡ ብትሑት ዋጋታት መግቢ፡ ማይ፡ ጸዓትን ካልኦት ሃለኽትን ብምቕራብ የተሃዳድእ። እዚ ምንቊልቋል ጸጋታትን ክሊማዊ ምብልሻውን ዘየመላኽት ውድቀት ዓለማዊ ዕዳጋ፡ ንኣህለኽቲ ኣድላይነት ርእሰ-ምርኮሳ ተረዲኦም ኣነባብራኦም ከየመኃይሹን ኣድላይ ለውጥታት ዜተኣታትዉ ሕዝባዊ ፖሊሲታት ንኸይእምሙን ጋሪዱዎም። ብፍላይ ካብ ክፍላ ሰብዓታት ንነጀው፡ ምዕልቕላቕ ሓድሽን ሕሱርን ሃለኽቲ ኣቕሑት፡ ንሃልክን ምሕሻሽን መሊኡ ክሳዕ ዚፈስስ ቀጺጹ፡ ኅብረተሰብኣዊ ርእሰ-ማልን ድኅንነትን ከኣ ከም ዜንቈልቊል ገይሩ።
ልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ኣቢሉ ካብ ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ፊናንስያዊ ቅልውላው ንደኃር፡ ብዝኂ ናይቶም ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዚነብሩ ሰብ ማእከላይ መጠን እቶት እናወሓደ፡ ኣብ ሞንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ እናገፍሐ፡ ሕዝብታት፡ ደቆም ዝኃሸ መጻኢ ኪህልዎም ዝነበሮም እምነት እናፈረሰ መጺኡ። ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዚነብሩ፡ የማናዊ ሕዝብነት ዜቃልሑ መንግሥታት ብብዝኂ እናተመረጹ፡ ዓለምለኻዊ ኣረኣእያ ናጻ ዕዳጋ እናበነነ ይጠፍእ ኣሎ።
እዚ ናይ ቊጠባውን ፖሊቲካውን ሥርዓት ቅልውላው እምንቶ፡ ዞባዊ ፖሊቲካዊ ግጭታት፡ ዘይርጉእ ተለዋዋጢ ክሊማ፡ ዕንወት ሕይወታዊ ብዙኅነትን ምንቊልቋል ጸጋታትን፡ ሓደ ካብቶም ዚገሃዱ ዘለው፡ ዘይራኸቡ ናይ ዚመስሉ ዓለምለኻዊ ቅልውላዋት ምግጥጣም ኪበሃል ይከኣል።
ኲሉ ዓቕምታት ብዘይ ተረፍ ብምኽፋል ቊጠባዊ ዕብየት ንምምጻእ ዚእቶ መብጽዓ፡ ምስግጋር ናብ ትሑት መጠን ጸዓት ዘስዕቦ ክሳራታት ዚበጽሖም ኃያላት ዋኒነ-ትካላትን መንግሥታዊ ተገዳስነትን ንፖሊቲካዊ ኣቃውማ ውርሻ-ገነት የጒልሑ።
ኣብ ምስፍሕፋሕ ውርሻ-ገነት ዜጋጥሙ ዕንቅፋታት
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ኣብ ዝኃለፉ ዓሠርተታት ዓመታት፡ ኣብ መምርሒታት ኣካውና ውርሻ-ገነት ዜተኰሩ መፍትሒታት ምዕባለ ከባብያዊ ሕይወት ርኡይ ለውጢ ዘየምጽኡሉ ብዙኅ ምኽንያት ኣሎ። ካብዚኣቶም ገለ ንምጥቃስ፡
• ንምልኣታዊ ብልሃታት ዳህሳስ ተጻባኢ'ኳ እንተዘይተባህለ፡ ዓቃባዊ ባህሊ ነካይነት ሥነ-ፍልጠት ብምዕብላሉ፡
• ብውዱቕ መዐቀኒታት ቊጠባ ዚምራሕ ባህሊ ምሕሻሽ ብምዕብላሉ፡
• ብዓለምለጃውን ዞባውን ደረጃታት፡ ምሁራን ፖለቲካ፡ ቊጠባን ኅብረተሰብኣዊ ዓውድታትን፡ ሥርዓታት ርእሰ-ምሕደራን ርእሰ-ምርኮሳን ብምትእትታው ለውጢ ከምጽኡ ብዘይምኽኣሎም፡
ነዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዕንቅፋታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኅብረተሰባትን ኲነታትን ብዝተፈላለዩ መገድታት ይኽሰቱ።
ምስ መጠን እቶቶም እንኪነጻጸር፡ ዋጋ መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾኖም፡ መብዛኅትኦም (4ቢልዮን ዚኸውን) ሕዝብታት ዓለም፡ ርእሶም ዚኽእሉሉ ዕድላት ኣዝዩ ድሩት ኢዩ። ብዝሒ ሕዝቢ ብዘስዕቦ ጸቕጢ፡ ብዝተራቐቐ መሳርሒታት ንተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብምብዝባዝን ምብኻንን ዞባዊ ሃብቲ ተፈጥሮ፡ ዓሌታዊ ግጭታት ዘስዕቦ ስደት፡ ብመንግሥታትን ትካላት ዕዳጋን ዚወርድ ዓመጽ፡ ኣፍራይነት ከም ዚጎድልን፡ ውሕሉል ሥርዓታት መነብብሮ ከም ዚጠፍእን ገይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ብዕድላት ስራሕ ፋብሪካታትን ሕርሻን ዚርከብ ገንዘባዊ እቶት ይመኃየሽ እምበር፡ ነቲ እናጎደለ ዝከደ፡ ብገንዘብ ዘይዕቀን ስድራቤታውን ማኅበራውን ቊጠባን ጥዕናን ኪትክኦ ኣይከኣለን።
ሰሓቢ ዕድላት ብቕልጡፍ ዚዓብያ ከተማታት ንብዙኃት ነበርቲ ገጠራት ናብ ከተማታት ኣውሒዙ። እዚ መስሓቲ መስርሕ'ዚ ንዘመናት ዝጸንሐን ንዘኽታማትን ድኻታትን ናብተን ጎደናታተን ብወርቂ ዝተለበጣ ዚመስላኦም ከተማታት ከም ዘውሓዘን፡ ኣብ ብዙሕ ዛንታታት ዝተሰነደን ኢዩ። ካብዚ ኃሊፉ፡ መንግሥታዊ ኣቕርቦት ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእ ኣገልግሎታትን ብዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝተጻዕነ ግዱድ ተቕዋማዊ ምትዕርራይ ተቖሪጹ። ዝርጋሐን ምድግጋምን ናይዚ ውዱቕ ዝኾነ ሥርዓት ቊጠባውን ኅብረተሰብኣውን ምዕባለ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ።
እዚ ንብዙሓት ኃይሊ ዘይብሎም መዝሚዙ ጥራሕ ኢዶም ዘትረፈ ሥርዓት'ዚ፡ ነቶም ክንዲ ርብዑ ዘይኣኽሉ፡ (ሓደ ቢልዮን ዝኾኑ) ማእከላይን ልዑልን መጠን እቶት ዘለዎም፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዚነብሩ ሕዝብታት፡ ምስ መጠን እቶቶም እንኪነጻጸር፡ ብትሑት ዋጋታት መግቢ፡ ማይ፡ ጸዓትን ካልኦት ሃለኽትን ብምቕራብ የተሃዳድእ። እዚ ምንቊልቋል ጸጋታትን ክሊማዊ ምብልሻውን ዘየመላኽት ውድቀት ዓለማዊ ዕዳጋ፡ ንኣህለኽቲ ኣድላይነት ርእሰ-ምርኮሳ ተረዲኦም ኣነባብራኦም ከየመኃይሹን ኣድላይ ለውጥታት ዜተኣታትዉ ሕዝባዊ ፖሊሲታት ንኸይእምሙን ጋሪዱዎም። ብፍላይ ካብ ክፍላ ሰብዓታት ንነጀው፡ ምዕልቕላቕ ሓድሽን ሕሱርን ሃለኽቲ ኣቕሑት፡ ንሃልክን ምሕሻሽን መሊኡ ክሳዕ ዚፈስስ ቀጺጹ፡ ኅብረተሰብኣዊ ርእሰ-ማልን ድኅንነትን ከኣ ከም ዜንቈልቊል ገይሩ።
ልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ኣቢሉ ካብ ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ፊናንስያዊ ቅልውላው ንደኃር፡ ብዝኂ ናይቶም ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዚነብሩ ሰብ ማእከላይ መጠን እቶት እናወሓደ፡ ኣብ ሞንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ እናገፍሐ፡ ሕዝብታት፡ ደቆም ዝኃሸ መጻኢ ኪህልዎም ዝነበሮም እምነት እናፈረሰ መጺኡ። ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዚነብሩ፡ የማናዊ ሕዝብነት ዜቃልሑ መንግሥታት ብብዝኂ እናተመረጹ፡ ዓለምለኻዊ ኣረኣእያ ናጻ ዕዳጋ እናበነነ ይጠፍእ ኣሎ።
እዚ ናይ ቊጠባውን ፖሊቲካውን ሥርዓት ቅልውላው እምንቶ፡ ዞባዊ ፖሊቲካዊ ግጭታት፡ ዘይርጉእ ተለዋዋጢ ክሊማ፡ ዕንወት ሕይወታዊ ብዙኅነትን ምንቊልቋል ጸጋታትን፡ ሓደ ካብቶም ዚገሃዱ ዘለው፡ ዘይራኸቡ ናይ ዚመስሉ ዓለምለኻዊ ቅልውላዋት ምግጥጣም ኪበሃል ይከኣል።
ኲሉ ዓቕምታት ብዘይ ተረፍ ብምኽፋል ቊጠባዊ ዕብየት ንምምጻእ ዚእቶ መብጽዓ፡ ምስግጋር ናብ ትሑት መጠን ጸዓት ዘስዕቦ ክሳራታት ዚበጽሖም ኃያላት ዋኒነ-ትካላትን መንግሥታዊ ተገዳስነትን ንፖሊቲካዊ ኣቃውማ ውርሻ-ገነት የጒልሑ።
መምርሒ #3 ውርሻ-ገነት
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ርእሰ-ምኅደራን ርእይቶ ምቕባልን "ብሰንኪ ኃጢኣት ኣቦታት፡ መርገም ንደቆምን ደቅ-ደቆምን ክሳዕ ሻብዓይ ወለዶ ይበጽሕ"
መምርሒታት # 1ን 2ን፡ ዕቤትን ምዕባለን ዚድግፉ ኣዎንታዊ ርእይቶታት ዚኃቖፈ እዩ። ካብ ቊጽጽር ሰብነትና ወጻኢ ዝኾነ ዕቤት ሕዋሳት መንሽሮ ቢልና ከም እንጽውዖ፡ ኣብ ጥዑይ ሥርዓት ዚመኃላለፍ ርእይቶ ከኣ፡ ነቲ ሥርዓት ጎዳኢ ዝኾነ ዘይጽወር ጫውጫውታ ኪፈጥር ይኽእል። ብመዳይ ውርሻ-ገነት፡ ርእሰ-ምኅደራን ርእይቶ ምቕባልን ምዝውታር እምበኣር፡ ንዘይንቡር ዕቤት ወይ ባሕርይ ምግታእ ዜመልክት እዩ።
ሓደ ካብ ብድሆታት ኣከባብያውነት፡ ንምልክታት ተፈጥሮ ብምልላይ፡ ምስኡ ብዜሳኒ ኣገባብ፡ ካብ ልክዕ ዝኃለፈ ብዝበዛ ዚገትእ ባሕርይን ባህልን ምምዕባል እዩ። ኣሉታዊ ርእይቶታት፡ ብዚግባእ ዝነጸሩን፡ ኣራሚ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዓቕሚ ዘለዎም፡ ግን ከኣ፡ ናይቲ ሥርዓት ቀጻሊ ዕቤት ዘይጎድኡ ኪኾኑ ይግባእ። ንኣብነት፡ ማይ ዝናም ምውህላልን ኣብ ዘቤታዊ ጠቕሚ ምውዓልን፡ ንዘለዎ ናይ ዓይነትን መጠንን ድሩትነት ከም ንግንዘብ ይገብረና። ዕንጸይቲ ኣናኺስና እንሰርሖም መግብታት ናይ ትኪ ጣዕሚ የምጽኡልና፡ ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት፡ ኣራሚ ስጉምቲ ንኽንወስድ የተባብዑና። ብሓፈሽኡ፡ ካብ ሓደጋታት ናጻ ዝኾኑ፡ ቀወምቲ ሥርዓታት ናይ ምክዋን ዕላማ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕማምን ሓደጋን ናጻ ዝኾኑ ቆልዑት ክተዕቢ ከም ምፍታን እዩ። እዚ ከኣ ናብ ዝገደደ መጻኢ ሓደጋ ይመርሕ።
ካብ ኣሉታዊ ርእይቶ (መጠንቀቕታ) ንዚመጽኡ ሓደጋታት ምቕባል፡ ከምቲ ብትካላት ገንዘባዊ ቊጠባ ዚዝውተር፡ ንሕግታት ናብ መንግሥታውያን ትካላት ምስግጋር ዘይኮነስ፡ ብሥነ-ምግባር ልጓም ዝተገብረሎም፡ ብቐንዱ ከኣ፡ ብቕደም ተኸተል ባዕላትና፡ ብስድራቤትናን ማኅበረሰብናን እነዘውትሮም ኪኾኑ ይግባእ።
ምድርና ብምልእታ፡ ኣብኣ ምስ ዚነብሩ ሕይወታውያን ነገራት ብዜሳኒ ኣገባብ፡ ብርእሰ-ምሕደራዊ ሥርዓት እትካየድ ምዃና፡ ነዚ መምርሒ እዚ እትሰማምዖን እትውክሎን ይገብራ።
ምድርና፡ ብምልውዋጥ ደጋዊ ኲነታት ከይተሣዕረት፡ ንውሽጣን ከባቢኣን፡ ብዝተረጋግአ መስርሕ፡ ንኣእላፋት ዓመታት ሓሊያቶ ትርከብ። ኣደነቕቲ ሥነ-ፍልጠታዊ ጭብጥታት ከም ዚምስክርዎ፡ ምድርና ባዕላ ንባዕላ፡ ብዘገምታዊ ዕቤት፡ ኣብ ውሽጣ ብዚርከቡ ዝተፈላለዩ ሕይወታውያንን ንኡሳን ሥርዓታትን እትተኻኸለሉን ቀጻልነት እተደንፍዓሉን፡ ምሉእ ሥርዓት ሓቀይና ምስሊ ኣጒሊሖም የርእዩና።
ቅድሚ ሰማንያ ዓመት፡ ኣብ ወርኂ ነሓሰ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ተዓዊትና!
ዶሮቲ ደይ፡ "ሠራሕተኛ ካቶሊክ" ኣብ ዝተባህለ ዐውዲ ጋዜጣአን ከም ዜስፈራኦ፡ ንጠቕላሊ ሓለቓ ሎስ ኣላሞስ ግሮቭስን ገለ ካልኦትን፡ ናይ ሓጎስን ደስታን ጽንብል ነበረ። መራሒ ሀገር ትሩማን'ውን፡ ኣብታ ካብ ዋዕላ "ዐበይቲ ሠለስተ" እንኪምለሱ ተሳፊሮምላ ዝነበሩ መርከብ፡ ካብ ጣውላ ናብ ጣውላ እናዞሩ "ተዓዊትና" እናበሉ፡ ነዚ ዓብይ ዜና የበስሩን፡ ብሓጎስ ተፈንጪሖም ይጭድሩን ነበሩ። ጋዜጣታት'ውን "ብሓጎስ ንኣምላኽ ዘምሩ" ኪብላ ኣቃልሓ። ቁጽሪ ዚሞቱ ጃፓናውያን ብዚምልከት፡ ጋዜጣ ሄራልድ ትሪቢዩን "ብርግጽ ዘይፍለጥ ቁጽሪ" ክትብል ኣብ ገጻታ ኣስፈረት። ዶሮቲ ደይ'ውን ነዚ ናይ ሞት ሳዕቤን መግለጺታት፡ "ብተስፋ ደኣምበር ብርግጽ ዘይፍለጥ ቁጽሪ" እናበላ ብቚጥዐ ሓጨጫሎም፡ ቀጺለን'ውን፡ እቲ ተስፋ ከኣ፡ ሰብኡት፡ ኣንስትን ሕጻናትን ጃፓናውያን ኣኅዋትና ሃፊፎም፡ በርባዕቲኡ ንፋሳት ከኣ ናብ ልዕሊ ሾብዓቲኦም ማያት ተበታቲኖም ኪኾኑ ኢዩ። መን ይፈልጥ፡ ንደሮናኦም በፍንጫና ክነተንፍሶ፡ ኣብ ደበናታት ሰማያትና ከንጸላልውና፡ ኣብ ዝናማት ጎቦታትናን ግራውትናን'ውን እንከጠልቅየና ኪስመዓና ኢዩ። ብዙኃት'ውን ነዚ ሞራላዊ ቊጥዐ ዶሮቲ ደይ ይኃብሩ ነበሩ።
እቲ ብኣቶሚካዊ ጸዓት ዚቀጻጸል ኣጽዋር ህልቂት፡ ብሓድሽን ዝኸፍአን መገዲ፡ ከይፈላለየ ብኣልማማ ዜጽንት ነበረ። ብዝወነኖ ዐቕሚ ምቕታል፡ ዐመት መጸ፡ ጨረር ብዜስዕቦ ሕማማት፡ ሰብኡት፡ ኣንስትን ሕጻናትን ብዚቐትል ኃይሊ ናብዚ ዘመን'ዚ ተሰጋገረ።
ሕ.መ.ኣ. ብዝተጎናጸፈቶ በይናዊ ምልከት ኣቶሚካዊ ኃይሊ ዝተሰምዓ ሓጎስን ምስርሳርን ብዙኅ ኣይጸንሐን። 1946 ኣብ ዝተኻየደ በዂሪ ኃፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ኅቡራት ሀገራት ዝኃለፈ ቀዳማይ ውሳኔ፡ ኣጽዋር ህልቂት ንምውጋድን፡ ውጥን ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኣቶሚካዊ ጸዓትን እተዳሉ ናይ ተልእኾ ጉጅለ ንኺምስረት ይጸውዕ ደኣምበር፡ ካልኦት ኃይልታት ንምስራሑን ምውናኑን ይጓየያ ነበራ። ስዒበን፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ደድኅሬን ከኣ ቺና ብ1964 ወነንቲ ኣጽዋር ህልቂት ንምዃን በቕዓ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1949፡ ኣዝያ ኣገዳሲት ዕለት፡ ኅብረት ሶቬት ፈተነ ኣጽዋር ኅልቂት ዘካየደትላ ዕለት ነበረት። እዚ ከኣ ዕርቡን ምጅማር ዝሑል ኲናት ኮነ። ሶቬታውያን፡ ኣብ ትሪኒቲ ብዝተጸንዐ ናይ ኣመሪካ መደብ ስለዝተበገሱ፡ ዝተረፈ ስራሖም ዝቐለለ ነበረ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ኅቡራት ሀገራትን ካብኡ ወጻእን፡ ተደጋጋሚ መደባት ምጒዳል ኣጽዋር እኳ እንተተዳለወ፡ ኣብ ታሪኽ ደቅሰባት እቲ ኣዝዩ ዜጒሂ ቅድድም ተጀመረ፡ "ቅድድም ምውናን ኣጽዋር!"። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ካልኣይ ኲናት ዐለም፡ ከም ካልእ ታሪኽ ኲናታት፡ ካልእ ኲናት፡ "ዝሑል ኲናት" ጫጭሐ።
ቅድድም፡ ዚበጽሖ ዕላማን፡ ዚሰግሮ መስመር ሕንጻጽን ኣለዎ፡ ተዓወትቲ ሽልማት ክብሪ ዚወሀቡሉ፡ ዝተሣዕሩ ከኣ ከከም ውጽኢቶም በብደረጃኦም ዚሥርዑሉ ተሓሲቡ ኢዩ ዚጅመር። ቅድድም ምውናን ኣጽዋር፡ ናይዘን ክልተ ልዕለ ኃያላን፡ በብወገነን ዘዝኃየለ ኣጽዋር ዕንወት ንምስራሕ ጸጋታተን ዜፍስሳሉ "ቅድድም ቊልቊለት ሞት" ነበረ። ብኽልቲአን ልዕለ-ኃያላን ውጥን ጽንተት ብፍጥነት ገስገሰ።
ናይ ኃባር ሰብኣውነት
ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዐለም፡ ሀገረ ጀርመን ዘካየደቶ፡ ኒዩክሌራዊ ነታጒ ናይ ምስራሕ ጻዕሪ ፈሸለ። ክኢላታት ናይዚ ዐውዲ ዝሀብዎ ርእይቶ፡ ፈተነ ኒዩክሌር ቦምብ ምክያድ እንተ ዚግታእ፡ ታሪኽ ዘመንና ከምዚ ሕጂ እንፈልጦ ዜፍርሕ ኣይምኾነን። ኣብ ሎስ ኣላሞስ ዝመደበሮም ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ነዚ ኣጽዋር ጥፍኣት፡ ኣብ ስፍራ ሰባት ኣብ ክንዲ ምትኳሱ፡ ትሪኒቲ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተኻየደ ፈተነ ንኺድገም ዚብል፡ ንፕረዚደንት ትሩማንን ኣማኸርቶምን ዝተዋህበ ኃባራዊ እማመ፡ ሰማዒ እዝኒ እንተዚረክብ፡ ንውሳኔ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ዝዐበየ ጽልዋ ምገበረ። እዚ ኃባራዊ ውጥን'ዚ፡ ናብ ምድርን ከባቢኣን ብዚፍኖ ጨረር ኪመጽእ ዚኽእል ጸገም ዘይፍለጥ ምዃኑን፡ ዝተናውሐ ሳዕቤናት ኬጠቓልል ከም ዚኽእልን ዚገልጽ ብርቱዕ ሞጎት ዝተሰነየ ነበረ። ብተወሳኺ፡ "መጋጥምቲ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም በጺሖም ኢዮም" ዚብል ካልእ መጎት ኃባራዊ ሰብኣውነት'ውን ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ መጎት፡ ንልቢ እዞም ዓበይትን ፈላጣትን ዜለዓዕል ሓሳብ ኃባራዊ ሰብኣውነት ኣይነበረን። ከም ወትሩ፡ ኲናት፡ ንኹሉ ስምዒታት ኃባራዊ ሰብኣውነት ብዘየናሕሲ ንምጽባእ ደኣ ተቐልቀለ።
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ሕዝብታት ዝኃዝዎን ዘረምሰስዎን ጸጋታት፡ ንምውናን ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ኲናት ፈሲሱ ኢዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ዐለም መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ማእለያ ዘይብሉ ሀብቲ፡ ብዙኅ ሰብኣዊ ዐቕሚ፡ መሃዝነትን ሞያን፡ ዝዋሕለለን ዝተተኻኸለን ናውቲ፡ ከም ኣብ ሎስ ኣላሞስ ዝበለ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ንሓደ ዕላማ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን። ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት፡ ንእንኮ፡ ንሱ ከኣ መሳርሒ ሞት ዚበሀል መዓላ ናብዚ ምሥጢራዊ እምባ ዝተኣከቡ፡ ኣብ ታሪኽ ዐለም ንፈለማ ጊዜ ኢዩ።
መምርሒ ውርሻ-ገነት #4
ርእሰ-ምኅደራን ርእይቶ ምቕባልን
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
"ብሰንኪ ኃጢኣት ኣቦታት፡ መርገም ንደቆምን ደቅ-ደቆምን ክሳዕ ሻብዓይ ወለዶ ይበጽሕ"
መምርሒታት # 2ን 3ን፡ ዕቤትን ምዕባለን ዚድግፉ ኣዎንታዊ ርእይቶታት ዚኃቖፈ እዩ። ካብ ቊጽጽር ሰብነትና ወጻኢ ዝኾነ ዕቤት ሕዋሳት መንሽሮ ቢልና ከም እንጽውዖ፡ ኣብ ጥዑይ ሥርዓት ዚመኃላለፍ ርእይቶ ከኣ፡ ነቲ ሥርዓት ጎዳኢ ዝኾነ፡ ዘይጽወር ጫውጫውታ ኪፈጥር ይኽእል። ብመዳይ ውርሻ-ገነት፡ ርእሰ-ምኅደራን ርእይቶ ምቕባልን ምዝውታር እምበኣር፡ ንዘይንቡር ዕቤት ወይ ባሕርይ ምግታእ ዜመልክት እዩ።
ሓደ ካብ ብድሆታት ኣከባብያውነት፡ ንምልክታት ተፈጥሮ ብምልላይ፡ ምስኡ ብዜሳኒ ኣገባብ፡ ካብ ልክዕ ዝኃለፈ ብዝበዛ ዚገትእ ባሕርይን ባህልን ምምዕባል እዩ። ኣሉታዊ ርእይቶታት፡ ብዚግባእ ዝነጸሩን፡ ኣራሚ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዓቕሚ ዘለዎም፡ ግን ከኣ፡ ናይቲ ሥርዓት ቀጻሊ ዕቤት ዘይጎድኡ ኪኾኑ ይግባእ። ንኣብነት፡ ምውህላል ማይ ዝናምን ኣብ ዘቤታዊ ጠቕሚ ምውዓልን፡ ንዘለዎ ናይ ዓይነትን መጠንን ድሩትነት ከም ንግንዘብ ይገብረና። ዕንጸይቲ ኣናኺስና እንሰርሖም መግብታት ናይ ትኪ ጣዕሚ የምጽኡልና፡ ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት፡ ኣራሚ ስጉምቲ ንኽንወስድ የተባብዑና። ብሓፈሽኡ፡ ካብ ሓደጋታት ናጻ ዝኾኑ፡ ቀወምቲ ሥርዓታት ናይ ምክዋን ዕላማ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕማምን ሓደጋን ናጻ ዝኾኑ ቆልዑት ክተዕቢ ከም ምፍታን እዩ። እዚ ከኣ ናብ ዝገደደ መጻኢ ሓደጋ ይመርሕ።
ካብ ኣሉታዊ ርእይቶ (መጠንቀቕታ) ንዚመጽኡ ሓደጋታት ምቕባል፡ ከምቲ ብትካላት ገንዘባዊ ቊጠባ ዚዝውተር፡ ንሕግታት ናብ መንግሥታውያን ትካላት ምስግጋር ዘይኮነስ፡ ብሥነ-ምግባር ልጓም ዝተገብረሎም፡ ብቐንዱ ከኣ፡ ብቕደም ተኸተል ባዕላትና፡ ብስድራቤትናን ማኅበረሰብናን እነዘውትሮም ኪኾኑ ይግባእ።
ምድርና ብምልእታ፡ ምስ ኣብኣ ዚነብሩ ሕይወታውያን ነገራት ብዜሳኒ ኣገባብ፡ ብርእሰ-ምሕደራዊ ሥርዓት እትካየድ ምዃና፡ ነዚ መምርሒ እዚ እትሰማምዖን እትውክሎን ይገብራ።
ምድርና ብምልውዋጥ ደጋዊ ኲነታት ከይተሣዕረት፡ ንውሽጣን ከባቢኣን፡ ብዝተረጋግአ መስርሕ፡ ንኣእላፋት ዓመታት ሓሊዋቶ ትርከብ። ኣደነቕቲ ሥነ-ፍልጠታዊ ጭብጥታት ከም ዚምስክርዎ፡ ምድርና ባዕላ ንባዕላ፡ ብዘገምታዊ ዕቤት፡ ኣብ ውሽጣ ብዚርከቡ ዝተፈላለዩ ሕይወታውያንን ንኡሳን ሥርዓታትን እትተኻኸለሉን ቀጻልነት እተደንፍዓሉን፡ ምሉእ ሥርዓት ሓቀይና ምስሊ ከም ዘለዋ ኣጒሊሖም የርእዩና።
ተደጋጊፍና እንትንሥኣሉ ህያብ
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ዑረትን ጻውዒትን
ሰብ ዓመጻ ብተቕዋማቶም ኣቢሎም፡ ብልዑል ትግሀትን ናይ ስራሕ ኣደብን እናተመርሑ ድልየታቶም እንከማልኡ፡ እቶም ዓመጻ እንጸልእ፡ ብሠናይ፡ ፍትሒ፡ ምሕረትን ሰላምን ክንትክኦ እንብህግ ግን፡ ጥርኑፍን ኣድማዕን ኣቃውማ ክንተክል ዘይከኣልና ንምንታይ ኮን ይኸውን፧ ብምልኲዕ ሕብራዊ ኣዕናቚ ዘጌጸት ማዕተብ ገመዳ ምስ ዚብንጠስ፡ መሊስና ማዕተብ ንምግባራ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕንቊ ከካብ ዝወደቓኦ እናልዐልንስ፡ በብሕብረን ምስራዕን ዳግም ናብ ገመድ ምእታውን ዜጠቓልል፡ ንትዕግሥትና ዚፈታተን ናብ ፍጻሜ ናይ ምብጻሕ ራእይን ጻዕርን ይሓተና።
"ከም ሕዝቢ ራእይ ምስ ዘይህልወና ስዲ ንኸይድ" (ምሳሌ 29፡ 18)፡ ፍናንና ይወድቕ፡ ዐይኒ መርፍእና ይጠፍኣና፡ ጥምረትና ይበታተን፡ ንኣምላኽና ሰኣን ምፍላጥና ንጠፍእ (ሆሴዕ 4፡ 6)፡ ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ንባረር፡ ነፍሲ ወከፍና ነናብ መገድና ንዝምብል፡ (ኢሳ 53፥6)። ንዝተረፈና ኃይሊ'ኳ ጸንቂቕና ከይንጥቀመሉ ንጽገም፡ በብዝሰጎምናዮ "ጻሕ" ቢልና ንወድቕ። ንኣብነት ዘልዓልናዮ ክቡር ዕንቊ ፈቐዶኡ ፋሕ ብዚበሉ ኣኅዋትና ብሓሳብ'ሞ ንተክኣዮ፡ ሓዳሮም ኣብ ሓደጋ ምብታን ዚርከብ፡ ካብ ምውቕ ቤቶም ተባኢሶም ዝወጹ፡ ብዝገበርዎን ዘይገበርዎን ተኸሲሶም ኣብ ማሕቡስ ተዳጒኖም ብርሃን ጸሓይ ዘይርእዩ ሙቐታ'ውን ዘይጽለው፡ ዝፈትውዎ መግቢ ካብ ዘይጥዕሙ ዐመታት ዜቕጸሩ፡ ርእሶም ካብ ዚኽእሉሉ ስራሕ ተፋንዮም፡ ብቕብጸት ተስፋ ካብ ዐራቶም ምልዐል'ኳ ጽንቃቕ ዐቕሚ ዘይተርፎም፡ ነዚ ኲሉ ጸገማትና እንክንሓስብ ከም ከቢድ ጽዕነት ንመናዂብና ኣውዲቚ ነዚ ናብ ዘይንርእየሉ ቦታ "ሃጽ ቢልካ ጥፋእ!" ይመጸና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት እንከሎና፡ ኣቦና፡ ንሰብኣውነት ብዘቕረባ ቀዳመይቲ ሕቶ "ኣበይ ኣሎኻ፧" ቊሩብ ጽንሕ ቢሉ ከኣ "ኃውኻ ኣበይ ኣሎ፧" እናበለ ይሓተና (ዘፍ. 3፡ 9, 4፡ 9)። ኣቦና ከምዚ ቢሉ ዚሓተና፡ ንሱ ምስ ሰኣነና ኣይኮነን፡ ንኃውና ትሕት ቢልና ኣብታ ዘለዋ ክንዲ ምርካብ፡ ገጽና ካብኡ ብምኽዋልና ደኣምበር። ኣቦና ንሓደ ወዱ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ትሕት ኢሉ ንዮሓንስ ኃው፡ "ኲሉ ፍቓድ ክንፍጽም ይግብኣና ኢዩ" ቢሉ ምስ ረኸቦ፡ ብጸጋታት መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ "በኣኡ ዝተሓጎስኩ ፍትዊ ወደይ" (ማቴ. 3፡ 17) ኪብል ከኣ ጸውዖ።
ሠናይ፡ ፍትሒ፡ ሰላም
"ተዐረቑ፡ ሓራ ውጹ፡ ተለዐሉ፡ ተኣከቡ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ ቢልና ብልሳንና እናመረቕና፡ ምኽርና፡ ተግሳጽና፡ ደገፍና፡ መጽለሊና፡ ቊራስናን ነጸላናን እንተዘይማቐልና፡ ንኃውና ኣበይ ንረኽቦ፧ ኣቦና'ኸ ኣበይ ረኺቡ "እነሆ ወደይ" ኪብለና ንጽበ፧ "ንኢየሱስ ኣብ ኣፍደገኻ ንዝቘመ ኃውኻ እንተዘይረኸብካዮ፡ ኣብ ጽዋእ ስጋኡን ደሙን ኣይትረኽቦን።" (ቅዱስ ዮሓንስ ክሪሶስቶም።) ኣብያተ ማሕቡስና በኅዋትና ዓቕሎም ጸቢብዎም፡ ብኣካል ክንበጽሖምስ ይትረፍ ብሕልናና'ኳ ክንዝክሮም ከይሓሰብና፡ ከመይ'ሉ ኣቦና "እነው ዝፈትዎም ደቀይ" ኪብለና፧ ኣቦና፡ "እነው ፍትዋት ደቀይ ኪብለናስ ይትረፍ የለልየናን ይፈልጠናን'ዶኸ፧
ዕሽነት፡ ክፍኣትን ትህኪትን
"ካብ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ዚዓርቁን ዚእሰሩን ተፈሊና፡ እንበልዖን እንሰትዮን እንኽደኖን፡ ምስ ደኸምና ከኣ ብሓርነት እንጥወረሉን ኣኪብና ኣሎና" ካብ ምባል፡ ምስቲ ብስጋ ዘመድና ዘይኮነ ብመንፈስ ኃውና ከይዐመጽና እንተማቒልና፡ ኣቦ ብሓቂ ይርእየና፡ ኪጽወዓና ከሎ ከኣ፡ "ኣታ ዓሻ" (ሉቃ. 12፡ 20) ዘይኮነስ፡ "ኣታ ፍትዊ ወደይ" ኢዩ ዚብለና። ኣብ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ብእነዕርጎ ልመናታት፡ ንግብርታት ምሕረት በብሓደ እናዘረዘርና፡ "ኣሜን ኦ'ጎይታና መሓረና" ዚብል ምላሽ ንህብ። ነዚ ንምግባር ካብቲ ብጸጋ ሀብታም ዝኾነ ኣቦና ዝተቐበልናዮ ህያባት ኂዝና እንተወፈርና፡ ሕጂ'ውን ኣቦ ብሓቂ ይርእየና፡ ኪጽወዓና ከሎ ከኣ፡ "ኣታ ክፉእ ሃካይ" (ማቴ. 25፡ 26) ዘይኮነስ፡ "ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ (ማቴ. 25፡ 21) ኢዩ ዚብለና። ካብዚ ምስ እንበኲር፡ "ሀብታም ዝሃቦ ድኻ ይሓብጦ" ከም ዚበሀል፡ ብኾፍና ብትዕቢት ንሓብጥ።
ንዂሉ ድርዕቶታት ሓጺን ንዝተዓጥቀ ጎልያድ ብወንጭፍን እምንን ንኽንሥዕሮ ትብዓት፡ ጥበብን ኃይልን ዜዕጠቐና ኣቦና፡ ሕጂ ንትብዓትና፡ ጥበብናን ኃይልናን ካብ ድርዕቶ ሓጺን እናደለናዮ፡ በኣኡ ከኣ ንሕጻናት፡ ኣንስትን ኣረገውትን ከም እንጌራ ክንፍትፍተሉ እናረኣየ፡ መጸውዒና ካብ ዓሻ፡ ክፉእን ሃካይን እንከይተለወጠ ምድራዊ ጊዜና እንተኣኸለ፡ ካብዚ ዝኸፍአ ይጸንሓና። "ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩዂምን፡ ካባይ ርሐቑ!" (ማቴ. 7፡ 23)።
ራእይ
"ሕራይ" ቢልና ንምርካብ ኃውና ምስ እንወፍር፡ እቲ ንነፍሲ ወከፍና ዝተዋህበ ጸጋ ንመንፈሳዊ ኣዒንትና ከፊቱ፡ ንዝዐበየ መደብ ምሕረት ኣምላኽ ንምርኣይ የኽእለና። ዝተበታተነ ክቡር ኣዕናቚና ኣኪብናን በብሕብሩ ሠሪዕናን ማዕተብና እንሰርሓሉ ገመድ እምበኣር፡ ብመንፈሳዊ ኣዒንቲ ጥራሕ ዚገሃደልና ራእይና ኢዩ።ብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መደብ ተልእኾኡ እንኪጅምር፡ ራእዩ ብዐውታ ኣስሚዑ። (ኢሳ. 61፡1-2, ሉቃ. 4፡ 16-30) ዮሓንስ መጥምቕ'ውን ከምኡ። (ኢሳ. 40፡3, ዮሓ. 1፡ 23) ራእይ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ብጊዜን ቦታን ዘይድረት መንነቱ ኢዩ። (ዘፀ፡ 3፡ 14)፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝተቐበሎ ተልእኾን ዝተጓዕዘሉ ራእይን "ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ብርሀን ንምድኃን ኣሕዛብ" ምዃን ኢዩ (ሓዋ. 13፡ 47)። ዳዊት፡ ብኃጢኣቱን ውድቀቱን ተስፋ ከይቈረጸ ንኣቦ ብትግሀት ምንዳይን ምፍቃርን ነበረ። ንሕና ተደጋጊፍና እንትንሥኣሉ ህያብናን ራእይናን'ከ፡
ተደጋጊፍና እንትንሥኣሉ ህያብ
ብምሥጢረ-ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ምስ ነፍስና፡ ምስ ኃውና፡ ምስ ኣቦና የራኽበና። ንነፍስና ኣብ እንረኽበሉ፡ ህያብ ጸጋና ነለሊ፡ በዚ ጸጋ'ዚ ኣቢልና ኣብ እንደጋገፈሉ ምስ ኃውና ንራኸብ፡ ኣብዚ ኲነታት'ዚ እንከሎና፡ ኣቦና ባዕሉ ይረኽበና'ሞ፡ "በኣኡ ዝተሓጎስኩ ፍትዊ ወደይ"፡ "ዝኸም ልበይ" (1 ሳሙ. 13፡ 14, ሓዋ. 13፡ 22) ቢሉ ይጽውዓና። ጸጋና ኣብ ምልላይ፡ ጸገማትና ኣብ ምእላይ፡ ኣቦ ካብ ላዕላይ መንበሩ ይርእየና። ጸጋታትና ተደማሚሮም፡ ናብ ሓደ ዕላማ ብእነቋምተሉ መገዲ ምስ ተሠራዕና፡ ስዲ ካብ ምኻድ ንምለስ። ኣብ ኣጸዱ እንቘመሉ ቦታና ኣለሊና በብህያብና ምስ ኃውና እንደጋገፈሉ መሥርዕ ምስ ኃዝና፡ ሻቡ ኣማን ብኣማን፡ ብክቡር ኣኦናቚ ዘጌጸ ማዕተብና ዚኣስር መጥመር ገመድና ዝደልደለ፡ ራእይና ዝነጸረ፡ መገድና ዝተቓንዐ፡ ሠናይና፡ ፍትሕና፡ ሰላምና ሥሩዕ ይኸውን። ሻቡ ከም ራእይ ዘሎና ሕዝቢ ህያባትና ነለሊ፡ ተደጋጊፍና ንትንሥእ፡ ገበርቲ ሰላም፡ ካብኡ ብዝበለጸ ከኣ ብጹዓት ውሉድ ኣምላኽ ንኸውን።
መምርሒ ውርሻ-ገነት #5
ጎሓፍ ዘይምፍራይ ንድልየታት ምድራትን ዘይምዝራውን፡ "ብዘንበሩ ይናበሩ፡"
ሓው ተስፋልደት ሚካኤል
ንወለዶታት ዝቐዳሕናዮ ሕሱር ጸዓትን ካልእ ጸጋታትን፡ ናብ ኣህላኽን ዘይስሉጥን ኣነባብራን ኣጠቓቕማ መሬትን መሪሑና። "ጎሓፍ ዘይምፍራይ" ናብ ናይ ምቚጣብ ባህላዊ ክብርታትን ሓልዮት ንብረትን፡ ስኽፍታ ብዛዕባ ብከላን ምብካን ጸጋታትን፡ ከምኡ'ውን፡ ንጎሓፍ ከም ጸጋን ዕድልን ዚቖጽር መሰረታዊ ኣረኣእያ የምጽኣልና። ንናብራ ዘድልየና እነቕርበሉ ዳግመ-ምክዋን ብምምሃዝ፡ ንውልቂ፡ ንኅብረተሰብን ንተፈጥሮን ዚጠቕሙ ዓበይቲ ኣሳልጦታት ክነካይድ ንኽእል ኢና።
ንዘመናዊ ሕይወት ዚድግፍ ኢንዱስትርያዊ መስርሕ ብቕዲ ኣታውን-ወጻእን ኪምሰል ይከኣል። ኣታዊ ዚበሃል፡ ንተፈጥሮኣዊ ነገራትን ጸዓትን ኪውክል እንከሎ፡ ወጻኢ ዚበሃል ከኣ፡ ጠቐምቲ ነገራትን ኣገልግሎታትን ይውክል። እንተኾነ፡ ካብዚ መስርሕ'ዚ ንድኅሪት ምልስ ቢልና፡ ኣርኂቕና ምስ እንጥምት፡ ኲላቶም እዞም ጠቐምቲ ነገራት፡ መብዛኅትኦም እቲ ብዙኅ ጸዓትን ጸጋታትን ዘህለኸ፡ ብሉጽ እንብሎ ኣገልግሎት ከይተረፈ፡ ኣብ እንዳ ጎሓፍ ክንረኽቦ ንኽእል። እዚ ሓደ ሕንጻጽ ወይ መስመር ዚኽተል ቅዲ፡ ንመስርሕ ተፈጥሮ ብምኽታል፡ ንኣገደስቲ ነገራት፡ ናብ ዳግመ-ዑደት ብዜእቱ ዓንኬላዊ ቅዲ ክንትክኦ የድልየና። እዚ ከኣ ብምስሊ ሓሰኻ ደምበ (ጎንደራ) ተወኪሉ ንርኢ። ሓሳኹ ናይ ኣትክልቲ ተረፍ ወይ ጎሓፍ ተመጊቦም ናብ ድዂዒ ብምቕያር ንዂነታት ሓመድ ባዕሉ፡ ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ደቀቕቲ ሕዋሳትን ኣትክልትን ብዘመኃይሽን ዜጥዕይን ኣገባብ ይነብሩ። ሓሳኹ፡ ከም ኲላቶም ሕይወታውያን፡ ናይቲ ሓደ ወጻኢ ናይቲ ካልእ ኣታዊ ናይ ዝኾነሉ መርበብ ክፋል እዮም።
ቢል ሞሊሶን ንብከላ "ናይ ዝኾነ ይኹን ሥርዓት ኣካል ኮይኑ፡ ብኻልእ ኣካል፡ ብውሕሉል ኣገባብ ኣብ ጠቕሚ ከይወዓለ ንወጻኢ ዚድርበ" ብምባል ገሊጽዎ። እዚ ትርጉም'ዚ፡ ብሥርዓተ-ምክዋን ኣቢልና፡ ንኹሎም ወጻኢ ዚኾኑ ነገራት እናተጠቐምና፡ ብከላን ጎሓፍን እንንክየሉ መገድታት ንኽነናዲ፡የተባብዓና። ከየቋረጹ ዚፈርዩ ኣትክልቲ ኣብ ዝተተኽልዎም ገደናታት፡ ልዕሊ ዓቐን ዚራብሑ ሓሳኹ ተሓቲቱ እንኪምልስ፡ ሞሊሶን ከምዚ ይብል ነበረ፤ "እቲ ጸገም ዋሕዲ ደርሁት-ማይ ደኣምበር ብዝሒ ሓሳኹ ኣይኮነን።"
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ገለ ኸባቢታት፡ ልዕሊ ዓቐን ዚበቊል ሣዕርን ዱርን ንምንዳድ እንኪቃላዕ፡ ኣብ ገለ ኸባቢ ከኣ፡ ልዕሊ ዓቐን ዝፈርያ ጥሪት መጓሰ፡ ንመጋሃጫታት ከስሕዋ ይኽእላ። መሊኡ ንዚተርፍ ጸጋታትና ብመሃዝን ተበላሓትን ኣገባባት ምጥቃም፡ ሓደ ካብ መግለጺታት ውርሻ-ገነት እዩ። ምስላ "ንድሌታት ምድራትን ዘይምዝራውን"፡ ጸጋታት ኣኺሉ ኣብ ዚተርፈሉ፡ ምብኻን ቀሊል ምዃኑ፡ እዚ ምብኻን'ዚ ግን ደኃር ተመሊሱ ጠንቂ ሽግርና ኪኸውን ከም ዚኽእል የዘኻኽረና። እዚ ሓሳብ'ዚ ኣብ ጒዕዞ ናብ ምጒዳል ጸዓት ኣዝዩ ብቑዕ ኲነት እዩ።
ምስላ "ብዘንበሩ የናብሩ" ኣገዳስነት ናይ ብኣጋ ምትዕርራይን ዘይምብኻንን፡ ዓበይቲ ናይ ጽገና ጻዕርታትን የዘኻኽረና። ሽሕ'ኳ እዚ ነገር'ዚ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ጸጋታትና መሊኡ ኣብ ዚተርፈሉ እንጥቀመሎም ምህዞታት ሰሓቢ እንተዘይኮነ፡ ነቲ ድሮ ዘሎና ምትዕርራይ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ጒዕዞ ናብ ምጒዳል ጸዓት፡ ዓብይን ቀጻልን ጒዳይ ኪኸውን እዩ። ኲላቶም ቅርጽታትን ሥርዓታትን ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዋጋታቶም ይጎድል፣ ኲላቶም ሥነ-ኣከባብያውን ቀጸልትን ሰብኣዊ ሥርዓታት ከኣ፡ ንጸጋታቶም ብእዋኑ እናመዓራረዩ ኣብ ጠቕሚ የውዕልዎ።
ዳግመ-ዑደት፡ ካብ ኲላቶም ናይ ዘይምብኻን ትልምታት፡ እቲ ዝተጋነነ ትዂረት ዝተዋህቦ እዩ። ምስ ዳግመ-ዑደት፡ ንነገራት፡ ናብ መሰረታዊ ኣቃውማ ትሕዝቶኦም ብንጥፈት ንምቕያር ጸዓት ይድሊ። ንኣብነት፡ ንሓደ ጥርሙዝ ብመስርሕ ዳግመ-ዑደት ንምሕላፍ፡ ንመምከኽን ናብ ሓድሽ ቅርጺ ጥርሙዝ መትኃዝን ጸዓት የድሊ። ንዘሎ ጥርሙዝ ዳግመ-ምጥቃም፡ ወይ ከኣ ብቐደሙ ነቲ ጥርሙዝ ዘይምዕዳጉ ግን እቲ ዝበለጸ ምርጫ እዩ። ኣብ ኣባይትና፡ ወይ ኣብ ዝኾነ ይዂን ሥርዓት፡ ኣብ ዘይምብኻን ብምትኳር፡ ኣብ ከባቢና ብኻልኦት ንዚፈሪ ጎሓፍ ብቐሊሉ ናብ ምርኣይ ይመርሓና። ናይ ዘይምብኻን፡ ካብኡ ኃሊፉ'ውን በቶም ዚጎሓፉ ነገራት ኩሉ ንናብራና ዜድሊ ነገራት ንምምላእ ዘሎና ዕድላት ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ክዳውንትና ካብ ኣባይቲ መሸጣ ካልኣይ ኢድ፡ ወይ ካብ ወሃብቲ ተቐቢልና እንተተኸደንና፡ መግብና ዓበይቲ ዕዳጋታት ካብ ዘትረፋኦ እንተረኸብና፡ ካብ ናይ ካልኦት ምብኻን ፍረ ንሓፍስ ኣሎና ማለት እዩ። ቀደም፡ እቶም በተኻት ጥራሕ እዮም ካብ ዝተረፈ እናተጠቕሙ ዚነብሩ ዝነበሩ፡ ሎሚ ግን፡ ነቶም ንዝባኸነ ነገር ብመሃዝነት ምጥቃም፡ ንምድርና ዘይጎድእ ኣነባብራ ዚመርጹ ብወግዒ ክንሓስቦም ይግብኣና።